Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

ንፍርያት ፕላስቲክ ዝምልከት ሓድሽ እማመ ክፍሊት ግብሪ ተዳልዩ

ንሓደ እዋን ተጠቂምካ ክትድርብዮም እትኽእል ፍርያት ፕላስቲክ ዝኾኑ ኩባያታትን ሸሓውንትን ዝምልከት እማመ ሓድሽ ክፍሊት ግብሪ ናብ መንግስቲ ምቕራቡ ተፈሊጡ። እቲ እማመ፡ ንኩባያታት ዝምልከት ናይ 5 ክሮነር፡ ንሸሓውንቲ ድማ ናይ 7 ክሮነር ክፍሊት ግብሪ ንኽእከብ ዝእዝዝ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ነዚ እማመ ንምድላው፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ንኣንድሽ ቤንግትሶን ዝበሃል መርማሪ መዚዙ ምንባሩ ይዝከር። ክፍሊት ግብሪ፡ ካብቶም ኣፍረይቲ ዝእከብ እዩ ክብል እቲ እማመ …

Read More »

ሊበራላዊ ሰልፊ፡ ንምምሕያሽ ሳንኩፍ ከባቢታት ዝውዕል ናይ 2 ቢልዮን ክሮነር ወፍሪ ክገብር ይምድብ

ሊበራላዊ ሰልፊ፡ ካብ ዓመተ 2021 ዝጅምር፡ ክልተ ቢልዮን ዝዋግኡ ወፍሪ ምምሕያሽ ሳንኩፍ ከባቢታት ንኸተግብር መዲቡ ኣሎ። እቲ ገንዘብ ንምምሕያሽ ጽላታት ትምህርቲ፡  ኣከባብን ናይ መንባብሮ ጭቕጭቕን ዝውዕል ምዃኑ ሓቢሩ። እዚ እማመ፡ ኣካል ናይቲ ናይ ቀውዒ ባጀት ንምሕታት ምስ መንግስቲ ዝግበር ዘተ ምዃኑ እቲ ሰልፊ ኣፍሊጡ። ካብቲ ንጽላት ትምህርቲ ዝተሓዝአ መጠን ገንዘብ፡ ዓመታዊ 500 ሚልዮን ክሮነር፡ መምህራን ጥጡሕ ዝኾነ ናይ ስራሕ ኩነታትን …

Read More »

ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ኣስታት 700 ሽሕ ሰብ፡ መንበሪ ገዛ ንምርካብ ሪጋ ጌሮም ይጽበዩ

ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ኣስታት 700 ሽሕ ሰባት መንበሪ ገዛ ንምርካብ ሪጋ ጌሮም ይጽበዩ ምህላዎም ተፈሊጡ። እዚ ኩነታት ድማ፡ ሓደስቲ ሰባት፡ ገዛ ንኽረኽቡ ኣሸጋሪ ይገብሮ። መንጎኛ ናይ ኣባይቲ ኩባንያ ዝኾነት ሬንትኔት (Rentnet)፡ ኣብ ክንዲ በቲ ዘሎ ሪጋ ትኽተል፡ ኣብ ውልቃዊ ታሪኽን ናይ ስራሕ ተሞክሮን ካብ ተኻረይቲ ብዝተጻሕፈ ውልቂዊ ደብዳቤታትን ምርኩስ ብምግባር ገዛውቲ ትዕድል ብምህላዋ፡ ዘይፍትሓዊ ስራሕ ፈጺማ ተባሂሉ ብዝተፈላለዩ ወገናት ብዙሕ …

Read More »

ሩስያ ናይ መጀመሪያ ክትባት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ጥቕሚ ኣውዒላ

ሩስያ ኣብ ዓለምና ናይ መጀምርያ ናይ ኮሮና ቫይረስ ክትባት ኣዳልያ ከምዝወደኤት ብመንገዲ ፕሬዘዳን እዛ ሃገር  ቭላድሚር ፑቲን ሓቢራ። እዚ ፕሬዘዳንት ፑቲን ውሲኹ እዚ በክትባት ኣድላዪ መስርሕን ምድላዋትን ብምሕላፍ ውጽኢታዊ ክኸውን ከምዝኽኣለ ናይ መጀምርያ ኣብ ሰባት ብምፍታን ንጥቕሚ ዘውዓለት ክትከውን ኪኢላ  ክትብል መርበብ ሓበሬታ CNN ሓቢራ። https://edition.cnn.com/world/live-news/coronavirus-pandemic-08-11-20-intl/h_01ce01c500e69970d35a4c02ea77d262?utm_term=link&utm_content=2020-08-11T09%3A28%3A31&utm_source=fbCNNi&utm_medium=social&fbclid=IwAR0MFugs1HTK-vJjVfflSZT6-4GvTrow1GXX9BykTw8poh_C4jb6b-ixEsY

Read More »

