Sunday , May 19 2024

ስራሕን ቁጠባን

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 25 November 2020

Read More »

“ወጽዓ’ታ ህጻን” ዘርእስታ መጽሓፍ ክትገዝኡ እትደልዩ ሰባት፡ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱ

 ቴለ 0046765918587         0046764016638 Facebook. Tsegabrhan Goitom             Email. Tsegish52@gmail.com                                www.Emkulu.com

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 23 November 2020

Read More »

ኩባንያ ኣስትራዘኒካ፡ ልዑል ኣድማዕነት ዘለዎ ክታበት ኮሮና ከምዘፍረየ ኣቃሊሑ

ሽውደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ ኣስትራዘኒካ፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ብምዃን  ዘማዕበሎ ክታበት ኮሮና፡ ኣድማዕነቱ ክሳብ 70% ኮይኑ ከም እተረኽበ ሓቢሩ’ሎ። ዋና ተመራማሪ እዚ ኩባንያ፡ ዶክተር ኣንድሩ ፖላርድ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዞም ተመራመርቲ በቲ ውጽኢት ሑጉሳት ምዃኖምን ሕሙማት፡ ፍርቂ፡ ጸኒሖም ድማ ምሉእ ዶዝ ጸረ ኮሮና እንተተዋሂቦም ኣድማዕነት ናይቲ መድሃኒት ናብ 90% ክብ ክብል ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 20 November 2020

Read More »

ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ጸላም ዓርቢ (Black Friday) ብኣግኡ ጀሚራ

ኣብ ሽወደን፡ ብስም ጸላም ዓርቢ (Black Friday) ዝፍለጥ እዋን፡ ዓመታዊ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር እትርከብ ዓርቢ ከምዝውዕል ይፍለጥ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንግዳውያን ትካላት፡ ዋጋታት ትሕዝቶአን ኣሕሲረን ዘቕርባሉ እዋን ኮይኑ ክሳብ ሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ እዩ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን፡ ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ገለ ንግዳውያን ትካላት፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚረን ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ወላ’ኳ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ንጽቕጥቅጥን …

Read More »

ብምኽንያት በዓል ልደት፡ ኣብ ዕዳጋታት ጽቕጥቅጥ ከይበዝሕ፡ መንግስቲ፡ የጠንቅቕ

ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ልደት፡ ከም ዝሓለፉ በዓላት ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት እዩ ክብል ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ሽወደን፡ ኢብራሂም ባይላን፡ ገሊጹ። መልእኽተይ ሓጻር ኢያ፡ ኣብ ዕዳጋታት ዝፍጠር ጽቕጥቅጥ ክውገድ እንተዘይተኻኢሉ፡ ናብ ዕዳጋታት ምኻድ ነቋርጽ፡ ክብል፡ ባይላን፡ ከምዝገለጸ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ሚኒስተር ባይላን፡ ምስ ማሕበር ሰራሕተኛታት ንግዲ ብምርኻብ፡ ሰባት፡ ኣብ እዋን በዓል …

Read More »

ኩባንያ ኢክያ፡ ንሰራሕተኛታቱ ናይ 14 ሽሕ ክሮነር፡ ህያብ ክህብ ወሲኑ

ዓርሞሾሽ ኩባንያ ኢክያ፡ ብምኽንያት በዓል ልደት፡ ነቶም ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ኣብ ጨንፈር Ingka ዝሰርሑ ሰራሕተኛታቱ፡ ንነፍሲ ወከፎም፡ 13 ሽሕን 780 ክሮነር ብመልክዕ ህያብ፡ ክኸፍል ከምዝወሰነ ብምሕባር፡ ጠቕላላ ድምር ክኸፍሎ ወሲኑ ዘሎ ገንዘብ ልዕሊ 1 ቢልዮን ክሮነር ክኸውን እዩ ክብል ከምዝሓበረ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ። እዚ ህያብ ዝምልከቶም ሰራሕተኛታት፡ ኣብቲ ጨንፈር ብውሑዱ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝሰርሑ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ህያብ ምስ …

Read More »

ትሑት እቶት ዘለዎም ሰባት፡ ብኮሮና ናይ ምሟት ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ

ማእከል ሕማማት ለበዳን ማሕበራዊ መድሃኒትን ኣብ ዘውጽኦ ናይ ቀረባ እዋን መጽናዕቲ፡  መጠን ኣታዊ ናይ ሓደ ሰብን ዝነብረሉ ቦታን ንመልከፍቲ ኮሮና ናይ ምቅላዕ ተኽእልኡ ከምዝጸልዎ ሓቢሩ። ትሑት ኣታዊታት ዘለዎም፡ ምስ ልዑል ኣታዊታት ዘለዎም ሰባት ክነጻጸሩ እንከለዉ፡  ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝልዕል፡ ናይ ምሟት ተኽእሎ ከም ዘለዎም ነቲ መጽናዕቲ ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መጠን ኣታዊታት፡ ክሳብ ክንድዚ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ከም …

Read More »

ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ናይ 5 ኣብያተ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኦፕሳላ፡ ለበዳ ኮሮና ተራእዩ

ሓሙሽተ ሓፈሻዊ ኣብያተ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኦፕሳላ፡ ብሰንኪ ዘጋጠመን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ብሕጽረት ሰራሕተኛታት ይሳቐያ ምህላወን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኤሪክስበሪስኮላን (Eriksbergsskolan) ሓንቲ ካብተን በዚ ለበዳ ዝተጠቕዓ ኮይና፡ ብውሕዱ ሓደ ሲሶ ካብ ሰራሕተኛታታ ብኮሮና ተለኺፎም ካብ ስራሕ ኣብኲሮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ናብ ስርሐይ ክኸይድ እንከለኹ፡ ህይወተይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘለኹ እዩ ዝመስለኒ፡ ብጣዕሚ ዘርዕድ ኩነታት እዩ! ክብል ቶማስ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com