Friday , May 3 2024

ሃገራዊ ዜና

ኮሜድያን ኣል ፒቸር ናብ መድረኽ ተመሊሱ።

ሽወደናዊ ኮሜድያን ኣል ፒቸር፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ንኽልተ ዓመታት ካብ ቀጥታዊ መድረኽ ተኸዊሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ተቐልቂሉ’ሎ። ኣብ ብሪጣንያ እተወልደን ኣብ ኒውዚላንድ ዝዓበየን ፒቸር፡ ኣብ 2010 እዩ ናብ ሽወደን ኣትዩ። ድሕሪዚ፡ ብፍላይ በቶም ኣብ ተሌቪዥን ሽወደን ዘቕርቦም ዝነበረ ኮሜዲታት ብዙሕ ተፈታውነት ከም ዝረኸበ ዝፍለጥ እዩ። “ንኽልተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ቤተይ ኮይነ ዲጂታላዊ ኮመዲ እሰርሕ ኔረ፡ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ማንም ተዓዛባይ …

Read More »

ብኦንላይን መጥቃዕቲ ዝበጽሖም መንእሰያት ቊጽሮም እናወሰኸ ምምጽኡ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።

ቊጽሪ ናይቶም ብኢንተርነት መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ካብ 12-19 ዝዕድሜኦም ኮተቴ ሽወደን ወሲኹ ምህላዉ “ትካል ኢንተርነት ሽወደን” ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ብዙሓት መሓዙታ ግዳያት መጥቃዕቲ ኢንተርነት ከም ዘሕለፋ 19 ዝዕድሜኣ ኤባ ኖርድቫል ኣብቲ ጸብጻብ ገሊጻ’ላ። ብዘይካዚ፡ ኲሎም ተጠቀምቲ ኢንተርነት ሕሳብ ማሕበራዊ ሚድያ ከም ዘለዎምን ሲሶ ዝኾኑ ኸኣ ናይ ስእለ ጽዩፍ (ፖርኖግራፊ) መርበባት ከም ዝኸፍቱን፡ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።

Read More »

ኣብ ኣባይቲ ክንክን ሽማግለታት ዝሓሸ ሕክምና ሰዓል ክህሉ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ሽወደን ዝበዝሐ ተጠቃምነት ጸረ-ቫይረስ ክህሉ ከም ዝግባእ ኤጀንሲ መፍረ መድሃኒትታት ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ፍሉይ ኣባይቲ ሽማግለታት ዝርከቡ ኲሎም ነበርቲ፡ ሕማም ጒንፋዕ ምስ ዝረኣዮም ከፊላዊ መድሃኒት ጸረ-ቫይረስ ክወሃቦም ከም ዝግባእ እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዘመሓየሾ ለበዋኡ ገሊጹ’ሎ። ብምኽንያት ሕማም ጒንፋዕ ዓመታዊ ብዙሕ ህይወት ከም ዝጠፍእ፡ ብፍላይ ድማ ብዙሕ ተኣፈፍቲ ሕማማት ዘለዉዎም ሰባት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክሓሙ ይገብር ምህላዉ፡ ሬድዮ ሽወደን …

Read More »

መስርሕ ክሲ ተኸሰስቲ ትካል ክንክን ህጻናት ተጀሚሩ።

መስርሕ ፍርዲ ናይቶም ጠንቂ ሞት ወዲ 5 ዓመት ህጻን ብምዃኖም እተኸሰሱ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ቫርምላንድ ይካየድ ምህላዉ ተገሊጹ። እዞም ኣብ ትካል ክንክን ህጻናትን ቆልዑን ዝሰርሑ ሰባት ክሶም ዓሚ ከም እተጀመረ ዝፍለጥ እዩ። መዋቲ ህጻን ካብቲ ትካል ክንክን ጸሊቑ ድሕሪ ምውጻእ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን እለሻ ብኣገልግሎት ህጹጽ እዋን ኣብ ሓደ ቀላይ ጥሒሉ ከም እተረኽበን ናይ ሽዑ ጸብጻባት …

Read More »

“ሰሜንታ” ፍቓድ ዕደና ስሚንቶ ንምርካብ ውሳነ ቤት ፍርዲ ይጽበ።

ኣብ ሽወደን ዝዓበየ ኣፍራዪ ስሚንቶ ዝኾነ “ሰሜንታ”፡ ኣብ ጎትላንድ ዘለዎ ፍቓድ ዕደና ኣብ ውሳነ ክልተ ኣብያተ ፍርዲ ከም ዝምርኮስ ተገሊጹ። እዚ ውሳነ ቅድሚ ምውዳእ እዛ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት ክወሃብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ቤት ፍርዲ ላዕለዋይ ምምሕዳር፡ እዚ ብመንግስቲ ተዋሂቡ ዘሎ ፍቓድ ቅዋማዊ ድዩ ወይስ ካልእ ክውስን እዩ። ብዘይካዚ፡ ቤትፍርዲ መሬትን ኣከባቢን እውን “ሰሜንታ” ናይ ዕደና ፍቓዱ ን ዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ክናውሓሉ …

Read More »

