Saturday , May 18 2024

ውህደት

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ 13 ሰባት ሞይቶም ተባሂሉ

ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ዝተመዝገበ ድምር ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት 13 ጥራይ ከም ዝነበረን ጠቕላላ ድምር ናይቶም ኣብ መላእ ሽወድን ዝሞቱ ሰባት ድማ 5433 በጺሑ ኣሎ። ጠቕላላ ድማር ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ድማ 73061 በጺሑ ኣሎ። ጠቕላላ ቁጽሪ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝተገብረሎም ሰባት ድማ 2461 በጺሑ ክብል ጸብጻባት ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና …

Read More »

ጓሉ ነቲ ንልዕሊ 19 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ዝርከብ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ . . . ብሂወቱ ኣሎ ትብል

ቤተልሄም ኢሳቕ፡ ጓሉ ነቲ ንልዕሊ 19 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ዝርከብ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ፡ ዳዊት ኢሳቕ፡ ኣቦኣ ብሂወት ከምዘሎ ኣረጋጊጻ ክብል መርበብ ሓበሬታ TT ኣቃሊሑ። ዳዊት ኢሳቕ፡ ኣንጻር ሃገራዊ ድሕነት ገበናት ፈጺምካ ብዝብል ክሲ፡ ንልዕሊ 19 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሩ ከምዘሎ ይፍለጥ። ዳዊት ኢሳቕ፡ ብሂወቱ ከምዘሎን፡ ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ካበይ ከምዝረኸበቶ ክትሕብር ዘይደለየት ቤተልሄም፡ ነቲ ሓበሬታ ብመንገዲ “ …

Read More »

ሃልምስታድ፡ ምልውዋጥ ቶኽሲ ካብ መኪና ናብ መኪና

ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ፡ ፖሊስ ሃልምስታድ፡ ቶኽሲ ናይ ምልውዋጥ ምልክታት ረኺቡ። ኣብ ውሽጢ ክልተ መካይን ዝነበሩ ሰባት ካብን ናብን እተን መካይን ቶኽሲ ይለዋዋጡ ከምዝነበሩን ድሑሩ እተን መካይን ካብቲ ቦታ ከምዝጠፋኣን እንታይ ምስ ኣጋጠመ እቲ ኩነታት ናብ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ፍጻሜ ከምዝበጸሐን ግን ዝፍለጥ ነገር ከምዘየለ ጋዜጣ ሃላንድስ-ፖስተን ጽሒፉ። ፖሊስ’ቲ ከባቢ ብብረት ዝድህስሱ ኣኽላባት ጌሩ ተፍቲሽ  ከምዘካየደን፡ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝኾኑ …

Read More »

ንናይ ቤት ትምህርታት ሓካይም ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ መለለይ

እቲ ኣብ ቬስታማላድ ዝሰርሕ ናይ ቤት ትምህርቲ ሓኪም፡ ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐቱ ክምንጠል ይግባእ ኢሉ ተቖጻጻሪ ኣካል ጥዕናን ሓለዋን (Ivo) ከምዝኣምን SVT News Västmanland ሓቢሩ። Ivo፡ ንኣገባብ ኣፈዋውሳ ናይቲ ሓኪም ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ መርመራ፡  ኣብ ልዕሊ 17 ቆልዑ ዝፈጸሞ ኣገባብ ኣፈዋውሳ ንስነፍልጠታውን ሕሉፍ ተሞክሮታት ሕክምናን ብዝጥሕስ ኣገባብ ከምዝተጠቀመ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ንገለ ካብቶም ተመሃሮ፡ ኣብ ሂወት ዘለዎም ሓፈሻዊ ኣጠማምታ ንኽሰፍሕ …

Read More »

ናብ ግሪኽ ተወጢኖም ዝነበሩ ሰለስተ በረራታት ኣብ መወዳእታ እዋን ተሰርዞም

ትማሊ ሰንበት፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ናብ ግሪኽ ተወጢኖም ዝነበሩ ሰለስተ በረራታት ኩባንያ SAS ኣብ መወዳእታ እዋን ከምተሰረዙን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ገያሾ ብኣሉታ ከምተጸልዉን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ሰዓት 4፡00 ድ.ቐ. በረራ መደብ ዝነበሮም ኣስታት 374 ገያሾ፡ ናይ መገሻ መደቦም ከምተሰረዘ ብመንገዲ ኩባንያ ሳስ ተሓቢርዎም። ናይ ጉዕዞ ፍቃድ ንምርካብ ዝከአለና ጽዒርና፡ ክንዕወት ግና ኣይከኣልናን። ብዙሓት ገያሾ ውን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ሰዓቶም …

Read More »

ኣቦ ወንበር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ካብ ሽወደን ክንመሃር ይግበኣና ይብል

