Friday , May 17 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ሕጊ ስድራን ጕዳያት መጕዚትነትን

ከም መዕበያ: መንበሪ ገዛን ምውሳእን ኣብ ዝኣመሰሉ ጕዳያት: ጥቕሚ ቈልዓ ቀዳምነት ኪወሃቦ ይግባእ። ንዕድመን ብስለትን ኣብ ግንት ብምእታው: ኵሉሳዕ ንድላይ ቈልዓ ሓልዮት ኪግበሮ ይግባእ። ንጥቕሚ ቈልዓ ዘርብሕ እንተኾይኑ: እቲ ዕላማ ሓባራዊ መጕዚትነት ኪኸውን ኣለዎ። መጕዚትነት ቈልዓ መጕዚትነት ቈልዓ ማለት እቶም ኣለይቲ፡ ዝበዝሕ ግዜ ወለዲ፡ ኣብቱ ቈልዓ ሕጋዊ ሓላፍነት ኣለዎም ማለት’ዩ። ቈልዓ ክትኣሊ መሰልን ግቡእን ምህላው ማለት’ዩ። ብመሰረት ሕጊ ቈልዑ ክሳብ …

Read More »

ኩባንያ ኤሪክሰን ንእንተታት መቕጻዕቲ ብልሽውና ንምሽፋን 12 ቢልዮን ክሮነር ይስልዕ።

ኤሪክሰን ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጉዳይ ብልሽውና ንዝተጻዕኖ ዕዳ ንምክሕሓስ 12 ቢልዮን ክሮና ምድላዉ ተገሊጹ። እዚ ግዙፍ መቕረቢ ኣቕሑ ዓውለማዊ መራኸቢታት ኣብ ዓመተ 2013 ብ ኮሚሽን ጸጥታን ምልውዋጥን ከምኡ’ውን ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ እዚ ኲባንያ ምስ ሕጊ ጸረ-ብልሽውና እታ ሃገር ብምስምማዕ ይሰርሕ ኣሎ ድዩ ብዝብል መርመራ ምኽፋቶም ዝፍለጥ እዩ። ኤሪክሰን ኣብዚ ጒዳይ ምስ ሰብመዚ ኣመሪካ ምስምማዑን ውሽጣዊ መርመራ …

Read More »

ቊጽሪ ብጠያይቲ ዝጥቅዑ ሰባት ወሲኹ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብጠያይት ተወቒዖም ናብ ሆስፒታል ዝመጹ ሰባት ቊጽሮም ብ 20 ሚእታዊት ምውሳኹ ቆንስል ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ሬድዮ ኤኮት እዚ ኣሃዝ ነቶም ብሰንኪ ጥይት ግዳያት ሞት ዝኾኑ ኣየጠቓልልን እዩ። ብመሰረት እዞማ ኣሃዛት ዓሚ 148 ሰባት ክንክን ሕክምና ክረኽቡ እንከለዉ 26 ኣብ ዓመተ 2017 ኣብ 2018 ከኣ ካብ ዕጽፊ ብዝዛይድ ቊጽሪ ምውሳኹ ተመልኪቱ’ሎ። ኣብ ካሮሊንስካ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ትሰርሕ …

Read More »

ፐርሾንበቪስ..ወረቐት መንነት

ፐርሾንበቪስ፡ ማለት ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ (Personbevis) ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ፡ ማለት ፐርሹን በቪስ፡ (personbevis)፡ ብዓል መዚ ግብሪ፡ ብዛዕባኹም መዝጊቡዎ ዝርከብ ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ንኣብነት፡ ስም፡ ኣድራሻን ኩነተ መርዓን ዝብል ዝሓዘ ሰነድ እዩ። እዚ ሰነድ’ዚ ንኣብነት ፍቓድ መዘወሪ ማኪና ከተውጽኡ እንከለኹም የድልየኩም። ፐርሹንበቪስ፡ ማለት ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ ግን፡ ከም ታሴራ ወይ መረጋገጺ መንነት ከገልግል ከምዘይክእል ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ፡ ማለት ፐርሹን …

Read More »

20 ምምሕዳራት ሽወደን ጥዕናዊ ጽላተን ሕጽረት ኣለዎ ተባሂሉ።

ጥዕናዊ ኣገልግሎት ሽወደን ኣብ ጽቡቕ ኲነታት እኳ እንተሃለወ ገለ ምምሕድራት ግና ዓመታዊ ክሳብ 7 ቢልዮን ክሮና ዝግመት ክሳራ ከም ዘመዝገባ ፋይናንሳዊ ፕሮጀክስን ሽወደን ኣመልኪቱ። እዘን ምምሕድራት ብሰንኪ ክብሪ መድሃኒትን ክብሪ ዋጋ ኣባላተንን እየን ነዚ ክሳራ ተቓሊዐን ተባሂሉ’ሎ። በዚ ምኽንያት ክልተ ምምሕድራት ቀረጽ ክውስኻ ከም ዝኽእላ ተገሊጹ’ሎ። ንኣብነት ኣውራጃ ኤረብሮ ናይ 450 ሚልዮን ክሮና ጐደሎ ከም ዘለዋ ተመልኪቱ። ሓላፊት ጥዕናዊ ኣገልግሎት …

Read More »

ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ንዓዲ እንግሊዝ ንምሰጋር ዘሳልጡ 23 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ሰበ መዚ ዓዲ እንግሊዝ ን23 ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዉ ስደተኛታተ ዘሳልጡ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተወ ሓቢሩ። እዞም ሰባት’ዚኣቶም ነቶም ብመንገዲ ኢንግሊሽ ቻነል ወይ ድማ ብመንገዲ ዓበይቲ መካይን ናብ ኤውሮፓ ዝሰግሩ ዘይሕጋውያን ሰደተኛታት ዘይ ሕጋዊ ቪዛ ዘሳልጡ እዮም። ዘቤታዊ ቤት ጽሕፈት ዓዲ እንግሊዝ ትማሊ ኣብ ዘቃልሖ መግለጺ: ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ: 11 ሰባት ኣሰገርቲ ኮይኖም …

Read More »

ምምሕዳር ከተማ ሰልቨስገርግ ብቋንቋ ሽወደን ዘይተጻሕፉ መጻሕፍቲ ምግዛእ ደው ከምዘበለ ገሊጹ።

ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራትስ ምምሕዳር ከተማ ሶልቭስበርግ ኣብያተ ንባብ እታ ከተማ ብሽወደን ዘይተጻሕፉ መጻሕፍቲ ምምጻእ ብዛዕባ ምቊራጽ ክመክር እዩ። እዚ ድማ ንስደተኛታት ማእከል ብምግባር ዝተበጽሐ ውሳነ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሎሚ ኣብ ዝወዓለ ዘተ ዝበዝሑ ተመሃሮ ካብ ሽወደንኛ ወጻኢ ዘለዉ መጻሕፍቲ ከም ዘየንብቡን ብኻልእ ቋንቋ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ምግዛእ ብዘይካ ክሳራ ካልእ ረብሓ ዘለዎ ዘይምዃኑ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ። ብኣንጻሩ እዚ ንብዙሕነት ባህሊ ሕብረተሰብ ሽወደን ዝጻረር …

Read More »

ኣካይዳ ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲ ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ ስደተኛታት ምውጻእ እዩ ክትብል ሓንቲ ሽወደናዊት ጋዜጠኛ ኣቃሊዓ።

ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲ ኣጋውሉ ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ ስደተኛታት ምውጻእ እዩ ክትብል ሓንቲ ሽወደናዊት ጋዜጠኛ ኣቃሊዓ። ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲ፥ እንተላይ ሚኒስተር ሲቪላዊ ጒዳያት ኣርዳላን ሺካራቢን ኣማኻሪ ኤስኪልስቱና ጂሚ ጃንሰንን ኣብ ቀረባ እዋን ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ስደት ክግብር ምጽውዖም ተፈሊጡ። ጋዜጣ ፎከስ ኣብ ዘውጽኣቶ ስፍሕ ዝበለ ጸብጻብ ላዕለዎት ሰብ መዚ እቲ ሰልፊ ነዚ ኣካይዳ ዘለዎም ደገፍ ምግላጾምን …

Read More »

ንኣፍቃሪቱ ዝቐተለ መንእሰይ 8 ዓመት ይፍረድ።

ቤትፍርዲ ሽወደን ንወዲ 18 ዓመት ሽወደናዊ ኣፍቃሪቱ ቀቲሉ ብዝብል ክሲ ሸሞንተ ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝበየነሉ ተፈሊጡ። መጋባእያ ያልቫረ ብዝየካዚ ንብጻዩ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲን ፋይናንሳዊ ካሕሳ ንስድራ ግዳያትን በዪኑ’ሎ። እዚ ገበን ኣብ መጋቢት ዝተፈጸመ ኮይኑ መዋቲት ኣብ ኖርሱደት እያ ተረኺባ። ስድራኣ ኣቐዲሞም ብዛዕባ ደሃይ ምጥፋኣ ንፖሊስ ሓቢሮም ምጽንሖም ድማ ተመልኪቱ። ግዳይ ብብዙሕ ማህረምቲ ፋስ ከም ዝተቐትለት ምርግጋጾም ኣብቲ ፍርዲ ተጠቒሱ።

Read More »

ሱዳንውያን ሰደተኛታት ኣብ ከተማ ዮተበሪ ኣንጻር ውሳኔ ኢመግረሽን ዝዓለመ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ከተማ ዮተበሪ ዝርከብ “ብዮተበሪ ስኰር” ዝተባህለ ቦታ፡ ንመበል ዕስታ መዓልቲ ዝቐጸለ ሰለማዊ ሰልፊ ቀጺሉ ውዒሉ። ምስ ምውዳቕ ስርዓት ኣልበሺር ኩነታት ሱዳን ናብ ንቡርን ውሑስን ኩነታት ተሰጋጊሩ ይርከብ፡ ዝብል ብክፍሊ ኤሚግሬሽን ዝወጸ ውሳኔ ንሕቶ ዑቕባ ሱዳናውያን ዝጸሉ ስለዝኾነ ድማ እዮም ኣንጻር እዚ ውሳኔ ተቛውሞኦም ዝቕጽሉ ዘለዉ። እዞም ሰልፈኛታት መሰሎም ክሕለወሎም ዝኽእል ኣማራጺ (ከም ፖለቲካዊ ዑቕባ) ኣብ ሽወደን ክፍጠረሎም ይሓቱ። እዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com