Saturday , May 18 2024

ስራሕን ቁጠባን

ኣብ ሽወደን፡ ክፍሊት መልዕሎ (ጡሮታ) ዝተፈላለየ እዩ ተባሂሉ

ኣብ ሽወደን፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብዚ ሃገር ዝተወልዱን ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወልዱ ጡረተኛታት፡ ዝረኽብዎ  ናይ መልዕሎ ደሞዝ፡ ኣዝዩ ከምዝፈላለ ሓደ መርመራዊ ጸብጻብ ጋዜጠኝነት ምርኩስ ዝገበረ ሓበሬታ ብምውካስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣከፋፍላ ደሞዝ መልዕሎ፡ ኣብ መንጎ እዞም ዝተጠቕሱ ጡሮተኛታት፡ ብውሑዱ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ክሮነር ፍልልይ ከምዘሎን፣ በዚ ኸኣ በዓል መዚ ጉዳያት ጡረታ ሽወደን፡ በቲ ፍልልይ ከምዝተገረመ እቲ …

Read More »

Read More »

ቻይና፡ ጎነጻዊት ትኸውን ኣላ ክትብል፡ ኣመሪካ፡ ትኸስስ

ቻይና፡ ኣብ ዘቤታዊ ጒዳያታ፡ ጨቋኒት፡ ኣብ ወጻኢ ጉዳያታ ኸኣ፡ ጎነጻዊት፡ እናኮነት ትመጽእ ኣላ ክብል ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ንቻይና ወቒሱ። ንሱ ምስ CBS News ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣመሪካ ንቻይና ክትዓግታ ከም ዘይትደሊ፡ እንተኾነ ግን፡ ኣህጒራዊ ሕጊ እናጠሓሰት ትም ኢላ ክትርእያ ከም ዘይሕሰብ ኣመልኪቱ። ክልቲኣተን ሃገራት፡ ኣብ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ ክኣትዋ ንኽልቲኣተን ከም ዘየርብሕ ገሊጹ። ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ብፍላይ ምስ …

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ ሽቕለት ኣልቦነት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዝሒ ናይቶም ካብ ስራሕ ንኽፋነዉ መጠንቀቕታ ዝተዋህቦም ሰራሕተኛታት፡ ክብ ከምዝበለን መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ግን ብውሑድ ከምዝጎደለን ሰሙናዊ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ሓቢሩ፡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 6800 ሰባት ሓድሽ ስራሕ ክረኽቡ እንከለዉ፡ 550 ድማ ናብ ኮርስ ተጸምቢሮም። ብኻልእ ወገን፡ 6 ሽሕ ሰባት ካብ ስራሕ ተሰናቢቶም። ከምውጽኢቱ፡ ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ካብ 428,400 …

Read More »

ኣዘራቢት ኮይና ዝጸንሐት ኮሚተ: ምርቋሕ ሽልማት ግራሚ: ተሰጒጓ

ኣዘራራቢ ኮይና ዝጸንሐት ኮሚተ ምርቋሕ ሽልማት ግራሚ ተሰጒ ኣወሃሃድቲ ሽልማት ግራሚ: ነቲ ብ ዓሎቕ፥ መድልዎን ዓሌትነትን ክኸስዋ ዝጸንሑ ስም ኣልቦ: ረቛሒት ሽማግለ ሽልማት ግራሚ: ከም ዝበተንዋ ተገሊጹ። ሬኮርዲን ኣካደሚ ነቶም ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ረቛሕቲ ኣባላት ጌሩ ናይ ዝመጽእ ዓመት ተዓወትቲን ተሰየምቲን ክመርጽ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዛይን ማሊ፥ ሃስሊን ዝመሰሉ ስነጥበበኛታት እዚ ናይ ሕርያ መስርሕ ዘይቅኑዕን ሌላን ጒሌላን ዘለዎ እዩ ክብሉ ቅሬታኦም ክገልጹ …

Read More »

ኩባንያ ፋይዘር፡ ክታበት ናይ ደቂ 12 ዓመት፡ ተቐባልነት ንኽረክብ ይጠልብ

ኩባንያታት ፋይዘርን ብዮንቴክን፡ ንፍርያቱ ዝኾነ ክታበት ኮቪድ-19፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ውን ንኽክተብዎ፡ ብኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ተቐባልነት ንኽረክብ ጠለቡ ከምዘቕረበ፡ ማዕከን ዜና AFP ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ነቶም ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ቆልዑ፡ ክታበት ፋይዘር ንኽውግኡ እንተድኣ ኣፍቂዱ፡ ኩባንያ ፋይዘር ብወገኑ፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ክታበት ከከፋፍል ዓቕሚ ከምዘለዎ ዋና …

Read More »

ሓድሽ ድልድል ዮቶቦሪ፡ ከቢድ ጉድለት ተረኺብዎ

ኣብ ልዕሊ ፈለግ ዮታ (Göta River) ተዘርጊሑ ዝርከብ ሓድሽ ድልድል ዮቶቦሪ፡ ከቢድ ናይ ንድፊ ጉድለት ስለ ዝተረኽቦ፡ ካብቲ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ መኽፈቲ ግዚኡ፡ ክናዋሕ ከምዝኸኣለ ጋዜጣ ዮቶቦሪ ፖስተን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሓደ ካብቶም ነቲ ድልድል ተሰኪሞም ዘለዉ ዓንድታት፡ ቅርጹ ከምዝቐየረን፡ እዚ ምልክት ድማ፡ እቲ ድልድል፡ መካይንን ኣውቶቡሳትን ክስከም ከምዘይክእል ዝሕብር ብምዃኑ፡ ካብቲ ተመዲብዎ ዝነበረ ናይ …

Read More »

Harmony News 30-04-2021

Read More »

ኬንያውያን ግዳያት መጥቃዕቲ ኤምባሲ ኣመሪካ መድልዎ ካሕሳ ገጢሙና ይብሉ።

ኬንያዊት ሰራሕተኛ፡ ዳያና ሙቲስያ፡ ቅድሚ 22 ዓመታት ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ናይሮቢ ብኣልቃዒዳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝቖሰለት እያ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ጒድኣት ዝወረዶም ኣመሪካውያን ካሕሳ ክቕበሉ እንከለዉ ንሳ ግና ምንም ዘይምርካባ ከም ዘጒሃያ ድማ ትገልጽ። እተን ክልተ ምፍንጃራት ከጋጥማ እንከለዋ ብስራሕ ጥቓ እቲ ኤምባሲ እያ ኔራ። በቲ ነትጒ ኣርባዕተ ምስኣ ዝነበሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ንሳ ውኖኣ ኣጥፊኣ ከም ዝወደቐትን ንሕክምና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ …

Read More »

ክታበት ኣስትራ ዘነካ ዝኣበዩ ሰባት፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ምዃኑ ተሓቢሩ

ነበርቲ ምምሕዳር ካልማር፡ ክሳብ ኣብ ቦታ ክታበት በጺሖም ንክኽተቡ ኣብ ወንበር ኮፍ ዝብሉ፡ እንታይ ዓይነት ክታበት ከምዝውግኡ ኣይፈልጡን እዩም። ኣብ እዋን ክትባት፡ ንክታበት ኣስትራ ዘነካ ይኹን ንኻልእ ዓይነት ክታበት ንኽውግኡ ምስ ዘይደልዩ፡ ናይ 200 ክሮነ፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ግዜ፡ ከምቲ ናይ ሕክምና ቆጸራ ምጥላም፡ ዘስዕቦ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ፡ ኮይኑ ስለዝቑጸር እዩ ክብል’ቲ ምምሕዳር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com