Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

ኣባል SD ዝኾነ ፖለቲከኛ ነቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ጸለምቲ “ኣህባይ” ክብል ጸዊዕዎም።

ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራት ንሓደ ኣብ ምምሕዳር ቦትሺርካ ዝርከብ ፖለቲከኛ ኣባሉ ካብ መዝነቱ ከምዝኣለዮ ሓቢሩ። ሰልፊ ስቬርያ፡ እቲ ፖለቲከኛ ነቶም ኣንጻር ዓሌትነት ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ጸለምቲ “ኣህባይ” ኢሉ ድሕሪ ምጽዋዑ፡ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዶ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ፖለቲከኛ ነዚ ዓይነት መጸውዒ ዝተጠቀመ ኣብ ዕጹው ናይ ፌስ ቡክ ግሩፕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ዝተገብረ ቅቡል ዘይምዃኑን ሰልፊ ስቬርያ ድማ ነቲ ጉዳይ …

Read More »

ኣብ ንግዳዊ ማእከል ሺስታ ቶኹሲ ተሰሚዑ

ፖሊስ ስቶክሆልም ኣብ ንግዳዊ ማእከል ሺስታ ናይ ቶኽሲ ፍጻሜ ከምዝትኻየደ ሓበሬታ ምስ መጾ ብቕጽበት ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ብምልኦም ከምዘውጸኦም ሓቢሩ። እቲ ንግዳዊ ማእከል ብዓማዊል ኣዕለቕሊቑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ቶኽሲ ፍጻመ ከምዘጋጥመን ብዙሓት ሰባት ናብ ፖሊስ ከምዝደወሉን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሓንቲ ኣሃዱ ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ከምዘላ ካብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ፡ ማትስ ኤሪክሰን፡ ቅድሚ ቅሩብ ንማዕከናት ዜና ሽወደን …

Read More »

ድሕሪ 34 ዓመት መዕረፊ ዝረኸበ ቅትለት መራሒ ሸወደን ኦሎፍ ፓልመ።

ዓርቢ ሰዓት 7:30 ድ.ቐ ከም ነፍሲ ወከፍ ካልእ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኦሎፍ ፓልመ፡ ካብ ስራሕ ናብቲ ኣብ Västerlånggatan 31 ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ተመለሰ። ድራሩ ድሕሪ ምብላዕን ውሑዳት ናይ ቴሌፎን ርክባት ድሕሪ ምክያዱን ድማ ምስ በዓልቲ ቤቱ ሊዛቤስ ፓልመ ተተሓሒዞም ካብ ገዛ ድሕሪ ምውጻእ ባቡር ተጠቂሞም ናብ ማእከል ከተማ ተጓዕዙ። ኣብ ከባቢ Rådmansgatan ወሪዶም ብጎደና Sveavägen ኣቢሎም ናብ ዓቢ ሲነማ ብእግሮም …

Read More »

ስምብራት ለበዳ ኮሮና ይንኪ ኣሎ ተባሂሉ።

ዋና ተጸዋዒ ሕማም ለበዳ ኮሮና መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል ህላዌ ኮሮና ኣብ ሽወደን ይቕንጠጥ ምህላዉ ኣመልኪቱ። ንሱ ጽዑቕ ክንክን ዝግበረሎም ሰባት እናነከዩ ምምጽኦም ብዓቢኡ ኸኣ መጠነ ሞት ሕሙማት ኮሮና ምንካዩ መርኣያ ናይዚ ምቕንጣጥ ምዃኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ወሲኹ ኣረዲኡ። ሎሚ በዚ ለበዳ ዝሞቱ ሕሙማት 23 ኮይኖም 791 ሓደስቲ ሕሙማት ተረኺቦም ኣለዉ። “ኣብ ቀረባ መዓልታት ብምኽንያት ምውሳኽ ቊጽሪ ተመርመርቲ ዝያዳ …

Read More »

ኣሃዱ ጥዕና ስቶክሆልም፡ ኣብ መንጎ እቲ ለበዳ ኢና ዘለና።

ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ዝርከባ ኣሃዱ ጥዕና ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ምህላወን፡ ብዙሓት ሕሙማት ሰባት ውን ኣብ ትሕቲ ሆስፒታላት ኮይኖም ክንክን ይግበረሎም ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ምምሕዳር ስቶክሆልም ጌና ኣብ መንጎ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና እያ ዘላ ክትብል ሓላፊት ኣገልግሎት ጥዕና ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኣና ስታርፕሪኒክ ገሊጻ። ቅልውላው ለበዳ ቫይረስ ካብ ዝጅምር ምሉእ ዓቕሚ ኣሃዱ ጥዕና ንሕሙማት ኮቪድ-19 ከገልግል …

Read More »

