ብርቱዕ በረድን ብርቱዕ ንፋስን ኣብ ገለ ከባቢታት ማእከላይን ደቡብን ሽወደን ምዝንባዕ ትራፊክ የስዕብ ኣሎ። ሃገራዊ ማእከል ሜትሮሎጂ (SMHI) ኣብ ዮትላንድ ዝተራእየ ብርቱዕ በረድን መሸንቦባን ዝምልከት ሓያሎ መጠንቀቕታታት ኩነታት ኣየር ኣውጺኡ’ሎ። ካብን ናብን ደሴታት ባልቲክ ዝብገሳ ጀላቡ ንዝተረፈ ሰዓታት እዛ መዓልቲ ተሰሪዘን ኣለዋ።