Friday , May 3 2024

ሓደጋ ሄሊኮፕተር ሰብ ቀዚፉ

After an incident in November when a Norwegian ambulance helicopter was forced to make an emergency landing in an ant, restrictions are now being imposed on Airbus helicopters in Norway to fly in the snow and cold. FOTO JONAS EKSTRÖMER KOD 1030 COPYRIGHT SCANPIX SWEDEN

ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ልምምድ “ሲኮርስኪ ኤስ-92” ዝዓይነታ ሄሊኮፕተር ድሕሪ ምውዳቓ፡ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝርከብ ትካላት ነዳድን ጋዝን ባሕሪ ኖርወይ ዝወስድ መጓዓዝያ ኣየር ሎሚ ሓሙስ ደው ክብል ከም እተገብረ ተፈሊጡ። ኣብታ ሄሊኮፕተር ካብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ተሳፈርቲ ሓደ ሞይቱ’ሎ። ሰብመዚ ሆስፒታል በርገን ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሓደ ሰብ’ውን ኣብ ከቢድ መጉዳእቲ፡ ካልእ ድማ ብኸቢድ ከምዝቖሰለ፡ እቶም ካልኦት ሰለስተ ድማ ቀሊል መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞም ሓቢሮም። ካብ በርገን ንምዕራብ ኣብ ዝርከብ በረድ ዝመስል ዝሑል ማይ ድሕሪ ምውዳቖም፡ ክሳብ 50 ደቓይቕ ኣብቲ ማይ ምጽንሖም፡ ብሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ክለዓሉ ተጌሮም ኣለዉ። ኩሎም ናይ ህይወት ኣድሕን ክዳን ለቢሶም ከምዝነበሩን፡ እዚ ድማ ህይወቶም ንምድሓን ከምዝሓገዘ ሰብመዚ ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com