Saturday , May 18 2024

ውህደት

ኣብ ኡፕሳላ ናይ ነትጒ ድምጺ ተሰሚዑ

ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 11 ድ.ቐ. ኣብ ኡፕሳላ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ-ገዛ ናይ ነትጒ ድምጺ ተሰሚዑ። ኣባላት ፖሊስ ዝኾኑ ናይ ድሕነት ኣሃዱ ናብቲ ቦታ መጺኣ ድሕሪ ምፍታሻ ካልእ ክፍንጀር ዝኽእል ንቷጒ ከምዘየለን፡ ናብታ ክፍሊ ውን እንታይ ዓይነት ምዃኑ ጌና ዘይተፈልጠ ነቷጒ ከምተደርበየ ገሊጾም ክትብል ኡፖሳላ ንያ ቲድኒን (Upsala Nya Tidning ) ሓቢራ። ኣሃዱ ጸረ ነቶግቲ ኣብቲ ቦታ ተረኺባ ፈተሻ ድሕሪ ምክያዳ፡ …

Read More »

ድሕሪ ነዊሕ ፖለቲካዊ ክትዕ፡ ኣብ ካርሊስታድ ሓድሽ መስጊድ ንኽህነጽ ተፈቒዱ

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናይ ፖለቲካዊ ክትዕ፡ ኣብ ከተማ ካርሊስታድ ኣብ ሮድ ዝተባህለ ከባቢ ሓንቲ መስጊድ ንኽትህነጽ ከምተፈቕደ SVT ሓቢሩ። ኣብ ዝተገብረ ፖለቲካዊ ክትዕ፡ መስጊድ ንኽህነጽ ዝተሰማምዕሉ ወገናት 7 ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተቛወሙ ድማ 4 ነይሮም። ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትናን ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራትናን ካብቶም ናይ ተቛውሞ ድምጺ ዘስምዑ እዮም። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህንጻዊ ውጥናት ከተማ ሃልሚስታድ ዝኾነ ኤሪክ ኒልሶን (ኣባል …

Read More »

መንገዲ ኣየር ኖርወጅያን ካብን ናብን ሽወደን ናይ በረራ ጉዕዞታታ ክትጅምር እያ

መንገዲ ኣየር ኖርወጅያን ካብ ዕለት 01/07/2020 ጀሚራ ካብን ናብን ሽወደን ዝነበረ ናይ በረራ ጉዕዞታት ክትጅምሮ ምዃና ሓቢራ። ኣብ ውሽጢ ሽወደን ናብ 3 ቦታታት፡ ካብ ሽወደን ወጻኢ ድማ ናብ 10 ኣብ ውሽጢ ኤውሮፓ ዝርከብ ቦታታት ብድምር ናይ 76 በረራ ጉዕዞታታ ከተካይድ ምዃና እታ ኩባንያ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። ኩባንያ ኖርወጅያን፡ ኣብ ግዜ ጉዕዞ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ናይ ኮሮና ቫይረስ ለበዳ ንምግታእን …

Read More »

ማእከል ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ወርሒ ግንቦት 9% በጺሑ

ኣብ ሽወደን፡ ብዝሒ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ 497 ሽሕ ብምብጽሑ ንመጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 9% ክብ ኣቢልዎ ይርከብ። ምስቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት/2019 ዝነበረ ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ፡ ሎሚ ዓመት ብ 110 ሽሕ ከምዝወሰኸን መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ ብ 1.9% ምውሳኹ ጸብጻባት ማእከል ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ሽወደን ገሊጾም ክብል TT ሓቢሩ። ኣብ መላእ ሽወደን፡ …

Read More »

መንግስቲ፡ ንናይ ሽቕለት ኣልቦነት ካሕሳ ዝምክት እማመ የቕርብ።

ማዕከን መድሕን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ኣታዊ እምበር ኣብ ሰዓታት ስራሕ ክምርኰስ የብሉን ክትብል መርማሪት ማርያ ሄሚንግሶን ናብ ሚኒስተር ዕዮ ኢቫ ኖርድማርክ ኣብ ዘቕረበት እማመ ገሊጻ። መንግስቲ ዝያዳ ወጻኢታት ካብ ምፍሳስ ዝዓግት ኣገባብ እዩ ኢላ ከም እትኣምን ኣብቲ እማመ ኣስፊራቶ ኣላ። እዚ ኣገባብ ንዝነበረ ኣካይዳ ዘበላሹ እዩ ክትብል ሓዳስ ኣደ መንበር ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ሱዛን ጊደዮንሶን፡ ኣፍሊጣ። እዛ መርማሪት መጠን ካሕሳ …

Read More »

ሽወደናዊት ምምሕዳር፡ ብሰንኪ ቅልጡፍ ዝኾነ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ትእውጅ

