Friday , May 3 2024

ሃገራዊ ዜና

ኖርወይ ን መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ወደብ ኦዴሳ ኮኒና።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኖርወይ ኣኒከን ህዩትፈልት ን መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኦዴሳ ኮኒኑ። ዝሓለፈ ዓርቢ ዩክሬይንን ሩስያን ኣብ ሰደድ እኽሊ ክካየድ፡ በዚ ኣቢሉ’ውን ብ ሰለስቲአን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝርከባ ወደባት ኣቢሉ ዝግበር ሰደድ እኽሊ ክቕጽል ዝድንግግ ስምምዕ ከቲመን ኔረን እየን። እንተኾነ ግና ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ሚሳይላት ሩስያ ነቲ ኣብ ወደብ ኦዴሳ ዝነበረ ሰደድ እኽሊ ምጥቅዐን ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ። ኣብ ዩክሬይን …

Read More »

ደንማርክ ኣብ ጸሊም መዝገብ ሩስያ ኣትያ።

ሩስያ ን ደንማርክ ኣብቲ “ጸላእትና ሃገራትን መሬታትን” ዝብል ዝርዝር ከም ዘእተወታ ተገሊጹ። ሩስያ ነዚ ዝገበረት ደንማርክ 15 ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ድሕሪ ምስጓጓ እዩ። ዳዜጣ በርሊንስክ ን ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ደንማርክ ቭላድሚር ባርቢን ብጽሑፍ ኣብ ዘቕረበትሉ ሕቶታት ነዚ መግለጺ ምሃቡ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ኣቃሊሓ’ላ። “እዚ ውሳነ መንግስቲ ሩስያ፡ ኣብ ውሽጢ መቓን ምስጓጒ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ካብ ደንማርክ እዩ ክረአ ዘለዎ” ክብል ጽሒፉ’ሎ። ኣብ …

Read More »

ዱፕላንቲስ ሜዳልያ ወርቂ ተዓዊቱ–ገዛእ ክብረወሰኑ ሰይሩ።

ሽወደናዊ ስፖርተኛ ዝላ ዘንጊ፡ ኣርማንድ ዱፕላንቲስ፡ ኣብቲ ብሰንበት ኣብ ዩጂን ኦረገን ዝተኻየደ ሻምፕዮና ኣተለቲክስ ዓለም፡ መዳልያ ወርቂ ተዓዊቱ። 6.21 ሜትሮ ብምዝላል፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብረወሰን ብምምሕያሽን ሓድሽ ክብረወሰን ምምዝጋቡ፡ ነቲ ዓወት ድርብ ድምቀት ሂብዎ’ሎ። ዱፕላንድ ኣብ ዝሓለፈ ክብረወሰኑ፡ 6.20 ሜትሮ ዘሊሉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ውድድር ሻምፕዮና፡ ሽወደን ብጠቕላላ ሰለስተ መዳልያታት ረኺባ’ላ። ንሳተን ከኣ፡ ሓንቲ ወርቂ ብ ዱፕላንቲስ፡ ፐርሱስ ካርልስትሮም …

Read More »

ሽወደብ፡ ጡረተኛታት ኣብ ፖለቲካ ካብ ልክዕ ዝሓልፍ ውክልና ከም ዘለዎም ተገሊጹ።

ማእከላይ ዕድመ ናይቶም ኣብ ምርጫ ምምሕዳር ከተማ ዝወዳደሩ ሰባት 56 እኳ እንተኾነ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሕጹያት ብዝበዝሐ ይዕወቱ ብምህላዎም ዕድመ ናይቶም ዝተመርጹ ሕጹያት ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ። ሰባት ነዊሕ ዕምሪ ይነብሩ ምህላዎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ቆንስላት ውሽጢ ሃገር መንእሰያት ናብ ፖለቲካ ኣብ ምምጻእ ይሽገሩ ምህላዎም፡ ሓደ ካብ ምኽንያታት እዚ ተርእዮ እዩ፡ ክብል ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠተኛ ኤሪክ ቫንግማር ገሊጹ። “ኣብ ቅድሜና ዓብዪ ማሕበራዊ ሽግር ተገቲሩ’ሎ” …

Read More »

ክልተ ሳብማሪናት ሩስያ ብ ገማግም ኖርወይ ሓሊፈን

ኣብዚ ወርሒ፡ ዕለት 16ን 19ን፡ ክልተ ሳብማሪናት ሩስያ፡ ካብ ገማግም ኖርወይ ብሒደት ርሕቀት ኣብ ኣህጒራዊ ማያት ከም እተራእያ–ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ገሊጹ። እዘን ሳብማሪናት፡ ብደቡብ ወገን ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ በርገን የምርሓ ምንባረን፡ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ። ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ኣብ ተልእኾ ዝነበረት ብሪጣንያዊት መርከብ HMS Portland፡ ነተን “ሰቨሮድቪንስካ” ከምኡውን “ቨፕር” ዝስመን ክልተ ሳብማሪኣት ሩስያ ከም ዝረኣየተን፡ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ …