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምምካት ዝተጠቀመትሉ ስትራተጂ ንምግምጋም፡ ሽወደን፡ ሓዳስ ኮሚቴ ምቛማ ዝነኣድ ተበግሶ እዩ ክብል ኣቦ ወንበር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ቴድሮስ ገብረየሱስ፡ ሓቢሩ። ሽወደን፡ ጸረ ለበዳ ኮሮና ዝወሰደቶ ስትራተጂ ክትግምግሞን ክትርደኦን ምፍታና ብጣዕሚ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑን፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ድማ ነዚ ሽወደን ትገብሮ ዘላ ጻዕርታት ከም ዝሙግስን፡ ካልኦት ሃገራት ኣሰር ሽወደን ክስዕባ ከምዝግባእ፡ ገብረየሱስ ምስ ጋዜጣ ስቨኒስካ ዳግብላደት ኣብ ዝገበሮ …

Read More »

ሶማላውያን ዒራቓውያንን ሶርያውያንን ብዝለዓለ መጠን ግዳያት ሞት ኮሮና ይኾኑ ኣለዉ ተባሂሉ

ምስ ዓመታት 2016-2019 ብምውድዳር ካብ መጋቢት ክሳብ ግንቦት እዛ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት ኣብ ዝነበራ ኣዋርሕ ኣብ ሽወደን ዝተወልዱ ዒራቓውያን: ሶማላውያንን ሶርያውያንን ካብቲ ካልእ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ብ 200 % ዝለዓለ መጠን ግዳያት ሞት ምኳኖም ሓድሽ መጽናዕቲ ምምልካቱ ኤክስፕረስ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።ብኣንጻሩ ኣብ ሽወደን እተወልዱን ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡን ሰባት መጠነ ሞት ብ ኣሉታ 1 ምንካዩን ናብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Swedish News in Tigrigna 03 July 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ 1. ብዙሓት ካብ ሽወደን ወጻኢ ንዝተወለዱ ነባሮን ዜጋታትን ሽወደን ብቫይረስ ኮሮና ንሃንደበትነት ከምዝተቓልዑ ተሓቢሩ። 2. ሓይልታት ፖሊስ ሕብረት ኤዉሮፓ ማለት ኢሮፖል ሓባራዊ ምንቅስቓስ ኣንጻር ገበን ምክልኻል የካይዱ ከምዘሎዉ ተገሊጹ። ብተወሳኺ ኣብ ዩቱብ ዝርከብ ቻነል ኣልኮምፒስ ትግርኛ ኣባላት ንምዃን subscribe ብምግባር ተሳታፍነትኩም ከተረጋግጹ ንላቦ። mehari#sverige #alkompis #sweden #Tigrinja

Read More »

ኣሜሪካ፡ 90% ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከብ “ረመዲስቪር” ብምሽማት ንዓለም ባዶ ተትርፋ

 ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዳርጋ ኩሉ ብርክታት ናይቲ ንለበዳ ኮሮና ከም ዝከላኸል ዝእመነሉ መድሃኒት “ረመዲስቪር” ብምሽማት ንዓለም ባዶ ከም ዘትረፈታ ይንገር ኣሎ። እዚ መድሃኒት ዋጋኡ ክሳብ 2340 ዶላር ኣመሪካ ከም ዝበጽሕ ይግለጽ። እዚ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎ ጸረ ቫይረስ መድሃኒት ዝሸይጥ ትካል “ጊልዓድ” ኣብ 2014 ኢቦላ ንምፍዋስ ተባሂሉ ብኤጀንሲ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ዝተማህዘ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ብኤጀንሲ መድሃኒታት ሕብረት ኣውሮጳ ከም …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ፣ መቐረት ሽወደን

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ቐዳማይ ክፋል “ንነብሰይ ከም መማቕርቲ ሽወደን’የ ዝቖጽራ፡ ኣብ ስቶኮሎም ከማይ ትጽብቅ ሓበሻ ዘላ ኮይኑ ኣይስምዓንን! እንታይ እሞ—” ጌና ዕላላ ከይጀመረትለይ ከላ ብንብዓት ተነኽነኸት። ብመንገዲ ተንቓሳቓሲ ቴለፎን እያ ተላልያትኒ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ጋሻ ብምዃነይ፡ ቁጽሪ ተንቃሳቃሲ ቴሌፎነይ ብመንገዲ ጋዜጠኛ ናይ ዩቲብ ቻነል ራሄና ቲቪ ያሲን ዑመር(ቕጫ)፡ ብምሕታት እያ ክትረኽበኒ ክኢላ። መልክዓ’ኳ እንተዘይፈለጥክዎ፡ ብኣዛራርብኣ ግና ብርግጽ ምልክዕቲ ክትከውን ኣለዋ በልኲ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com