ኣብ ምምሕዳር ኖርቦተን (Norrbotten) እትርከብ ምምሕዳር ከተማ ያሊቫራ (Gällivare) ቅልጡፍን ሓደገኛን ዝኾነ ዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ከምዘጋጠማን ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ከምዝኣውጀትን SVT ሓቢሩ። ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሓት ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፉን፡ ምምሕዳር ከተማ ብወገኑ ንኹሎም ናይ መዘናግዕን ባህላውን ቦታታትን (መሐንበሲ፡ ቤት ንባብ፡ ኣዳራሽ ስፖርትን ካልእን) ብምዕጻው ንፖሊስ ትራፊክ ድማ ነቶም ካብን ናብን ምምሕዳር ዝካየዱ መገሻታት ክዓግት መምርሒ ከምዝሃበ ተፈሊጡ ኣሎ። …

Read More »

መጠንቀቕታ፡ ከምቲ ናይ ዓመተ 2018 ነቕጺ ከየጋጥም ተባሂሉ

ኣብ ሽወደን ከምቲ ናይ 2018 ዝመስል ነቕጺ ዘለዎ ኩነታት ይረአ ምህላዉ ተገሊጹ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ካብ ኩባንያ ቬስትቫተን (Västvatten) ንነበርቲ ምምሕዳራት ከተማ ቦሁስላን (Bohuslän)፡ ዶልስላን (Dalsland) መጠንቀቕታ ከምተዋህቦም P4 Väst ሓቢሩ ኣሎ። ተቐማጦ ከተማታት ሙንኬዳል (Munkedal)፡ ሱቲኔስ (Sotenäs)፡ ኡዲቫላ (Uddevalla)ን ፋይላንዳን (Färgelanda) ድማ  ዝስተ ማዮም ክዓቚሩ ጻውዒት ቀሪብሎም ኣሎ። ነቕጽን ሃሩርን ኣብ ዝኾነሉ እዋን ዝስተ ማይ ብጥበብን ውሕልነትን ምጥቃም ኣገዳሲ …

Read More »

ቅልውላው ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ መንጎ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ዘሎ ፍልልይ ክግፈሖ ትጽቢት ኣሎ

ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ዕዳጋታት ሽቕለት ዓቢ ዝኾነ ኣሉታዊ ጽልዋ ከስዕበሉ ከምዝኽእል ተሓቢሩ። ኣብ ፋብሪካታት ዝሰርሑ መንእሰያትን ውሱን ሰዓታት ዝሰርሑ ሰባትን እቶም ቀንዲ ስርሖም ከይስእኑ ኣብ ሓደጋ ዘለዉ እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ኣብ መንጎ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ዘሎ ፍልልይ ክገፍሕ ከምዝኽእል ኣብ ፍልይ ዝበሉ ንድፍታት ምርኩስ ብምግባር ትንታነታት ዘቕርብ መዓል መዚ ሓቢሩ። ዘለዉን ሓበሬታታት ከምዝሕብርዎ፡ ብሰንኪ ናይ ሽቕለት ዕድላት …

Read More »

ብሪጣንያዊ መጽናዕቲ፡ ኮርቲዞን ዝተባህለ መድሃኒት ንብዙሓት ብኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ሕሙማት የድሕን

ብኮርቲዞን “ዲክሳሚታሶን” ዝፍለጥ ጸረ ነኽሲ መድሃኒት፡ ንመዐገሲ ሕማም ኣለርጅን መንሽሮን ብሰፊሕ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝጸንሐ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሕማም ኮቪድ-19 ዘለዎ ጽልዋ ንምርኣይ ብእንግሊዛውያን ተመራመርቲ ተፈቲኑ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙሓት ከቢድ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዝነበሮም ሕሙማት ክሓውዩን ክድሕኑን ተራእዮም ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኮርቲዞን ሓደ ካብቶም ጸረ ሕማም ኮቪድ-19 ክኾኑ ይኽእሉ’ዶ ብምባል ብእንግሊዛውያን ተመራመርቲ ዝተፈተነ ንኻልእ መዓላ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል …

Read More »

ኩባንያ መንገዲ ኣየር SAS ናይ ውሽጢ ኤውሮፓ በረርኡ ክጅምር እዩ ተባሂሉ

መንገዲ ኣየር SAS ነቲ ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ በረርኡ ካብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ናብ ሚላኖ፡ ሮማ፡ ፋሮን ስፕሊትን ብምብራር ክጅምሮ ምዃኑ ገሊጹ ክብል TT ሓቢሩ። መጠን በረራታት ኩባንያ SAS ምስ ናይ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ዝፈጸሞ ክነጻጸር እንከሎ ጌና ኣብ 30% ካብ ብዝሒ በረርኡ ሸፊኑ ከምዝርከብ ሓላፊት ጋዜጣ’ቲ ኩባንያ ዝኾነት ቫርያ ኣናማትዝ ሓቢራ። ብዝሒ ናይተን ኣብዚ ሕጂ እዋን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com