Saturday , May 18 2024

ውህደት

ኣየርላንድ፡ ንሽወደን ብምንጻል ኣብ ልዕሊ 15 ሃገራት ኣንቢራቶ ዝጸነሐት ናይ መገሻ እገዳታት ኣልዒላቶ

መንግስቲ ኣየርላንድ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ናይ 15 ሃገራት ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ናይ 14 መዓልታት ናይ ውሸባ ግዴታ ብምልዓል ከም ቅደሞም ክኣትዉ ምፍቃዱን ንሽወደን ኣብዚ ዝርዝር ዘይምእታዉን ተፈሊጡ። ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ TT፡ ኣየርላንድ ዝወሓደ መጠን ለበዳ ኮሮና ካብ ዝተራእየለን ሃገራት ኣውሮፓ ሓንቲ ኮይና፡ መጠን ለበዳ’ታ ሃገር፡ ካብ መንጎ 100 ሽሕ ሰባት 5 ጥራይ ብቫይረስ ኮሮና ከም ዝልከፉ እዩ ዝሕበር። ካብተን ዜጋታተን ብዘይ …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ መምርሒ ፍቓድ መኪና ናይ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ተሰሪዙ

ብሬድዮ ኤኮት ዝተቃልሑ ሓደስቲ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ በዓል-መዚ መጓዓዝያ ሽወደን፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ ዓመተ 2020 ጥራይ ናይ 20030 ሰባት መምርሒ ፍቃድ ምስራዙ እዚ ድማ ምስ ናይ ዓመተ 2019 እንክወዳደር ከሎ ናይ 10% ወሰኽ ዘርኣየ ምዃኑን ተፈሊጡ። ምኽንያት ምስራዝ ናይቶም መምርሒ ፍቓዳት፡ ቅጥዒ ዘይብሉ ናህሪን ካልእ ምግሃስ ሕጊ ትራፊክን እዩ ተባሂሉ። ኣብ በዓል-መዚ ትራንስፖርት ዳይረክተር ኣሃዱ መምርሒ ፍቓድ መኪና፡ …

Read More »

ቲግኒል፡ ኣብ ግዜ ብባቡር ንጓዓዘሉ እዋናት፡ ኣገዳስነት ማስክ ምኽዳን ዓቢ ኣይኮነን ይብል

ብደረጃ ኤውሮፓ ዝወጸ ለበዋ፡ ማስክ ምኽዳን፡ ኣመልኪቱ  ቲግኒል፡ ኣብ እዋን ጉዕዞ ባቡር ማስክ ምኽዳን ኣገዳስነቱ ትሑት እዩ ክብል ከምዝሓበረ ተፈሊጡ። ማስክ ምኽዳን ካብ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ክከላኸል ይኽእል እዩ ዝብል ተሪር ጭብጢ ኣይተረኽበን ዘሎ። ንእዋናዊ ምዕባሌታት ድማ ብቐረባ ንከታተሎም ኣለና። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ንምግታእ፡ ተሳፈርቲ፡ መምርሒታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ከተግብሩ ከምዝግባእ ቲግኒል ገሊጹ ክብል ማዕከን ሓበሬታ TT ሓቢሩ። …

Read More »

ኩባንያ ባቡር ሽወደን SJ፡ ተሳፈርትና፡ ማስክ (መሸፈን ኣፍ) ንኽኽደኑ ኣይክንግድዶምን ኢና

ብዙሓት ሃገራት ኤውሮፓ፡ ብባቡር ንዝንቀሳቐሱ ተሳፈርቲ ንመምርሒታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ከተግብርሉ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ ምስ ዝበጽሑ ማስክ ንኽኽደኑ ዝግድድ ሕጊ ከም ዝበየና ይዝከር። ኣብ ሽወደን ዘሎ ኩነታት ግን ካብዚ ዝተፈልየ እዩ። ኩባንያታት ባቡር ንተሳፈርተን ማስክ ንክኽደኑ ኣይግድዳን እየን። ኩባንያ SJ፡ ንተሳፈርቱ ማስክ ክኽደኑ ኣይግድድን እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ንኩነታትን ጠለባትን ሽወደን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ብዘመሓላልፎም መምርሒታት ተቐይዱ ስለ …

Read More »

