Thursday , May 9 2024

ኩሎም ነበርቲ ከተማ ስቶክሆልም ናይ ኮሮናን ጸረ-ኣካልን መርመራታት ብነጻ ኣገልግሎት ክረኽቡ እዮም

ካብ ጽባሕ ሶኑይ ጀሚሩ ንኹሎም ነበርቲ ከተማ ስቶክሆሎም ናይ ኮሮና ቫይረስ መርመራን ሓደ ሰብ ብቫይረስ ኮሮና ተጠቒዑ ነይሩ’ዶ ኣይነበረን ንምፍላጥ ዘኽእል ናይ ጸረ-ኣካል መርመራን ብነጻ ክግበር ከምዝኽእል TT ሓቢሩ።

እቲ መርመራ ንኹሉ ሰብ ክፉት ምዃኑ ከንቲባ ከተማ ስቶክሆልም፡ ኤሪን ስቪኖንዮስ፡ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

መርመራ ክገብር ዝደለየ ሰብ ካብ ሶኑይ ጀሚሩ ብመንገዲ 1177 ኣቢሉ ሪጋ ክሕዝ ከምዝኽእል ተሓቢሩ ኣሎ።  እቲ መስርሕ ብመንገዲ ቤት-ምርምር (Laboratory) ካሮሊኒስካ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክካየድ እዩ።

ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ንኹሎም ነበርቱ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ክፍሊት፡ ሓደ ሰብ ተሰካሚ ኮሮና ቫይረስ ድዩ ኣይኮነን ዘፍልጥ መርመራ (PCR) ክግበረሉ ምዃኑን ብተወሳኺ ድማ ቅድሚ ሕጂ ብቫይረስ ተለኺፉ ነይሩ’ዶ ኣይነበረን ዘፍልጥ ናይ ጸረ-ኣካል መርመራ ከካይድ ምዃኑ መዲቡ ኣሎ።

ብነበርቲ ክቐርበልና ዝኽእል ጠለብ ብዙሕን ጻዑቕን ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣለና። እቲ መርመራ ሶኑይ መዓልቲ ዝውዳእ ስለዘይኮነ ካብ ዓማዊልና ዝያዳ ትዕግስቲ ክገብሩ ንሓትት ክትብል እታ ከንቲባ ተላብያ።

ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ክሳብ 10000 ዝኸውን መርመራታት ከካይድን ኣብ ዝቕጽል ሳምንታት ድማ እቲ ቁጽሪ ክውስኾ መደብ ሒዙ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com