“ክሊክ ኬሚስትሪ” ኣብ ምምዕባል መድሃኒትን እወታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ሽልማት ኖቤል “ኬሚስትሪ” 2022 ኣብ ኣካላዊ ስነፍልጠትን ምምዕባል መድሃኒትን ኣገዳሲ እወታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። አሸላሚት ባርቶዚ ኣብ ዓውዲ “ባዮኦርቶጎናል ሪኣክሽንስ” ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ረኺባ ምጽንሓ ዝገለጸ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን፡ እዚ ክስተት ኣብ ህያዋን ዋህዮታት ክፍጠር ምግባር ቅድሚ ሕጂ ዘይሕሰብ ምንባሩ ወሲኹ ኣብሪሁ’ሎ። ኣብ ንጒሳዊ ኣካዳሚ ሳየንስ ሽወደን ኣባል ኮሚተ ኖቤል፡ ከምኡውን ፕሮፌሰር “ስነህይወታዊ ኬሚስትሪ” ዝኾነ ፒተር ሶምፋይ፡ እዚ …

Read More »

ተሸለምቲ ኖቤል ስነቅመማ–“ኬሚስትሪ” ተረቚሖም።

ናይ 2022 ሽልማት ኖቤል ዓውዲ ስነቅመማ–“ኬሚስትሪ”–፡ ን ካሮሊን በርቶዚን ባሪ ሻፕለስን ተዋሂቡ። እዞም ክልተ ተመራመርቲ፡ “ሞሎኲዩላት ንሓድሕዶም ዝተሓዛዘልሉ” ኣገባብ ብምምዕባሎም እዮም ነዚ ሽልማት በቒዖም ዘለዉ ተባሂሉ’ሎ። ካሮሊን በርቶዚን  ባሪ ሻፕለስን “ተግባራዊ” ዓይነት ስነ-ቅመማ ንኽምዕብል መሰረት ኣንቢሮም ኣለዉ ክብል ንጒሳዊ ኣካዳሚ ሳየንስ ሽወደን ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ’ሎ። እዚ “ክሊክ ኬሚስትሪ” እንተባህለ ዝጽዋዕ ኣገባብ ስነቅመማ፡ እምነ መሰረታት ሞለኩዩላት ብስሉጥን ብቕጽበትን ንሓድሕዶም ክተሓናገሩ ዝገብር …

Read More »

ፊንላንድ፡ ካብ 2010 ንደሓር ፍርያምነት እናንቈልቈለ ምምጽኡ ተገሊጹ።

ካብ 2010 ንደሓር፡ ኣብ ፊንላንድ ፍርይምነት ከንቈልቊል ምጽንሑ ግንዛበ እኳ እንተሃለወ፡ ብዛዕባ ምኽንያት እዚ ክስተት ግና ግቡእ ምርዳእ ከም ዘየለ ይግለጽ ኣሎ። ብመሰረት ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ፡ ጠንቂ ናይዚ ምንቊልቋል ፍርያምነትን ቆልዑ ክትወልድ ዘይምድላይን፡ ምስ ዘይርጉጽ ፋይናንሳዊ ኲነታትን ቅዲ ህይወትን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ተመልኪቱ። እዚ ኣብ 2015 ብ “ፋሚሊ ባሮሚተርስ ፊንላንድ”፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ 2018 ብ ”ቬስቶሊቶ” እተሳለጠ መጽናዕቲ ኣብ …

Read More »

ንግስቲ ደንማርክ ይቕረታ ሓቲታ።

ንግስቲ ደንማርክ ማርጋሬት፡ ንኣባላት ንጒሳዊ ቤተሰብ ዘቘጥዕ ተግባር ብምፍጻማ ይቕረታ ሓቲታ። ንሳ ኣርባዕተ ደቂደቃ ካብ ንጒሳዊ ማዕርጎም ምቕንጣጣ ቊጥዐ ምልዕዓሉ ይቕረታ እኳ እንተሓተተት፡ ውሳነኣ ከም ዘይትቕይር ኣፍሊጣ’ላ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣርባዕተ ደቂ ሕሳስ ልደ ወዲ ማርጋሬት ልኡል ዮኣቂም፡ ልኡል ወይ ልእልቲ ዝብል መጸውዒኦም ክቕንጠጥን ብ “ካውንት” ሞንፐዛት ዝብል መዓርግ ክጽውዑን ካብ ቤተመንግስቲ ውሳነ ምትሕልላፉ ዝዝከር እዩ። 53 ዝዕድሜኡ ልኡል ዮኣቂም፡ …

Read More »

ሰብመዚ ሽወደን ገበናዊ መርመራ ንምክያድ ን “ኖርድ ስትሪም” ዓጽዮም።

ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን፡ ነቲ ኣብ “ኖርድ ስትሪም” ዝርከብ ምፍንጃር ትሕተ ማያዊ መትረብ ጋዝ እተፈጽመሉ ኣከባቢ ክዕሸግ ምውሳኖም ተገሊጹ። እዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ ከባቢ ተፈጺሙ ክኸውን ዝኽእል ሽርሒ ንምምርማር እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ቦታ ደጊም ከም ገበን እተፈጸመሉ ቦታ እዩ ዝረአ ዘሎ። በዚ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝግበር ናይ ጥልቀት ምሕንባስ (“ዳይቪንግ”) ኮነ ብጀላቡን መራኽብን ዝግበር ምዝንጋዕ፡ ብመሰረት ውሳነ ኣኽበሪ ሕጊ ደው ክብል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com