Sunday , May 12 2024

ኣብ ላንድስክሮና፡ ሓያል ነውጺ ዝፈጠረ ነትጒ ኣጋጢሙ

ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ላንድስክሮና ንሓደ ዱኳን ዕላማ ዝገበረ ሓያል ነውጺ ዝፈጠረ ነትጒ ከምዘጋጠመን ኣብቲ ፍጻሜ ሰብኣዊ ክሳራ ከምዘየጋጠመን ፖሊስ ሓቢሩ።
እቲ ነትጒ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዱኳን ከቢድ ክሳራ ከምዘውረደ ጋዜጣ ሄልሲንቦሪስ ዳግብላድ (Helsingborgs Dagblad) ሓቢሩ።
ፖሊስ፡ ነቲ ከባቢ ድሕሪ ምሕጻር፡ ንኽኢላታት ተፈንጀርቲ ናብቲ ቦታ ፍጻመ ከምዝመጹ ገይሩ።
ኣብ ልዕሊ ንብረት፡ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ። ኣብ ሰባት ግን ዝወረደ ጉድኣት የለን ክትብል ሓላፊት መርመራ ዝኾነት ኣና ሂልድብራንድ ገሊጻ።
እቲ ኣጋጣሚ፡ ብፍጻሜ ብልሽውና ተመዲቡ እኳ እንተ ሃለወ፡ ናብ ፍጻሜ ገበን ክሰጋገር ከምዝኽእል ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት (Aftonbladet) ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com