Friday , April 26 2024

ተሸለምቲ ኖቤል ስነቅመማ–“ኬሚስትሪ” ተረቚሖም።

ናይ 2022 ሽልማት ኖቤል ዓውዲ ስነቅመማ–“ኬሚስትሪ”–፡ ን ካሮሊን በርቶዚን ባሪ ሻፕለስን ተዋሂቡ። እዞም ክልተ ተመራመርቲ፡ “ሞሎኲዩላት ንሓድሕዶም ዝተሓዛዘልሉ” ኣገባብ ብምምዕባሎም እዮም ነዚ ሽልማት በቒዖም ዘለዉ ተባሂሉ’ሎ። ካሮሊን በርቶዚን  ባሪ ሻፕለስን “ተግባራዊ” ዓይነት ስነ-ቅመማ ንኽምዕብል መሰረት ኣንቢሮም ኣለዉ ክብል ንጒሳዊ ኣካዳሚ ሳየንስ ሽወደን ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ’ሎ። እዚ “ክሊክ ኬሚስትሪ” እንተባህለ ዝጽዋዕ ኣገባብ ስነቅመማ፡ እምነ መሰረታት ሞለኩዩላት ብስሉጥን ብቕጽበትን ንሓድሕዶም ክተሓናገሩ ዝገብር ብምዃኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝገብሮ ዝሓበረ እቲ ኣካዳሚ፡ እዞም ክልተ ክኢላታት ኣገባብ “ክሊክ ኬሚስትሪ” ኣብ ህያዋን ዋህዮታት ክውዕል ብምግባሮም ንዓውዲ ስነቅመማ ናብ ሓድሽ ደረጃ ክምዕብል ገዚፍ ኣበርክቶ ጌሮም ኣለዉ ክብል ወሲኹ ሞጊስዎም ኣሎ።

ኣመሪካዊ ባሪ ሻፕለስ ሕጂ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ ንሽማት ኖቤል በቒዑ ዘሎ። ኣብዚ ተላፋኒት ተሸላሚት ዝኾነት ካሮሊን ከኣ ኣብ ዓውዲ ኬሚስትሪ መበል ሻምነይቲ ጓለንስተይቲ ተሸላሚት ኖቤል እያ—ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com