Monday , May 13 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ሩስያ: ፍሉይ ዝሕብሮም ኣኻልብ ኣቓልቦ ይስሕቡ።

ኣብ ሩስያ ፍሉይ ድሙቕ ሕብሪ ዘለዎም ዋና ኣልቦ ኣኻልብ ኣቓልቦ ይስሕቡ ምህላዎም ተገሊጹ። እዞም ኣኻልብ ኣማኢት ኪሎ ሜትራት ተረሓሒቐን ኣብ ዝርከባ ማእከላት ኢንዱስትሪ እዮም ነዚ ፍሉይ ሕብሪ ዘለዎ ጸጒሪ ከብቊሉ ተራእዮም ዘለዉ። ተመራመርቲ ሩስያ ነዚ ሚስጥራዊ ተርእዮ ንምፍታሕ ኣብ ምፍታ ምህላዎም ቢቢሲ ሓቢራ’ላ። ሸውዓተ ዋና ኣልቦ ኣኻልብ ሰማያዊ ዝሕብሩ ጸጒሪ ኣብቊሎም ካብ ሞስኮ 370 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ጥርሙዝ …

Read More »

ኣመሪካ: ነባሪት ኣላስካ ብድቢ ትጥቃዕ

ሓንቲ ተቐማጢት ኣላስካ ኣብ ዓይኒ ምድሪ እናሃለወት ብድቢ ከም እተጠቕዐት ገሊጻ። ሻኖን ስቲቨንስ ኣብ ቀላይ ቺልካት ዝርከብ ምሕድግ ዝበለ ቤት ዓይኒ ምድሪ እናተጠቕመት ብዝገጠማ መጥቃዕቲ ድቢ ኣብ መቐመጫኣ ከም ዝቘሰለት ገሊጻ’ላ። ንሳ ምስ ኣእወየት ሓዋ ከም ዘድሓናን ኣብቲ ዓይኑ ምድሪ ርእሲ ድቡ ምርኣዩን ገሊጹ። እንተኾነ እቲ ቊስላ ካብ መንከስቲ ድዩ ወይስ ምብሕጫር ከረጋግጽ ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ። ንሳ ቀዳመ ሰንበት ምስ …

Read More »

ኪም ካርዳሽያን ን በዓልቤታ ራፐር ካይነ ዌስት ክትፈትሖ እያ

ብመሰረት ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን ኣመሪካ ኪም ካርዳሽያን ንበዓል ቤታ ደራፋይ ራፕ ካይኔ ዌስት ንምፍታሕ ክሲ ኣቕሪባ ኣላ። እዞም ጽምዲ ንሽውዓተ ዓመታት ኣብ ዝጸንሐ ሓዳሮም ኣርባዕተ ቈልዑ ከም ዘፍረዩ እተን ማዕከናት ዜና ይሕብራ። እዞም ጽምዲ ሓዳሮም ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብፍላይ ብዙሕ ዘይምቅዳው ከም እተራዮን እብዚ እዋን ናብ ፍትሕ የምርሕ ምህላዉን ፈለማ ዝጸብጸበ TMZ ኒውዝ ዝተባህለ ማዕከን ዜና እዩ። 40 ዝዕድሜኣ ካርዳሽያን …

Read More »

ስዑዳዊት ኣክቲቪስት ሰብኣዊ መሰላት ሉጃይን ኣልሓጥሉል መዛረቢ ዓለም ትኸውን

ጓል 31 ዓመት ስዑዳዊት ኣክቲቪስት ሰብኣዊ መሰላት ሉጃይን ኣልሓጥሉ ካብ 2018 ንደሓር ብመንግስቲ ስዑዲያ ተኣሲራ ድሕሪ ምጽናሕ ከም እተፈትሐት ስድራቤታ ብረቡዕ ገሊጾም። ሓጥሉል ኣብ 2013 እያ ስማ ክገንን ጀሚሩ። ንሳ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ደቀንስትዮ መክና ናይ ምምራሕ መሰለን ክኽበር ክትንቀሳቐስ ጀሚራ። ኣብ 2014 ኣብ ዶብ ስዑዲን ኢማራትን መኪና እናዘወረት ስለ እተረኽበት ናብ ማሕቡስ ወሪዳ 73 መዓልታት ምሕላፋን እዚ ተመኲሮ ድማ …

Read More »

ካሜሩን—3000 ብቦኮ ሓራም ዝተመዛበሉ ናይጀርያውያን ናብ መረበቶም ክምለሱ እዮም።

ካብቶም ብሰንኪ ግብረ ሽበራ ቦኮሓራም ካብ መረበቶም እተመዛሉ 103 ሽሕ ናይጀርያውያን እቶም 5 ሽሕ ናብ ዓዶም ክምለሱ ፍቓደኛታት ምዃኖም ካሜሮን ገሊጻ። ሰብመዚ ክልቲኣተን ሃገራት ማለት ናይጀርያን ካሜሮንን ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት ናይጀርያ እዞም ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ህይወት ክምለሱን ጸጥታኦም ንምውሓስን ተሰማሚዓ ኣላ። እቲ ምፍናው እዞም ተመዛበልቲ ኣብ 27 ለካቲት ክፍጸም ምዃኑ ካሜሩን ገሊጻ’ላ። እዞም ዝበዝሑ ካብ ዞባ ቦርኖ ከም እተመዛበሉ ዝንገረሎም …

