Saturday , May 11 2024

ስምብራት ለበዳ ኮሮና ይንኪ ኣሎ ተባሂሉ።

ዋና ተጸዋዒ ሕማም ለበዳ ኮሮና መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል ህላዌ ኮሮና ኣብ ሽወደን ይቕንጠጥ ምህላዉ ኣመልኪቱ። ንሱ ጽዑቕ ክንክን ዝግበረሎም ሰባት እናነከዩ ምምጽኦም ብዓቢኡ ኸኣ መጠነ ሞት ሕሙማት ኮሮና ምንካዩ መርኣያ ናይዚ ምቕንጣጥ ምዃኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ወሲኹ ኣረዲኡ። ሎሚ በዚ ለበዳ ዝሞቱ ሕሙማት 23 ኮይኖም 791 ሓደስቲ ሕሙማት ተረኺቦም ኣለዉ። “ኣብ ቀረባ መዓልታት ብምኽንያት ምውሳኽ ቊጽሪ ተመርመርቲ ዝያዳ ሕሙማት ረኺብና ኢና” ክብል ቲግኔል ወሲኹ ኣረዲኡ።

እዚ እናኾነ ሓላፊ ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት ቶማስ ሊንደን ጠለብ ሕክምናዊ ክንክን ምንካዩ ከም ዘሻቐሎ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና TT ጸብጺባ’ላ። “ኻልኦት ሕማማት ንምክንኻን ቆላሕታ ክግበር ኣገዳሲ ሙዃኑ ገሊጹ። ኣብ ክንክን ጥዕና ለበዳ እዚ ሕማም ንምክልኻል ዘኽእሉ ስሩዕ ኣካይዳታት ምህላዎም እቲ ወሳኒ ረቛሒ እዩ” ድማ ይብል ነዚ ኩነታት ክገልጾ ከሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ” ሕጂ’ውን ኣብ ቤትካ ምዕቋብን ምውሻብን ማስክን ክዝውተር ዘለዎ ኣገዳሲ ምልዲ እዩ” ብምባል ምክሩ ለጊሱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com