Monday , May 20 2024

ዜና

ባርዕ ኖርሾፒንግ ብዝረሰነ ቻርጀር ዝተኸስተ እዩ ተባሂሉ።

ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት፡ እቲ ኣብ ምዝዛም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኖርሾፒንግ ንሓደ መንበሪ ኣባይቲ ዘዕነወ ፍንጀራ፡ ብኤሌክትሪክ እትሰርሕ ስኩተር እናተቸረጀት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ካብ መጠን ንላዕሊ ብምውዓያ ከምዝተፈጥረ ገሊጹ። ማርቲን ዊጊሊየስ ኣብ ሊንሾፒንግ ኣብ ዝርከብ ትካል ህጹጽ ኣገልግሎት ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ነቲ ሓደጋታት ንምንካይ ዝሕግዙ መንገድታት ከምዘለዉ ይዛረብ። ሰባት እናቸረጁ ከይድቅሱ፥ ነቲ ዝችርጅዎ ነገር እናርእዩ ክገብርዎ ፥ ከምኡ’ውን እቲ ዝችርጅሉ ቦት ምስዝቃጸል …

Read More »

ሓድሽ ፍወሳ ሆርሞን ንደቂ ተባዕትዮ ትሑት ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ

ኣብ ሽወደን ዝወሓደ መጠን ፈሳሲ ዘርኢ–ስፐርም–ዘለዎም ደቂተባዕትዮ ብሓድሽ ሆርሞናዊ ኣገባብ ፍወሳ ይግብረሎም ኣሎ። ኣብ ሽወደን ካብ ዝርከቡ ሓደስቲ መጻምድቲ እቶም ኣስታት 15% ኣብ ቀዳማይ ዓመት ናይ ምጥናስ ጸገም ዘጋጥሞም፡ ካብዞም ከምዚ ዓይነት ጸገም ዘጋጥሞም ዘሎ ጽምዲ እቶም ኣስታት ፍርቂ ብሰንኪ ኣብ ደቂተባዕትዮ ዝረአ ሽግር ዋሕዲ ፈሳሲ ዘርኢ ዝኽሰት ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ንመጀመርታ ግዜ፡ ትሑት ቁጽሪ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ–ስፐርም–ዘለዎም …

Read More »

“ድሕሪ ምቅጻል ቁርኣን መን ከምዘሎ ክንርኢ ኣለና”—ቶብያስ ቢልስትሮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቶብያስ ቢልስትሮም፡ ሰበስልጣን ሽወደን፡ ብድሕሪ ተግባር ምቅጻል ቁርኣንን ኣንጻር ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ሽወደን ዝካየድ ዘሎ ጎስጓሳትን ዘለዉ ተዋሳእቲ ብቐረባ ክምርመሩ ኣለዎም ክብል ኣተሓሳሲቡ። ከም እኒ ኤጀንሲ መጽናዕቲ ስነኣእምሮኣዊ ምክልኻል ሽወደን፡ ወተሃደራዊ ሰለያን ካልኦትን ነዚ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕን ዓመታትትን እተፈጸመ ጒዳይ ኣመልኪተን ብዕቱብ ከጽንዕኦ ተላብዩ’ሎ። ን “ሕውስዋስ ኲናት” ዝኸውን እኹል መከላኸሊ ኣብ ቦትኣ ኣይነበራን ክብሉ ዓለምለኻዊያን ክኢላታት ናይ ሓሶት …

Read More »

ኣፍሪቃዊ ረስኒ ሓሰማ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ጸኒሑ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ።

ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ትካል ሕክምና እንስሳታት ሽወደን፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ብኣፍሪቃዊ ረስኒ ሓሰማ ተለኺፉ ዝሞተ ሓሰማ በረኻ እተረኽበሉ ከባቢ ይምርምሩ ኣለዉ። ብድምር ዛጊት 7 ሬሳታት ሓሰማ ዝተረኽቡ ኮይኖም ዛጊት መርመራ እኳ እንተ ዘይተገብረሎም፥ ኩሎም በቲ ቫይረስ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይጥርጠር። ኣብ ሃገራዊ ትካል ሕክምና እንስሳታት ዞባዊ ሓኪም እንስሳን ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰርን ኤሪካ ቸናይስ፡ ኩነታት ናይቶም ሬሳታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ሕማም …

Read More »

ወናኒ ፌስቡክ መቕጻዕቲ ክኸፍል ተኣዚዙ።

ቤት ፍርዲ ኦስሎ ካውንቲ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ወናኒ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክን ኢንስታግራምን ዝኾነ ሜታ፡ ናብ ተጠቀምቱ መወዓውዒታት ንምዝርጋሕ ውልቃዊ መረዳእታ ምጥቃም ክሳብ ዘቋርጽ፡ መዓልታዊ መቕጻዕቲ ክኸፍል ብሰበስልጣን ኖርወይ ንዝተመሓላለፈ ውሳነ ኣጽዲቑ። Behavioural marketing መሰል ብሕታዊነት ተጠቀምቲ ዝጥሕስን ከምኡውን ዘየድሊ ምክትታል ዝገብር እዩ፡ ክብሉ እቶም ሰብመዚ ይገልጹ። ሓላፊ በዓል መዚ ሓለዋ መረዳእታ ኖርወይ ላይን ኮል፡ “ብውሳነ ቤት ፍርድን ውጽኢቱን ኣዚና ሕጉሳት …