Read More »

ገጣሚት ኣማንዳ ጎርማን መንእሰያት ክጽሕፉን ሓሳባቶም ክገልጹን ተተባብዕ።

ወዲ 17 ዓመት ዳርዬስ ጃክሰን ተሌቪዥን እናተዓዘበ ጓል 22 ዓመት ኣማንዳ ጎርማን ነታ እንድይቦ ጎቦ ዘርእስታ ኣብ ግጥማ ኣብ እዋን ምርካብ ስልጣን ጆ ባይደን ክትነባ ምስ ሰምዐ ብሓይሊ ቃላት እዛ ጸላም ኣመሪካዊት ኣመና ተዓዘመ። እዚ ኣብ ቪዥዋል ኣንድ ፐርፎርሚንግ ኣርትስ ስኩል ኣብ ግዝኣት ሴት ልዊስ ሚዙሪ ዝቕመጥ መንእሰይ ጃክሰን ” ታሪኻዊት” እዋን ምንባራ ይጠቅስ። እዛ ግጥሚ ጎርማን ብቴሌቪዥን ካብ እተመሓለላፍ …

Read More »

ሱዳን–ስእሊ ሚካኤል ኣንጀሎ ብዙሕ ስንባደ ይፈጥር።

እቲ ንሱዳን ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዝመርሐ መንግስቲ ኣልበሽር ብምፍራሱ ሱዳናውያን ዓብዪ ሓጎስ እኳ እንተተስምዖም እዚ ዴሞክራስያዊ ሰውራ ገለ በዳህቲ ክርክራት ይገጥሞ ምህላዉ ተገሊጹ። ካብዚ እቲ ቀንዲ እንታይ ዓይነት ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ሱዳን ይተኸል ዝብል ኮይኑ ዛጊት ብፍላይ ካብ ሃይማኖተኛታት እታ ሃገር ከቢድ ብድሆን ክትዕን ይገጥሞ ኣሎ። ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ደጋፊ ኣልበሽብር ምዃኑ ዝፍለጥ ኢማም ኣብ ሰላት ኣጁምዓ ኣብ ካርቱም ንሰገድቲ …

Read More »

ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ ምስ ትግራይ ምትእስሳር ኣሎኪ ብዝብል ማህረምቲን ምክልባትን ይበጽሓ።

ብብሕታ ኣብ ጋዜጠኝነት እትነጥፍ ሉሲ ካሳ ኣብታ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንበሪኣ እናሰርሐት ሰኑይ መዓልቲ ቤታ ከም እተዃሕኲሐ ትገልጽ። “ማዕጾ ምስ ከፈትኩዎ ሰለስተ ሰብኡት ብሓይሊ ደፊኦምኒ ንቤተይ ኣትዮም” ክትብል ሉሲ ን ቪኦኤ ገሊጻ። “መን ምዃኖም ወይ ካበይ ከም እተላእኩ ኣይገለጹን፥ ዝኾነ መለለዪ ወረቐት ወይ ናይ ቤት ፍርዲ ፍቓድ መፈተሺ እውን ኣየርኣዩንን..ብቕጽበት ቤተይ ምፍታሽ ጀሚሮም” ድማ ትብል። እዞም …

Read More »

ጉዳይ ፖሊሲ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ኣሜሪካ

ሓድሽ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ብ ኣህጒራዊ ጒጅለታት ረድኤት ናብ ስርሓት ምንጻል ጥንሲ ዘሳልጣ ትካላት ጥዕና ዝፈስስ ዝነበረ ንዋይ ደጊሙ ምኽፋቱ ተጣበቕቲ ጾታዊን መፍረኣዊን ጥዕና ብሓጎስ ከም እተቐበልዎ ተገሊጹ። ኣብ 2017 ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ነዘን ጸረ ጥንስን ውሑስ ምብርዓን ጥንሲን ዝህባ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ዘውሕዞ ዝነበረ ንዋይ ብምዕጋቱ እዘን ትካላት ክዕጸዋ ተጌረን ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ። ሓላፊት …

Read More »

ወኪል ስለያ ደቡብ ኣፍሪቃ: ብብልሽዋና ይኽሰስ

ወኪል ስለያ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረሲደንት እታ ሃገር ነበር ጃኮብ ዙማ ካብ መርመራ ብልሽውና ንምክልኻል ኣብ ዝግበሩ ዝነበሩ ስቱራት ስርሒታት ሚልዮናት ዶላራት ከም ዝባኸነ ቢቢሲ ገሊጻ። እዞም ክሲታት በቶም ኣብ መርመራ ብልሽውና ዝዋፈሩ ትካላት ዝወጹ ምዃኖም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ኣብዚ ክሲ ደያኑን ጋዜጣታትን እታ ሃገር እቱዋት ከም ዝኾና ወሲኹ ሓቢሩ። በዚ ድማ ፕረሲደንት ዙማ ነቲ ሃገራዊ ትካል ዝኾነ ወኪል ስለያ ናይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com