Wednesday , May 1 2024

“Shame on Dry Land” ብልጽቲ ፊልም ተባሂላ

Credit: Jonas Ekströmer/TT

ልቢ ኣንጠልጣሊት ፊልም “Shame on Dryland” ብሰንበት ኣብ ዝተጸንበለ ምሸት ጉልባገ “ኢንዱስትሪ ፊልም ሽወደን” ንብሉጽ ተዋሳኣይን ብሉጽ ኣላነትን ሓዊሱ ብ 7 ባእታታት ፊልም ሽልማት ረኺባ። ብኽንድዚ ቊጽሪ ሽልማት ብምርካብ ከኣ ክብረወሰን ሒዛ’ላ። እንተኾነ ግና ብልጽቲ ፊልም ተባሂላ እተሸለመት “Paradise Is Burning” እያ። ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ንፈለማ እዋን ፊልም አፍረዩ ወይ ዝተዋስኡ ሰባት ንሽልማት ክሕጸዩ ኣይክእሉን እዮም። እንተኾነ ግና ኣፍራዪ ፊልም “Paradise Is Burning” ኒማ ዩሱፊ፡ ን ዂሎም ኣብ ተዋስኦ ፈለማኦም ዝኾኑ ን ንሽልማት ዘይተሓጽዩን ብሉጻት ተዋሳእቲ ናይተን ፊልምታት ሽልማት ሂቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com