Read More »

ጒጅለ ስፖርት ብራቭ ኣብ ሩስያ ዝጸንሖ ንግዳዊ ንጥፈት ደው ኣቢሉ።

ጒጅለ ስፖርት ብራቭ፡ ኣብ ሩስያ ዝጸንሖ ዋኒን ብምሻጥ ከም ዝወገኖ E24 ጸብጺባ። ብራቭ ከምኒ ናውቲ ምንሽርታት በረድ ስዊክስ ዝኣመሰሉ፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ንግድ ፍቓዳት ከም ዝጸንሖ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኲባንያ ብ ዮሃን ኣንደርሰንን ስድራቤቱን ዝውነን እዩ። እዞም ሰብ ሃብቲ፡ ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፡ ኣብ ሩስያ ዝነበሮም ዋኒን ደው ክብል ምግባሮም እውን ዝፍለጥ እዩ። “ኣብ ሩስያ ዝጸንሓና ዋኒን ሼጥና’ለና፡ …

Read More »

ፋይናንሳዊ ሓገዝ ለበዳ 60 ቢልዮን ክሮና በጺሑ።

ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና፡ ኲባንያታት ዝገጠመን ክሳራ ንምድጋፍ መንግስቲ ሽወደን ዝገብሮ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝድንግግ ኣዋጅ ዕላዊ ከም እተግብረ ተገሊጹ። እዚ ናይ ሓገዝ ፓኬጅ፡ ኣብ 2020 ከምኡ’ውን 2021 ኣስታት 60 ቢልዮን ክሮና ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ መጠን ባጀት 1% ሃገራዊ ዕዳ እዩ ተባሂሉ’ሎ። “እዚ ዓብዪ ገንዘብ ምዃኑ ብሩህ እዩ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ እንክረአ፡ ካብቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ ተጸብይዎ ዝነበረ ኣጸቢቑ ዝተሓተን …

Read More »

ኣብ ዮተበሪ ገለ ውሱን ወሰኽ ኮቪድ ተራእዩ።

ኣብ ዮተበሪ፡ ቊጽሪ ሕሙማት ኮቪድ ምጡን ወሰኽ ምርኣዩ ተገሊጹ። ነዚ ወሰኽ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ፡ BA.5 ዝተባህለ ጅር ምዃኑ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዮተበሪ ዝወጸ መግለጺ የመልክት። እታ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ሰሰሙን ካብታ ከተማ ዝወጽእ ፈሳሲ ጎሓፍ ክትምርምር ምጽንሓ ገሊጻ’ላ። “ቊሩብ ኣገሪሙኒ’ሎ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ካብ ኣውሮጳ ዝመጸ ጸብጻብ ሰሚዕና’ለና። እቲ ዝኸውን ዝመጽእ ሰሙን ክንርእዮ ኢና፡ ብወገነይ እዞም ኣሃዛት ክወርዱ ተስፋ’ለኒ” ክትብል፡ ኣብ ዮተበሪ ክፍሊ …

Read More »

ኖርወይ ኣብዚ ሳመር ክትባት ማንኪፖክስ ክትቅበል እያ ተባሂሉ።

ኣብ ምውዳእ ወቕቲ ሳመር፡ ኖርወይ ክትባት ማንኪፖክስ ንምክልኻል ዘኽእል ብልቃጣት ክትባት ክትወስድ እያ፡ ክብል ሃገራዊ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ብስሉስ ኣፍሊጡ። “እቲ ዶዛት ገና ኣይበጽሓናን ኣሎ፡ ክሳብ መወዳእታ ሳመር ኣብ ኢድና ክኣቱ እዩ፡ ክሳብ ሽዑ ትካልና እዚ ክትባት ኣብ ኖርወይ ብኸመይ ኣብ መዓላ ይውዕል ዝብል ምሉእ መምርሒ ኣብ ምጽፋፍ ኢዩ ዘሎ” ክትብል ሄለና ኔይሚ-ኤዲ ን NTB ሓቢራ። እቲ ክትባት ብቫይረስ ማንኪፖክስ …

Read More »

ትማል ረቡዕ 70 በረራታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ተሰሪዞም።

ብምኽንያት እቲ ን ክልተ ሳምንታት ዝቐጸለን ብሰሉስ ደው ዝበለን ኣድማ ፓይለታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ፡ ትማል ረቡዕ ካብን ናብን ኖርወይ ዝግበሩ 70 በረራታ ምስራዞም ተገሊጹ። ኣስታት 900 ፓይለታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ፡ ካብ ሓምለ 4 ክሳብ ሰሉስ 19 ሓምለ ብሰንኪ ዘካየድዎ ኣድማ፡ ካብን ናብን ኖርወይ ዝግበሩ 2,497 በረራታት ከም እተሰረዙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ እቲ ኣድማ ደው ኢሉሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን እውን እንተኾነ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com