ቊጠባ ሽወደን ይሓዊ ምህላዉ ሚኒስተር ፋይናንስ ገሊጻ።

ቊጠባ ሽወደን ዳግማይ ናይ ምብርባር ምልክታት የርኢ ምህላዉ SVT ን ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ማግዳሊን ኣንደርሰን ብምጥቃስ ሓቢሩ። እዚ ይዂንምበር ምስቲ ቅድሚ ምብራዕ ለበዳ ኮሮና ዝነበረ ኲነታት እንክወዳደር ገና ዝሑል ምህላዉ ኣመልኪታ። “ቊጠባ ይበራበር ምህላዉ ዘየጠራጥሩ ምልክታት ኣለዉ፥ ይኹንምበር ካብ ዝተሓተ ደረጃ እዩ ዝትንስእ ዘሎ” ክብል ኣንደርሰን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣመልኪታ። ቊጽሪ ስራሕ ኣልቦ ዜጋታት ኣብ ወርሓት መጋቢትን ሚያዝያን ምውሳዂን …

Read More »

መንግስቲ፡ ዘይሕጋውያን ኣጽዋር ንዘጽንሑ ውልቀ ሰባት ዝተረረ መቕጻዕቲ ይጽበዮም።

መንግስቲ ሽወደን፡ ዘይሕጋዊ ብረትን ነቶግትን ዘሰጋግሩን ዝውንኑን ሰባት ብዝምልከት ዝተረረ መቕጻዕቲ ንኽብየነሎም ናብ ኮሚቴ ሕጊ ሽወደን እማመ ከምዘቕረበ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እቲ እማም፡ ሓደገኛ ንዝበሃሉ ገበናት ክሳብ ናይ 7 ዓመታት ማእሰርቲ ክብየነሎም ዝብል እዩ። ዘይሕጋውያን ኣጽዋር ኣብ ናይ ገበን ከባቢታት ምርካብ ሓደ ካብቶም ሓደገኛ ገበናት ዝቑጸር ምዃኑ ይፍለጥ። ናይ ገበን ከባቢታት ዝበሃሉ ከም ናይ ዕጸ ፋርስ ምኻዚኖ ዝጥቀሙሉ ገዛውትን ናይ …

Read More »

ፖሊስ፡ ነቲ ሎሚ ምሸት ኣብ ማልሞ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ክብትን ምዃኑ የጠንቅቅ

ሎሚ ሰሉስ ምሸት ኣብ ከተማ ማልሞ ኣንጻር ዓሌትነት ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ዝዓለመ ዝኾነ ዓይነት ወግዓዊ ሕቶ ናብ ፖሊስ ዝቐረበ ስለዘየለ ብወገን ፖሊስ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ ስለዝረአ፡ ዝኾነ ዓይነት ምትእኽኻብ ክብትን ምዃኑ ፖሊስ ማልሞ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ፖሊስ ማልሞ ነዚ መጠንቀቕታ ዘመሓላለፈ፡ ብሰንኪ እቲ ብመርበብ ሓበሬታ ዝጋዋሕ ዘሎ ንሎሚ ምሸት ዝዓለመ ምትእኽኻብ ዝዕድም ጽሑፋት ድሕሪ ምርኣዮም ምዃኑ ተፈሊጡ። ብወገን ኣሃዱ ጥዕና …

Read More »

ፖለቲካዊ ምትእትታው ንቴግኔል ኣየሻቕሎን እዩ ተባሂሉ።

ኣባል ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ጂሚ ኣከሰን ብዛዕባ ምስንባት ዋና ተጸዋዒ ሕማማት ከበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ካብ ፖለቲከኛታትን ሰብመዚ መንግስትን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ’ሎ። እዚ ይዂንምበር ቲግኔል ኣብዚ ጒዳይ ዝህሉ ምትእትታው ፖለቲከኛታት ንዕዮ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ክሕንክሮ እዩ ንዝብል ምጒት ነጺግዎ’ሎ። ብዛዕባዚ ዝኾነ ህጹጽ ስግኣት ይህሉ እዩ ዝብል ሓሳብ የብለይን ድማ ኢሉ። ዳይረክተር ጀነራል በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ንቲግኔል ዘለዎ …

Read More »

ሽወደናውያን ተመራመርቲ፡ ጸረ ከቢድ ምልክት ሕማም ኮቪድ-19 ሓድሽ መድሃኒት ፈቲኖም።

ኣብ ሉንድ እትርከብ ክሊኒክ ምቁጽጻር ለበዳ፡  ንሓሙሽተ ብሓገዝ ማሽን ከስተንፍሱ ዝጸንሑ ግዳያት ኮሮና ቫይረስ ዝኾኑ ሰባት ንሕማም Cystic fibrosis (ሲስቲክ ፋይብሮሲስ) መፈወሲ ዝጥቀምሉ መድሃኒት ከምዝፈተንሎምን፡ ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ሓገዝ ማሺን ከምዝተገላገሉን ንጽልዋ ናይቲ መድሃኒት ዝምልከት ብወገን እቶም ተመራመርቲ መጽናዕታት ይካየዱ ከምዘለዉ SVT ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ተፈቲኑ ዘሎ መድሃኒት ነቲ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝስዕብ ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ክፍውስ ከምዝኽእል ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com