Tuesday , May 7 2024

ሃገራዊ ዜና

“Shame on Dry Land” ብልጽቲ ፊልም ተባሂላ

ልቢ ኣንጠልጣሊት ፊልም “Shame on Dryland” ብሰንበት ኣብ ዝተጸንበለ ምሸት ጉልባገ “ኢንዱስትሪ ፊልም ሽወደን” ንብሉጽ ተዋሳኣይን ብሉጽ ኣላነትን ሓዊሱ ብ 7 ባእታታት ፊልም ሽልማት ረኺባ። ብኽንድዚ ቊጽሪ ሽልማት ብምርካብ ከኣ ክብረወሰን ሒዛ’ላ። እንተኾነ ግና ብልጽቲ ፊልም ተባሂላ እተሸለመት “Paradise Is Burning” እያ። ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ንፈለማ እዋን ፊልም አፍረዩ ወይ ዝተዋስኡ ሰባት ንሽልማት ክሕጸዩ ኣይክእሉን እዮም። እንተኾነ ግና ኣፍራዪ ፊልም …

Read More »

ሓበሬታ ሱፐርማርኬታት ብመጥቃዕቲ ሳይበር ይዘርቚ

ኣብ ቨርምላንድ ዝርከብ ሰንሰለት ሱፐርማርኬታት ኩፕ ብሰንኪ ዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ሳይበር ሰፊሕ ሓበሬታኡ ክዘርቚ ከም እተገብረ ተገሊጹ። በዚ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣባላትን ሰራሕተኛታትን ብ ዳርክኔት Coop Värmland ኣቢሉ ሓበሬታ ይዝርጋሓሎም ኣሎ። “ኢመይል ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ እንተመጺኡካ ኣብ ሓደ ሊንክ ፈጺምካ ኣይትጠውቕ፣ ሓደ ሰብ ካብ ፖሊስ ሽወደን ወይ ኩፕ እየ ኢሉ እንተደዊሉልካ፣ ዕጸዎ፡፡ ናብ ኩፕ ወይ ንፖሊስ ደዊል። ወይ ድማ …

Read More »

ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ “ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዛዕባ ኲናት ክኽሰት ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ የለን”

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተኽእሎታት ኲናት እናወሰኸ እኳ እንተመጸ፥ ኣብ ሽወደን ኣቢ ሕጂ እዋን ኲናት ክካየድ እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘይብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ተኽእሎታት ኲናት ብምልከት ብሚኒስተራት ምክልኻል መንግስትን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሽወደንን ዝተዋህበ ርእይቶታት “ልዕሊ ዓቐን” ተጋኒኑ እዩ ብዝብል ብርክት ዝበለ ኣሉታዊ ግብረመልሲ ከም እተዋህቦ ወሲኹ ኣመልኪቱ። “ኲናት ቅጽበታዊ ስግኣት …

Read More »

“ሽወደናዊ ዜጋ ኣብ ኢራን ተኣሲሩ” ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ

ሓደ ሽወደናዊ ዜጋ ኣብ ኢራን ከም እተኣስረ ተሓቢሩ። ኣገልግሎት ፕረስ ሚኒስተሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኢራን ከም እተኣስረ ገሊጹ’ሎ። ሚኒስተሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣብ ሽወደን ምስ ዝርከቡ ኣዝማዱ ከምኡ’ውን ኣብ ጤህራን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር በዚ ጒዳይ ከም እተራኸበ ብኢመይል ሓቢሩ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ማእከላይ ሽወደን …

Read More »

ዝቕባበ ምንቁልቋል ይቕጽል

መጠን ዝቕባበ ሽወደን እናጎድለ ይመጽእ ኣሎ ተባሂሉ። ዝሓለፈ ታሕሳስ ዝቕባበ 2.3% ክወርድ እንከሎ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ግን 3.6% ሚእታዊት እዩ ነይሩ። ሕጂ ድማ ናብቲ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዝሓንጸጾ ሸቶ–ማለት 2% ይቐርብ ኣሎ። ኣብ “ስዊድባንክ” ምሁር ስነቚጠባ ማቲያስ ፐርሰን፡ ዝቕባበ የንቈልቊል ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ከም ዝከኣል፡ እዚ ድማ ማእከላይ ባንክ ወለድ ከጉድል ንኽገብር ክቕስቦ ምዃኑ ይገልጽ። ምኽንያት እዚ ምንቊልቋል ዝቕባበ ኣብ …

Read More »

