Friday , May 17 2024

ዜና

ሓደጋ ሄሊኮፕተር ሰብ ቀዚፉ

ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ልምምድ “ሲኮርስኪ ኤስ-92” ዝዓይነታ ሄሊኮፕተር ድሕሪ ምውዳቓ፡ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝርከብ ትካላት ነዳድን ጋዝን ባሕሪ ኖርወይ ዝወስድ መጓዓዝያ ኣየር ሎሚ ሓሙስ ደው ክብል ከም እተገብረ ተፈሊጡ። ኣብታ ሄሊኮፕተር ካብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ተሳፈርቲ ሓደ ሞይቱ’ሎ። ሰብመዚ ሆስፒታል በርገን ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሓደ ሰብ’ውን ኣብ ከቢድ መጉዳእቲ፡ ካልእ ድማ ብኸቢድ ከምዝቖሰለ፡ እቶም ካልኦት ሰለስተ …

Read More »

ሚኒስተር ትምህርቲ ኣና-ማያ ሄንሪክሶን (SFP) ሎሚ ሰሉስ ልጓም ህዝባዊ ሰልፊ ሽወደን ከም እትገድፍ ኣፍሊጣ።

ሚኒስተር ትምህርቲ ኣና-ማጃ ሄንሪክሰን (SFP) ብቕድሚ ትማል ሰሉስ ካብ ህዝባዊ ሰልፊ ሽወደን ከም እትወጽእ ኣፍሊጣ። “ኣብ ዝቕጽል ዋዕላ፥ ኣብቲ ሰልፊ ኣብ ሕጹይ መሪሕነት ከምዘይከውን እንክሕብር ኣዝዩ ዓቢ እፎይታ ይስማዓኒ” ክትብል ዝሓለፈ ትማሊ ሰሉስ ን ጋዜጣ “ሄልሲንጊን ሳኖማት” ሓቢራ። ካብ 2016 ጀሚሩ ነቲ ዳርጋ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ንኡስ ልፍንታዊ መሻርኽቲ ዝመርሐት ሄንሪክሰን፡ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ከበድቲ ምንባረን ገሊጻ’ላ። ኣብቲ ሃገርና ብለበዳ …

Read More »

ዳንኤል ዋና ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ሽወደን ኮይኑ

ጆን ዳህል ቶማሶን ሓድሽ ዋና ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ሽወደን ኮይኑ ስርሑ ጀሚሩ። እዚ ደንማርካዊ ዜጋ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢጣልያዊት ክለብ ኤሲ ሚላን ከምኡ’ውን ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝርከብ ፈየኖርድ ተጻዊቱ እዩ። ንማልሞ ኤፍ ኤፍ እውን ኣሰልጢኑ፡ ኦልስቨንስካን ክልተ ግዜ ክትዕወት ከኣ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ሽወደን ናይ ወጻኢ ኣሰልጣኒ ክህልዋ ሕጂ …

Read More »

ሳፖ “ፒ.ኬ.ኬ ኣብ ሽወደን ሽበራ ንምምዋል ይጽዕር ኣሎ”

ብፒ.ኬ.ኬ ዝፍለጥ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን ንጥፈታት ምወላ ግብረሽበራ የካይድ ከምዘሎ ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ ከሲሱ። ፒ.ኬ.ኬ ኣብ ሽወደንን ሕብረት ኤውሮጳን ከም ግብረሽበራዊ ትካል ዝተመደበ ኮይኑ፡ ማዕከኑ ንምስሳስን ዓመጽን ምፍርራሕ ይጥቀም ከምዘሎ እዩ ዝንገር። ንጥፈታት ፒ.ኬ.ኬ ኣብ ሽወደን ኣዝዩ ዓብዪ ጒዳይ ኮይኑ ክረአ ዝጀመረ ቱርኪ ንኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ንምጽዳቕ ድሕሪ ዘቕረበቶ ቅድመ ኲነት ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

ህሉው ግዜ ትጽቢት ሕክምና ስነ-ኣእምሮኣዊ ህጻናት ቅቡል ኣይኮነን ተባሂሉ

ሓደ ህጻን ኣብ ሽወደን ኣበየናይ ሸነኽ እታ ሃገር ይቕመጥ ዝብል ረቑሒ ናብ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ንምኻድ ክንደይ ግዜ ክጽበ ከም ዘለዎ ይውስን ምህላዉ፥ እዚ ድማ ንውዕል መሰል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ምዃን ተገሊጹ። እዚ ናይ ትጽቢት ግዜ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ህጻናትን መንእሰያትን (BUP) ቅቡል ኣይኮነን ክትብል ሓባሲት ንብዓት ህጻናት ኤልሳቤጥ ዳህሊን ትገልጽ። ብርክት ዝበሉ ህጻናት ብጉዳይ ጥዕና ኣእምሮ ይሳቐዩ ከምዘለዉ፡ ንኣእምሮኣዊ ንጥፈታት …

