Friday , May 10 2024

ካብን ናብን ማልሞ ዝነበረ ናይ ባቡር ጉዕዞታት ተመዛቢሉ

ትማሊ ለይቲ ኣብ ከባቢ ፖርሎቭ ዘጋጠመ ሓደጋ ንጉዕዞታት ባቡር ስኮና ከምዝዓንቀፎ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

በቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ዝኾነት ባቡር ክትሓልፍ ከምዘይትኽእልን ንቡር ምንቅስቓስ ናይ ባቡር ድማ ዓርቢ ንግሆ ክጅምር ትጽቢት ተገይሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንኹሉ ካብን ናብን ማልሞ ዝነበር ጉዕዞታት ባቡር ከምዝጸለወ ተገሊጹ። ንጉዳይ ምጅማር ጉዕዞታት ባቡር ብዝልከት ኩሎም ተሳፈርቲ ንኩባንያታት ባቡር ክውከሱ ከምዘለዎም ሰብ መዚ መጋዓዝያ ይመኽሩ።

ካብ ማልሞ ናብ ሉንድ ዝነበሩ ጉዕዞታት  ብሓገዝ ኣውቶቡሳት ከምተኻየዱ ምንጭታት ሓቢሮም።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com