ኣጠቓላሊ ግዴታ ምክልኻል' ኣካል ሲቪካዊ ምህሮ ክኸውን ጻውዒት ቀሪቡ

መንግስቲ ን ግዴታ ጠቕላላ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዝተመሓየሸ ሲቪካዊ ዝንባለ ኮርስ ክእትዎ ድሌት ከም ዘለዎ ተሓቢሩ። ሚኒስተር ስራሕን ምውህሃድን ዮሃን ፐርሾን፡ ኩሎም ነበርቲ ሽወደን ኣካል ናይቲ ጠቕላላ ምክልኻል እታ ሃገር ናይ ምዃን ግዴታ ስለዘለዎም፡ ኣብቲ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ሽወደን ዝወሃብ ትምህርቲ ሲቪክስ እዚ ክኣቱ ኣገዳሲ ምዃኑ ይዛረብ። ኣጠቓላሊ ምክልኻል ሽወደን ንኹሉ እቲ ሃገር ንኲናት ድሉው ንምግባር ዘድሊ ንጥፈታት ንምግላጽ ኣብ …

Read More »

መርከብ ኤሌክትሪክ ኣውቶቡሳት ኣብ ቁሪ በረድ ኮይኑ

ትካል ህዝባዊ መጓዓዝያ ኦስሎ ሩተር፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣስታት 200 ጒዕዞ ኣውቶቡሳት ክስርዝ ከም እተገደደ ገሊጹ። ብኤሌክትሪክ ዝንቀሳቐሳ ኣውቶቡሳት እታ ከተማ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ክቱር ዛሕሊ ጽቡቕ ክንቀሳቐሳ ብዘይምኻለን ኣዩ እቲ ምስራዝ ጒዕዞ ተጌሩ። ኣፈኛ ሩተር ካትሪን ማይህረን-ሃውገን፡ እዚ ምስራዝ ኣውቶቡሳት ኣብ ስራሕ አይምውፋረን ተጌሩ እዩ ዝንቀፍ ዘሎ ክትብል ትገልጽ። እንተኾነ ግና እቲ ሓቀኛ ምኽንያት ሙቐት ትሕቲ ዜሮ ኣጸቢቑ ምስ …

Read More »

ብሓደጋ ባቡር ሓደ ሰብ ይመውት

ትማሊ ንግሆ ኣብ ምዕራብ ሽወደን ካብ ከተማ ኡደቫላ ንምብራቕ ኣብ እትርከብ ባቡር መጓዓዝያ ምስ ናይ ጽዕነት መኪና ብምግጫዋ ሓደ መራሒ ባቡር ክመውት እንከሎ፥ ብርክት ዝበሉ ሰባት ድማ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ። ጸብጻባት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝሕብርዎ፡ እታ ናይ ጽዕነት መኪና ንመገዲ ባቡር እናሰገረት ኣብ በረድ ብምሽካላ እዩ እቲ ምግጫው ክኽሰት ክኢሉ።

Read More »

በረድን መሸንባቦን ኣብ ትራፊክ ጸገም ዘስዕብ

ብርቱዕ በረድን ብርቱዕ ንፋስን ኣብ ገለ ከባቢታት ማእከላይን ደቡብን ሽወደን ምዝንባዕ ትራፊክ የስዕብ ኣሎ። ሃገራዊ ማእከል ሜትሮሎጂ (SMHI) ኣብ ዮትላንድ ዝተራእየ ብርቱዕ በረድን መሸንቦባን ዝምልከት ሓያሎ መጠንቀቕታታት ኩነታት ኣየር ኣውጺኡ’ሎ። ካብን ናብን ደሴታት ባልቲክ ዝብገሳ ጀላቡ ንዝተረፈ ሰዓታት እዛ መዓልቲ ተሰሪዘን ኣለዋ።

Read More »

ኣዛዚ ሰራዊት ሽወደን ድሕሪ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሸመታ ምድጃ ይውስኽ

ኣብ ሽወደን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር መሸጣ መብሰሊ መግቢ፡ ተንቀሳቓሲ ምድጃ፡ ኢመርጀንሲ ሬድዮን መጽረዪ ማይን ዝኣመሰሉ ነገራት ዋጋ ክውስኽ ተእርዩ’ሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ካብ ሚኒስተራት መንግስትን ዋና ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን፡ ሽወደናውያን ኣብ መጻኢ ክኽሰት ዝኽእል ኲናት ኣብ ግምት ብምእታዉ ስነኣእምሮኣዊ ምድላው ክገብሩ ዝብል መግለጺታት ድሕሪ ምቕራቡ እዩ። በዚ ድማ ሸሓኒታት መብሰሊን ራቪዮሊን እውን ብብዝሒ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com