Read More »

ሽወደን፡ ንፈለማ እዋን ሕማም ረስኒ ሓሰማ ኣፍሪቃ ተረኺቡ።

ሃገራዊ ትካል ሕክምና እንስሳታት ሽወደን፡ ኣብ ፋገርስታ፡ ቫስትማንላንድ-ካውንቲ ሞይቱ ዝተረኽበ ሓሰማ በረኻ፡ ኣፍሪቃዊ ሕማም ረስኒ ሓሰማ ተለኺፉ ምንባሩ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብቲ ከባቢ 7 ዝሞቱ ሓሰማታት በረኻ ከም እተረኽቡን ኣብ ቀረባ እዋን ተወሳኺ ሳምፕላት ክትንትን ምዃኑ እቲ ትካል ኣፍሊጡ። ረስኒ ኣፍሪቃዊ ሓሰማ ንደቂ ሰባት ዘይጎድእ ኮይኑ ንሓሰማታት በረኻን ግን ይቐትል እዩ። ኣብዚ ሓጋይ ኣብ ሰርብያ፡ ቦዝንያን ክሮኤሽያን ዝተራእየ ለበዳ፡ …

Read More »

መጻምድቲ ሰራሕተኛ ገዛ ብምምዝማዝ ተፈሪዶም።

ኣብ ምዕራብ ሽወደን ዝርከቡ ጽምዲ ሰባት ብምምዝማዝ ከምኡ’ውን እዚ ገበን ንኽፍጸም ብምትሕብባር ተኸሲሶም፡፡ ክልተ ካብ ፊሊፒንስ ዝመጹ ሰራሕተኛ ገዛ ብኣዝዩ ውሑድ ዕረፍቲ 24 ሰዓታት ክሰርሑ ድሕሪ ምግዳዶም፡ ሎሚ ብገበን ምዝመዛ ደቂ ሰባት ተፈሪዶም ኣለዉ። ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ዮተቦሪ፡ እቲ ኩነታት ስራሕ ክምኽነ ዘይክእል እዩ ክብል ገሊጹ’ሎ። እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ዘለዉ ግና ክጠርዑ ዝፍትኑ ሰባት ውሑዳት እዮም ድሕሪ …

Read More »

ኣብ መዕበዪ ህጻናት ዝርከቡ መንእሰያት ዝረአ ጎነጽ የሻቕል።

ኣብተን ብሃገራዊ ቦርድ ትካላዊ ክንክን ሽወደን ዝመሓደራ መዕበዪ ህጻናት ዝፍጸም ጎነጽ እናኸበደ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ሰራሕተኛታት ኩሉ ግዜ ነቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ክከላኸሉ ይኽእሉን የለዉን ተባሂሉ። ሓደ ካብዞም ህጻናት “ድሕሪ ሓደ ወርሒ ነዚ ኲነታት ከም ንቡር ክወስድ ምጅማሩ፥ እቲ ኲነታት ኣዝዩ ጎነጽ ዝበዝሖ” ምዃኑ ይገልጽ። ንሱ ብምኽንያት ምጥቃም ዕጸፋርስ እዩ ብሃገራዊ ቦርድ ትካላዊ ክንክን ሽወደን ዝመሓደራ ግዱድ መዕበዪ ህጻናት ክኣቱ ተጌሩ። …

Read More »

ማሕበራት መንግስታዊ ጽላት፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ፖሊስ ናይ ምሕባር ግዴታ የብልናን ይብሉ።

ከም ሓካይምን መምህራንን ዝኣመሰሉ ሰራሕተኛታት መንግስታዊ ጽላት፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ሽወደን ንዝርከቡ ሰባት ናብ ፖሊስ ክሕብሩ ብዛዕባ ዝለዎም ግዴታ ኣመልኪቱ መርመራ ክገብር ዝብል መምርሒ መንግስቲ ሓያል ኣሉታዊ ግብረ መልሲ ተዋሂቡ። ብፍላይ ድማ ማሕበር ሓካይም ሽወደን “ኣነ ሓኪም እምበር ፖሊስ ኣይኮንኲን” ዝብል ጭርሖ ብምልዓል ነዚ ግዴታ ነጺጎሞ ኣለዉ። ኣብ ሽወደን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝቕመጡ ሰባት ዛጊት መሰል ሕክምና፥ ንደቆም ከኣ መሰል ትምህርቲ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ዝነውሐን ዝኸበረን መስርሕ ፍርዲ ይጅምር።

እቲ ኣብ ታሪኽ ዝነውሐን ዝኸበረን እተባህለ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ ሽወደን ሎሚ ጀሚሩ። ክልተ ላዕለዎት ወከልቲ ነበር ሉንዲን ኦይል፡ ልዕሊ 20 ዓመታት ይገብር ብወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳንን መሻርኽቱ ምልሻ ጃንጃዊድን ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተፈጸመ ከቢድ ገበናት ኲናት ተሓባባርኩም ተባሂሎም ተኸሲሶም ኣለዉ። ንሳቶም ነቲ ገበን ኣይወዓልናዮን ክብሉ ናይ እምነት ክሕደት ቃሎም ሂቦም ኣለዉ።  

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com