ብዝሒ ጉዕዞታት ኣየር፡ ምምሕያሽ የርኢ

ኣብ ወርሒ ሓምለ/2020፡ መጠን ብዝሒ ብመዓርፎ ነፈርቲ ስወዳቭያ ዝጥቀሙ ተጓዓዝቲ ምስቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ/2019 ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ብ87% ከምዝጎደለ ጸብጻባት ይሕብሩ።ብድምር ክረአ እንከሎ፡ ኣስታት 486 ሽሕ ተጓዓዝቲ ከምዝነበሩን፡ እቶም 307 ሽሕ ወጻእተኛታት (ብ90% ዝጎደሉ) ክኾኑ እንከለዉ እቶም 179 ሽሕ ድማ ደቂ ዓዲ (ብ 79% ዝጎደሉ) እዮም ኔሮም።ምስ ምልዓል ናይ መገሻ እገዳታት፡ መጠን ብዝሒ ገያሾ ብከፊል ይውስኽ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብ ታሪኽ …

Read More »

ብሓባር ምስኣ ዝቕመጥ ንዝነበረ ብምቕታላ፡ ናይ 16 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዳ

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ላንድስክሮና፡ ሓንቲ ጓል 23 ዓመት መንእሰይ፡ ንሓደ ብሓባር ምስኣ ዝቕመጥ ዝነበረ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ብምቕታላ፡ ሎሚ፡ ናይ 16 ዓመት ማእሰርቲ ፍርዲ ከምተበየነላ ተገሊጹ።ኣብቲ እዋን’ቲ፡ እታ ጓል፡ ናብ ፖሊስ ደዊላ፡ ብጌጋ ንሓደ ሰብ ብካራ ጌራ ከምዝሃረመትን ስለምንታይ ከምኡ ከምዝገበረት ከምዘይተረዳኣን ገሊጻ ምንባራ ጸብጻባት ፖሊስ ይሕብሩ። ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ፍጻሜ ምስ በጽሐ፡ ሓደ ሰብ ብኻራ ኣብ …

Read More »

መጠን ሃለኽቲ ንብረት ምምሕያሽ የርኢ

መጠን ናይ ገዛ ሃለኽቲ ንብረት፡ ካብቲ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ኣጋጢምዎ ዝጸንሐ ዕንቅፋት፡ ምምሕያሽ ከርኢ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ብ 9.2% ኣንቆልቂሉ ዝጸንሐ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ቅሩብ ምምሕያሽ ብምርኣይ ናብ 6.6% ደይቡ። መጻኢ ናይተን ኣብ ጽላት ምእንጋድ ዝነጥፋ ትካላት ግን ጸልማት ከምዘሎን ኣብ ወርሒ ሰነ ጥራይ፡ ልዕሊ ርብዒ ካብ መጠን ሃልክታት ከምዝኸሰራን ምስ ወርሒ ሰነ/2019 ብምንጽጻር ጸብጻባት ትካል ስታትስቲክስ ሽወደን …

Read More »

ስቶክሆልም፡ ኣስታት 40 ሽሕ ዓማዊል ብዘይ ኣገልግሎት ኤሌክትክ ተሪፎም

ኣብ ከባቢ ኩንግስሆልመን ዝርከቡ ኣስታት 40 ሽሕ ዓማዊል ብዘይ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ከምዝተረፉ ኤሌቪዮ ገሊጹ።ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፡ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ከምዘጋጠመን ምኽንያት ንምፍላጥ መርመራታት ይካየዱ ምህላዎም ድማ ተፈሊጡ።ብመሰረት ሓበሬታ፡ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣብ ከባቢ ሰዓት 1 ድ.ቐ. ክምለስ ምዃኑ ይግምቱ።

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት “ማስክ” ዝምልከት ክትዕ ይካየድ

ወቕቲ ቀውዒ እናኣተወ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ስርሖምን ትምህርቶምን ዝምለስሉ እዋናት ብምዃኑ፡ ኣብ ሽወደን፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ማስክ ዝምልከት ክትዕ ከምእንደገና ተላዒሉ ምህላዉ SVT ሓቢሩ።ሽወደን፡ ንምቁጽጻር ለበዳ ኮሮና እትኽተሎ እስትራተጂ ክትቅይር ብምጽዋዕ፡ ኣብ ዝቕጽል ወቕቲ፡ ብዝሒ ሰብ ክህሉ (ጭቕጭቕ) ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ንምኽዳን ማስክ ዝግድድ መምርሒ ከተመሓላልፍ ይግባእ ክብል መምህር ስነ ሒሳብ ዝኾነ ቶም ብራይቶን ኣብ ጋዜጣ …

Read More »

ኣብ ላንድስክሮና፡ ሓያል ነውጺ ዝፈጠረ ነትጒ ኣጋጢሙ

ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ላንድስክሮና ንሓደ ዱኳን ዕላማ ዝገበረ ሓያል ነውጺ ዝፈጠረ ነትጒ ከምዘጋጠመን ኣብቲ ፍጻሜ ሰብኣዊ ክሳራ ከምዘየጋጠመን ፖሊስ ሓቢሩ።እቲ ነትጒ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዱኳን ከቢድ ክሳራ ከምዘውረደ ጋዜጣ ሄልሲንቦሪስ ዳግብላድ (Helsingborgs Dagblad) ሓቢሩ።ፖሊስ፡ ነቲ ከባቢ ድሕሪ ምሕጻር፡ ንኽኢላታት ተፈንጀርቲ ናብቲ ቦታ ፍጻመ ከምዝመጹ ገይሩ።ኣብ ልዕሊ ንብረት፡ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ። ኣብ ሰባት ግን ዝወረደ ጉድኣት የለን ክትብል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com