ብቕትለት ተኸሲሱ ንትሸዓተ ዓመታት ሃዲሙ ዝጸንሐ ገበነኛ ተታሒዙ

ቅድሚ ትሸዓተ ዓመታት፡ ብምሕጋዝን ምጉስጓስን ገበን ቅትለት ተኸሲሱ ሃዲሙ ዝነበረ ኣብ ኣርባዓታት ዝዕድሚኡ ወዲ ተባዕታይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስኮቭስታ (Skavsta) ከምተታሕዘ ተፈሊጡ። እዚ ብሰሉስ ናብ ሽወደን ብናይ ሰርብያዊ ፓስፖርት ክኣቱ ዝተታሕዘ ገበነኛ፡ ካብ ፖሊስ ሽወደን ሃዲሙ ከምዝጸንሐ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ገበነኛ፡ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ሒዙ ከብቅዕ፡ ምልከት ቋንቋ ሽወደን ብምህላዉ፡ ፖሊስ፡ ብዓይኒ ጥርጣረ ርእዩ ሃገራዊ ቁጽሩ ከጻሪ ጀመረ። ከምውጽኢቱ ድማ፡ …

Read More »

ኣብዘን ዝሓለፋ ሽድሽተ ኣዋርሕ 1310 ኤርትራውያን ዜግነት ሽወደን ወሲዶም

ብመስረት ጸብጻብ ክፍሊ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብ መፋርቅ ዓመተ 2020 ማለት ካብ ወርሒ ጥሪ ስጋብ ወርሒ ሰነ 37204 ብዝሒ ሰባት ዜግነት ሽወደን ንክወስዱ ከምዘመልከቱ  ኣብ መርበብ ሓበሬታ እዚ ክፍሊ ዝወጸ ጸባጻብ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ሓበሬታ እዚ ክፍሊ ምስ እዞም 37204 ዘመልከቱ ሓዊስካ ኣብዘን ዝሓለፋ ሽድሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ብጠቅላላ ናይ 40 259 ኣመልከቲ ጉዳዮም ከምዝርኣየን፣ ካብዚኦም ድማ 57 % ማለት 1310 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 33594 …

Read More »

ሃገራት ኤዉሮጳ ንምክፍፋል ሓገዝን ባጀትን እቲ ሕብረት፡ ዝነበረን ፍልልይ ብምፍታሕ ተሰማሚዐን

27 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቖፈ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ሳዕቤናቱን ዘኸተሎ ቁጠባዊ ሃስያ ንምሕዋይን ጎድኒ ጎድኒ ናይዚ ስራሕ ዝተመደበ ናይቲ ሕብረት ናይ ነዊሕ እዋን ባጀትን፡ ንምጽዳቕን እቲ ተመዲቡ ዘሎ ገንዘብ ብኸመይ ንኣባላት ሃገራት ክወሃብ ከምዘለዎ ኣብ ዝብል፡ ድሕሪ ዝተኻየደ ነዊሕን ኣሰልቻዉን ዘተ፡ ኣብ መወዳእታ፡ እተን ሃገራት ኣብ መርገጺታተን ሕድገታት ብምግባር ስለዝተቐራረባ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጻሓ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Swedish News in tigrigna. 22 juli 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ 1. ሃገራት ኤዉሮጳ ንምክፍፋል ሓገዝን ባጀትን እቲ ሕብረት፣ ዝነበረን ፍልልይ ብምፍታሕ ተሰማሚዐን። 2. ሓድሽ መከላኸሊ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ዘይመለሾም ጉዳያት ኣሎዉ፣ ክብሉ ሰብ ዓዉዲ እቲ ሞያ ዝኾኑ ክኢላታት ገሊጾም። ብተወሳኺ ፣- ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መደብና መድባት ኣልኮምፒስ ብዝተሳለጠ መገዲ ንምክትታል ኩሉኹም ተጠቀምቲ ኣንድሮይድ ኣፕሊከሽን ተዳልይልኩም ስለዘሎ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ኢልኩም ብምዉራድ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ኣብ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Swedish News in tigrigna. 20 juli 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና 1. ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ብዝተፈላለየ ዉልቃዊ ዉሳነ ካብ ሃገር ንዝወጹ ሰባት፣ ኣብ እዋን ጸገም ንምምላሶም ኣብ ክሕግዝ ርግጸኛ ከምዘይኮነ ሓቢሩ። 2. ስደተኛታት ካብ ማእከል ባሕሪ ናብ ዝመጽዎ ገማግም ባሕሪ ልቢያ ከምዝምለሱ ዝገበረ መራሕ መርከብ ኣብ ኢጣልያ ብሰብኣዊ ገበን ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ ተባሂሉ። ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መደብና መድባት ኣልኮምፒስ ብዝተሳለጠ መገዲ ንምክትታል ኩሉኹም ተጠቀምቲ …

Read More »

ቛንቋ ሸወደን ምስ ሃገር ተኽላይ ንመሃር

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com