Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

ሊበራላውያን፡ “ኩባንያታት ቴክኖሎጂ፥ ህጻናት ክንደይ ግዜ ኣብ ስክሪን ይሕልፉ ኣብ ዝብል ሕቶ ሓላፍነት ክወስዳ ኣለወን”

ሰልፊ ሊበራል፥ ትካላት ቴክኖሎጂ ህጻናት ወልፊ ቪድዮ ጸወታታት ወይ ስክሪን ሞባይል ከይህልዎም ንምርግጋጽ ዝያዳ ሓላፍነት ክወስዳ ዘገድድ ኣገባብ ክተኣታቶ ጸዊዖም። መራሒ እቲ ሰልፊ ዮሃን ፐርሾን፡ እዚ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ንክኸውን ብክኢላ ሓይሊ ዕማም ክምርምር ከምዝደሊ ገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብዚ ሰሙን ናብ ሽወደን መንግስታዊ ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ተወሳኺ ምትብባዕ ከም ዝሃቦ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ እናኾነ ኣብ ምዕራብ ሽወደን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት …

Read More »

ኤስ.ጀይ ዳግማይ ምሕዛእ ዝግበረሉ መሸጣ ትኬት ከቋርጽ እዩ

ሽወደናዊ ትካል ባቡር “ኤስ.ጀይ” ኣብ እዋን ጽድያ ዳግማይ ክሕዝኡ ዝኽእሉ ትኬታት ምሻጥ ደው ከብል እዩ። ካብ ባሕቲ ሚያዝያ ጀሚሩ ዓማዊል መደባቶም ክቕይሩ እንተደልዮም፥ ብዋጋ ክብር ዝበለን ተመላስን ትኬት ክገዝኡ ክግደዱ እዮም። SJ እዚ ምቕያር ኣሰራርሓ ድሕሪ ምቕያሩ፡ ዳግመ ምሕዛእ ካብ ትግበራ ክወጽእ እዩ።

Read More »

“ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ሽወደናውያን ዝተሓተ ስምዒት ግደታ ከም ዘለዎም ዘመልክት ሓበሬታ የለን” ማግዳሌና ኣንደርሾን

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጸጥታን ምክልኻልን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ብዛዕባ ”ምስ ዜግነት ሽወደን ዝመጽእ ግደታታት”  ብፍላይ ድማ፡ ኩሎም ዜጋታት ነታ ሃገር ንምክልኻል ፍቓደኛታት ክኾኑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ። ቀ/ሚ ሽወደን ሽወደን ነበር ከምኡ’ውን መራሒት ተቓዋሚት ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ማግዳሌና ኣንደርን ኣብቲ እዋን ንክሪስተርሾን ነቒፋ ነይራ፡፡ እቲ ዝሃቦ ርእይቶ ከፋፋሊ ምዃኑ፥ ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ሽወደናውያን ኣብ ምክልኻል ሽወደን ዝወሓደ ወፍሪ …

Read More »

ንግዲ እምኒ ኖርሾፒንግ ቀጻሊ ናይ ድሕነት ስጒምቲታት ክወስድ ምዃኑ ይገልጽ

በዓል መዚ ኣከባቢ ስራሕ ሽወደን፡ ነቲ ሃገረ ኣውስትራልያ ኣብ ጽሩብ ኣእማን ዝገበረቶ መጽናዕቲ ይምርምር ኣሎ፡፡ እዚ መርመራ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ሰራሕቲ እምኒ ምስ ዝረአ ለበዳ ሲሊኮሲስ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ኣእማን ብዙሕ ትሕዝቶ መኣዛ ሲሊኮን ዝሓዘ ኮይኑ፡ ነቶም ነቶም ኣብ ምጽራብን ምንጻፍን እዚ እምኒ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ሓደገኛ ምዃኑ እዩ ዝንገር። ኣብ ኖርሾፒንግ ትካል ቢዝነስ ምጽራብ ኣእማን ማርሞር፡ …

Read More »

ሰለስተ ፈነወ ቋንቋታት ሬድዮ ሽወደን ክዕጸዋ እየን

ኣብ ሬድዮ ሽወደን ሰለስተ ጉጅለ ቋንቋታት ጸጋታት ገንዘብ እቲ ትካል ንምቚጣብ ብዝብል ምኽንያት ክዕጸዋ ተወሲኑ። እዘን ፕሮግራማት ኣገልግሎት ቋንቋ ኩርድ፣ ሩስያን ትግርኛን ኮይነን፡ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ መጋቢት ክዕጸዋ እየን። ሬድዮ ሽወደን ብሰንኪ ወሰኽ ወጻኢታት ልዕሊ 225 ሚልዮን ክሮና ክቚጥብ መደብ ኣውጺኡ ምህላዉ፡ እዚ ውሳነ ድማ ኣካል ናይዚ ትግበራን ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

