Friday , May 10 2024

መርከብ ኤሌክትሪክ ኣውቶቡሳት ኣብ ቁሪ በረድ ኮይኑ

Ruud, Vidar/NTB scanpix

ትካል ህዝባዊ መጓዓዝያ ኦስሎ ሩተር፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣስታት 200 ጒዕዞ ኣውቶቡሳት ክስርዝ ከም እተገደደ ገሊጹ። ብኤሌክትሪክ ዝንቀሳቐሳ ኣውቶቡሳት እታ ከተማ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ክቱር ዛሕሊ ጽቡቕ ክንቀሳቐሳ ብዘይምኻለን ኣዩ እቲ ምስራዝ ጒዕዞ ተጌሩ። ኣፈኛ ሩተር ካትሪን ማይህረን-ሃውገን፡ እዚ ምስራዝ ኣውቶቡሳት ኣብ ስራሕ አይምውፋረን ተጌሩ እዩ ዝንቀፍ ዘሎ ክትብል ትገልጽ። እንተኾነ ግና እቲ ሓቀኛ ምኽንያት ሙቐት ትሕቲ ዜሮ ኣጸቢቑ ምስ ዝጎድል ባትሪ ናይዘን ኣውቶቡሳት ምድኻም ስለዘርኢ ንኽመልእ ከኣ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑን ትገልጽ። ኣባል ሊበራላዊ ሰልፊ፥ ሓዳስ ላዕለወይቲ ፖለቲከኛ ኦስሎ መጓዓዝያን ከባብያዊ ጉዳያትን ማሪት ቬኣ ፡ እታ ከተማ ክንድዚ ዝኣኽላ ዜሮ ፈነወ በካሊ ጋዝ ዝገብራ ኣውቶቡሳት ኤሌክትሪክ ምጥራይ ከምዘሐጒሳ እንተኾነ ግና “ዝሓሸ ኣገልግሎት ክህባ” ከም እትደሊ ወሲኻ ሓቢራ’ላ። እቲ ዝሑል ኩነታት ኣየር ንኣገልግሎት ባቡር እውን ጸገም ምፍጣሩ ብዙሓት ኣብ ወሰንቲ መስመራት ዝነበሩ ፕሮግራማት ምድንጓዮም ወይ ምስራዞም ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com