Read More »

ኣወሃሃዲ ሙዚቃን ሙዚቀኛ ጃዝን ጆርጅ ሪደል ኣብ መበል 90 ዓመቱ ዓሪፉ

ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ፍቱዋት ኣወሃሃድቲ ሙዚቃን ሙዚቀኛ ጃዝን ሽወደን ዝኾነ ጆርጅ ሪደል ኣብ መበል 90 ዓመቱ ዓሪፉ። ሪድል ንገለ ካብቶም ኣብ ሽወደን ፍሉጣት ደርፍታት ንፊልምታት ህጻናት መጽሓፍቲ ኣስትሪድ ሊንድግረን ብምምርኳስ ኣዳልዩ እዩ። ህጻናት ሽወደን እናሰምዕወን ዝዓበዩ ከምኒ ኢዳ ሶማቪዛ ከምኡ’ውን ዱ ሻረሊል ሽንከቡ ስርሃት ድርሰታት ሪደል እየን ኔረን።

Read More »

ድሕሪ ጠሊ ክረምቲ ደረጃ ማይ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ይበጽሕ

ኣብ ደቡብ ሽወደን ዝርከብ ትሕተ-ምድራዊ ዕቋር ማይ ክሳብ ኣፉ ምሉእ ምዃኑ ካብ ጂኦሎጂካዊ ዳህሳስ ሽወደን ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ብሰንኪ ደረቕ ኩነታት ኣየር ብሕጽረት ማይ ተሃስዮም ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ካብ ውሕጅ ዝመጽእ ኮይኑ፡ ኣብ ደቡባውን ማእከላይን ክፋላት እታ ሃገር ድሕሪ ዘጋጠመ ጥልል ዝበለ ክረምቲ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ኣብ ቀጽርታት ኣመሓደርትን ተቓወምትን ዘሎ ፍልልይ ደገፍ እናጸበበ ይኸይድ

ኣብ ቀጽርታት ኣመሓደርትን ተቓወምትን ዘሎ ፍልልይ ደገፍ እናጸበበ ይኸይድ ከምዘሎ ኢንዲካተር ብስም ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየዶ ናይ ቀረባ ዳህሳስ ርእይቶ ኣመልኪቱ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንማግዳሌና ኣንደርሰን ካብ ተቓወምቲ ሶሻል ዲሞክራት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን ዝደልዩ ሰባት ውሑዳት እዮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮተቦሪ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ሄንሪክ ኤከንግረን ኦስካርሰን፡ እቲ ውጽኢት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዙርያ እቲ ሰልፍን መራሒኡን ዝተራእየ ዕግርግር ዘንጸባርቕ …

Read More »

ሃንጋሪ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ክትፈርም 10 መዓልታት ክወስደላ ይኽእል እዩ

ሃንጋሪ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽዳቕ ዝወሰደቶ ውሳነ ብወግዒ ክትክትም ክሳብ 10 መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ነዚ ዝበለ ቤት ጽሕፈት ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ሃንጋሪ ከምዝኾነ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ብኻልእ ወገን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን ዝካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ፍሉይ ኣቀባብላ ከምዝተሰጋገረ ማዕከን ዜና TT ሓቢራ’ላ። እዚ እናኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ባይቶ ሃንጋሪ …

Read More »

ካብ ምማር ወራርሩ ሩስያ 31 ሽሕ ወተሃደራት ዩክሬን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ እዋን ምሉእ ወራር ሩስያ 31 ሽሕ ወተሃደራት ዩክሬን ከምዝተቐትሉ ገሊጹ። ይዂንምበር እዚ ንወተሃደራዊ ውጥን ሩስያ ዝሕግዝ ስለዝኾነ፡ ቁጽሪ ናይቶም ዝቖሰሉ ካብ ምግላጽ ተቖጢቡ’ሎ። ሰብመዚ ዩክሬን ኣሃዛት ጉድኣት ንህዝቢ ናይ ምግላጽ ባህሊ የብሎምን፡ እንተኾነ ግና እቲ ቊጽሪ ልዑል ምዃኑ ግምታት ኣሎ። ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፡ ፍርቂ ካብቲ ምዕራባውያን ንዩክሬን ክህብኦ እተመባጽዓኦ ሓገዝ ምድንጓዩ፡ እዚ ድማ ህይወትን መሬትን ክኽሰር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com