Thursday , May 9 2024

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ መምርሒ ፍቓድ መኪና ናይ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ተሰሪዙ

ብሬድዮ ኤኮት ዝተቃልሑ ሓደስቲ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ በዓል-መዚ መጓዓዝያ ሽወደን፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ ዓመተ 2020 ጥራይ ናይ 20030 ሰባት መምርሒ ፍቃድ ምስራዙ እዚ ድማ ምስ ናይ ዓመተ 2019 እንክወዳደር ከሎ ናይ 10% ወሰኽ ዘርኣየ ምዃኑን ተፈሊጡ።

ምኽንያት ምስራዝ ናይቶም መምርሒ ፍቓዳት፡ ቅጥዒ ዘይብሉ ናህሪን ካልእ ምግሃስ ሕጊ ትራፊክን እዩ ተባሂሉ።

ኣብ በዓል-መዚ ትራንስፖርት ዳይረክተር ኣሃዱ መምርሒ ፍቓድ መኪና፡ ኦሳ በርግፋስት፡ ብናህሪ ምዝዋር ኣብ ሕብረተሰብ ሻቕላ ይፈጥር ኣሎ።

ካልኦት ድማ ቀይሕ መብራህቲ ትራፊክ እናረኣኻ ደው ዘይምባልን እናዘወርካ ምስታይን ዝኣመሰሉ  ምግሃሳት ሕጊ እውን ኣብዚ ከም ዝጠቓለሉ፡ ፖሊስ፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com