Friday , May 10 2024

ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ “ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዛዕባ ኲናት ክኽሰት ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ የለን”

Ulf Kristersson (M) Foto Stina Stjernkvist / TT kod 11610

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተኽእሎታት ኲናት እናወሰኸ እኳ እንተመጸ፥ ኣብ ሽወደን ኣቢ ሕጂ እዋን ኲናት ክካየድ እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘይብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ተኽእሎታት ኲናት ብምልከት ብሚኒስተራት ምክልኻል መንግስትን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሽወደንን ዝተዋህበ ርእይቶታት “ልዕሊ ዓቐን” ተጋኒኑ እዩ ብዝብል ብርክት ዝበለ ኣሉታዊ ግብረመልሲ ከም እተዋህቦ ወሲኹ ኣመልኪቱ። “ኲናት ቅጽበታዊ ስግኣት ምዃኑ ዝሕብር ዝኾነ ምልክት የለን፡ እንተኾነ ግና ኣብዚ ንሕና አሎናዮ ክፋል ዓለም ሓደጋ ኲናት ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ርዱእ’ዩ” ይብል ክሪስተርሾን። ሚኒስተር ምክልኻልን ኣዛዚ ሰራዊትን ሽወደን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓመታዊ ዋዕላ ምክልኻል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኲናት ብክልሰሓሳብ ደረጃ ክኽሰት ከም ዝኽእል ድሕሪ ምጥንቃቕ፡ ሽወደናውያን ዘድሊ ምድላዋት ድሕሪ ምግባሮም፡ ሻቕላ ከም እተፈጥረ ዝዝከር እዩ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብ መደረኡ ሰባት “ምስ ዜግነት ሽወደን ዝመጽእ ግዴታታት” ኣብ ግምት ከእትዉ፡ ህይወትን ክብርታትን ሽወደን ንምዕቃብን፥ ሃገሮም ንምክልኻል ዝብል ኲነታት ክሓስቡሉ ኣዘኻኺሩ እዩ። ነዚ መግለጺ ስዒቡ መሸጣ ኢመርጀንሲ ሬድዮን ምድጃን ዝኣመሰሉ ናውቲ ከምዝወሰኸ ትዕዝብቱ ገሊጹ’ሎ። ትማሊ ሰሉስ ምስ ፈነወ ህዝባዊ ሬድዮ ምደብ ንግሆ መደብ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ግን፡ መራሒ ዓቃባዊ ሞደራትና ክሪስተርሾን፡ ብዛዕባ ስግኣት ኲናት ከም ዘይሰግእ ሓቢሩ’ሎ። “ኲናት ብህጹጽ ክኽሰት ይኸውን እዩ ኢለ ኣይጭነቕን’የ፡ ግን ዘድሊ ምቅርራብ ክንገብር ኢና ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኲናት ኣብ ኣፍደገ ገዛና ከምዘሎ ዝሕብር ነገር የለን፡ እንተኾነ ግን ኣብዚ ዘሎናዮ ክፋል ዓለም ሓደጋ ኲናት ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ንኹሉ ርዱእ’ዩ” ክብል ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈጸመቶ ቅሉዕን ኣጠቓላሊን ወራር ከም ኣብነት ኣጉሊሑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com