1000 ሽወደናውያን ስነጥበባውያን እስራኤል ካብ ዩሮቪዥን ክትእገድ ይጽውዑ

ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሽወደናውያን ስነጥበባውያንን ደረፍትን “ሕብረት ፈነወ ኤውሮጳ” ንእስራኤል ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ዝካየድ ውድድር ደርፊ “ዩሮቪዥን” ክትግለል ዝጽውዕ ደብዳበ ክታሞም ኣንቢሮም። እቲ መደብ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ከተማ ማልሞ ዝመጽእ ግንቦት ክካየድ መደብ ተታሒዙ’ሎ። ኣቐዲሞም ኣብ ዩሮቪዥን ብምውድዳር ኦኣብዪ ዝና ዝረኸቡ ከም እኒ ኤሪክ ሳዓደን ማሌና ኤርንማንን ዝኣመሰሉ ሽወደናውያን ዝርከብዎም ስነ-ጥበባውያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንሩስያን ቤላሩስን ካብቲ ውድድር ክእለያ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብልሽውና ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ሽወደን ኣብ ዓመታዊ ደረጃ ኣህጒራዊ ርድኢት ተሓታትነት ብልሽውና ዝጸንሓ ደረጃ ትሕት ምባሉ ተገሊጹ። እቲ መዐቀኒ ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ዝረአ ዘሎ ብልሽውና መንግስታዊ ጽላት ሓፈሻዊ ዝርዝር ዝህብ እዩ። ሽወደን ካብ 100 82 ነጥቢ ብምምዝጋባ ካብ ሃገራት ኖርዲክ ካልኣይ ዝተሓተ ደረጃ ሒዛ’ላ። ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም ክነጻጸር ከሎ ግን ሽወደን ሕጂ’ውን ኣብ ልዑል ደረጃ እትርከብ ሃገር እያ። ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት …

Read More »

ፊንላንድ፥ ትምዩን ኣቕራሽ ዩሮ ወሰኽ የርኢ

ኣብ ዓመት 2023፡ ኣብ ዕዳጋ ዝዝውር ትምዩን ኣቕራሽ ዩሮ ወሰኽ ከምዘርኣየ፡ ዛጊት ሰብመዚ 653 ትምዩን ኣቕራሽ ኣብ ዕዳጋ ከምዘለዉ ምልላዮምን ተሓቢሩ። እዚ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረኽበ 469 ትምዩን ዩሮ ሒደት ወሰኽ ከም እተራእየ ዘመልክት ኮይኑ፥ ትምዩን ገንዘብ ንምእላይ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ቀጻኢ ንቕሓት ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ተባሂሉ’ሎ። መብዛሕትኦም እቶም ዝተረኽቡ ናይ ሓሶት ኖት ናይ 20 ዩሮ ኮይኖም፡ ብድምር 364 …

Read More »

ፖሊስ ማልም “ኣኽላባት ክቐትሉ ዝደልዩ ሰባት ኣለዉ”

ኣብ ማልሞ ኣኽላባት ንምጉዳእ ዝግበር ፈተነታት ይቕጽል ኣሎ። ዘወርቲ ኣኽበርቲ ጸጥታ ትማሊ ሰኑይ ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ በሊሕ ቁራጽ ሓጺን እተስጎዶ ባኒ ምርካቦም ድሕሪ ምግላጽ ንዙረት ምስ ከልቦም ዝወጹ ሰባት ከኣ ንቑሓት ክኾኑን ኣጠንቂቖም ኣለዉ። “እዚ ብምግባር ንኣኽላባት ክጎድኡ ወይ ክቐትሉ ዝፍትኑ ሰባት ኣለዉ” ክብል ወሃቢ ቃል ፕረስ ፖሊስ ማልሞ ኒልስ ኖርሊንግ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ኣኽበርቲ ሕጊ ኢራን፡ ዮሃን ፍሎደሩስ ብሞት ክቕጻዕ ይሓቱ

ኣብ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሽወደናዊ ዜጋ ዮሃን ፍሎደረስ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ትማሊ ሰንበት ተዛዚሙ። ኣኽበርቲ ሕጊ ዝለዓለ መቕጻዕቲ ማለት ናይ ሞት ፍርዲ ክብየኖ ይጽዕሩ ኣለዉ። ፍሎደረስ ምስ እስራኤል ኣንጻር ኢራን ውዲት ፈጺሙ ተባሂሉ እዩ ክሲ ቀሪቡሉ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ማእሰርቱ ዘይሕጋዊ ምዃኑን ክፍታሕን ክጽውዕ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com