Friday , May 10 2024

ሽወደናዊት ምምሕዳር፡ ብሰንኪ ቅልጡፍ ዝኾነ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ትእውጅ

ኣብ ምምሕዳር ኖርቦተን (Norrbotten) እትርከብ ምምሕዳር ከተማ ያሊቫራ (Gällivare) ቅልጡፍን ሓደገኛን ዝኾነ ዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ከምዘጋጠማን ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ከምዝኣውጀትን SVT ሓቢሩ።

ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሓት ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፉን፡ ምምሕዳር ከተማ ብወገኑ ንኹሎም ናይ መዘናግዕን ባህላውን ቦታታትን (መሐንበሲ፡ ቤት ንባብ፡ ኣዳራሽ ስፖርትን ካልእን) ብምዕጻው ንፖሊስ ትራፊክ ድማ ነቶም ካብን ናብን ምምሕዳር ዝካየዱ መገሻታት ክዓግት መምርሒ ከምዝሃበ ተፈሊጡ ኣሎ።

ቁጽሪ ናይቶም ሓደስቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝነብሩን ዝሰርሑን ሰባት ከምዝወሰኸን ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዝወሰዱ ድማ ክሳብ 70% ናይ ምሉእ ቁጽሪ ኣባላት በጺሑ ይርከብ። ከም በዓል LKAB ዝኣመሰላ ዓበይቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ከይተረፋ ቅልጡፍ ዝኾነ ማዕበል ለበዳ ኮሮና የጋጥመን ከምዘሎ  ንምምሕዳር ከተማ ሓቢረን ክብል SVT Norrbotten ኣቃሊሑ።

ምምሕዳር ኖርቦተን፡ ንብምልኡ ምምሕዳር ክዓጽዎ ከምዘይክእልን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ብዝከኣሎ ንምግታእ ክጽዕርን ከበርክትን ከምዘለዎ ጸዊዑ። ኣብ ገዛ ኮይኑ ክሰርሕ ዝኽእል ሰብ ድማ ስርሑ ካብ ገዝኡ ንኸሰላስል ኣዘኻኺሩ።

ኣብታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት፡ ተወሳኺ ናውቲ መከላኸሊ ንምዕዳግ ዘኽእል ናይ 3.1 ሚልዮን ክሮነር ባጀት ክስልዑ ምዃኖም ወሲኖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com