Wednesday , May 8 2024

ሓበሬታ ሱፐርማርኬታት ብመጥቃዕቲ ሳይበር ይዘርቚ

Credit: Øijord, Thomas Winje/NTB och Anton Eriksson/Sveriges radio.

ኣብ ቨርምላንድ ዝርከብ ሰንሰለት ሱፐርማርኬታት ኩፕ ብሰንኪ ዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ሳይበር ሰፊሕ ሓበሬታኡ ክዘርቚ ከም እተገብረ ተገሊጹ። በዚ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣባላትን ሰራሕተኛታትን ብ ዳርክኔት Coop Värmland ኣቢሉ ሓበሬታ ይዝርጋሓሎም ኣሎ። “ኢመይል ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ እንተመጺኡካ ኣብ ሓደ ሊንክ ፈጺምካ ኣይትጠውቕ፣ ሓደ ሰብ ካብ ፖሊስ ሽወደን ወይ ኩፕ እየ ኢሉ እንተደዊሉልካ፣ ዕጸዎ፡፡ ናብ ኩፕ ወይ ንፖሊስ ደዊል። ወይ ድማ ናብ መርበብ ሓበሬታታቶም ተወከስ” ክብል ካርል ኤሚል ኒካ ዝተባህለ ክኢላ ድሕነት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com