Friday , May 17 2024

ዜና

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ብርቱዕ ንፋስ ይረአ’ሎ።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሽወደን ብርቱዕ ንፋስ ይሸብብ ምህላዉ፡ ኣብ ያምትላንድ ኣብ ዝርከብ ስቴከንዮክ ድማ ፍጥነት እቲ ንፋስ ናብ ኣውሎ ንፋስ ደርጃ ምዕራጒ ተገሊጹ። ብሰሪ እዚ ብርቱዕ መሸንቦባ ኣግራብ ኣብ ልዕሊ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ጽርግያታትን ብምውዳቖም፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኽቋረጽ፥ ብርክት ዝበላ ኣባይቲ ኸኣ ብዘይ ጸዓት ኤሌክትሪክ ክጸንሓ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። እቲ ኢንጉን ተባሂሉ ዝተሰየመ ህቦብላ፡ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ብኖርወይ ኣቢሉ እዩ ዝመጽእ …

Read More »

ሰለስተ ፈነወ ቋንቋታት ሬድዮ ሽወደን ክዕጸዋ እየን

ኣብ ሬድዮ ሽወደን ሰለስተ ጉጅለ ቋንቋታት ጸጋታት ገንዘብ እቲ ትካል ንምቚጣብ ብዝብል ምኽንያት ክዕጸዋ ተወሲኑ። እዘን ፕሮግራማት ኣገልግሎት ቋንቋ ኩርድ፣ ሩስያን ትግርኛን ኮይነን፡ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ መጋቢት ክዕጸዋ እየን። ሬድዮ ሽወደን ብሰንኪ ወሰኽ ወጻኢታት ልዕሊ 225 ሚልዮን ክሮና ክቚጥብ መደብ ኣውጺኡ ምህላዉ፡ እዚ ውሳነ ድማ ኣካል ናይዚ ትግበራን ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ኣብ እዋን ሕርሲ ህርመት ልቢ ኣደ ምክትታል፡ ጉድኣት ሓንጎል ድቂ ብዓቢኡ ከም ዝንክዮ ተረጋጊጹ

ኣብ እዋን ሕርሲ ህርመት ልቢ ኣደ ምክትታል፡ ኣብ ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት ንዝፍጠር ሕማም ሓንጎል ብዓቢኡ ከም ዝንክዮ ኣብ ፊንላንድ ዝተኻየደ ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። እዚ ርኽበት ነቲ ብሰፊሑ ዝሰፈነ ምክትታል ህርመት ልቢ ድቂ እዂል እዩ ዝብል ሓሳብ ዝፈታተን ኮይኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ህርመት ልቢ እታ ኣደ ተመሳሳሊ ምክትታል እንተዘይተጌሩሉ ድቂ ብ ሕጽረት ኦክስጅን ክጒዳእ ይኽእል እዩ ክብል እቲ መጽናዕቲ ኣጣሊሉ’ሎ። እቲ …

Read More »

1000 ሽወደናውያን ስነጥበባውያን እስራኤል ካብ ዩሮቪዥን ክትእገድ ይጽውዑ

ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሽወደናውያን ስነጥበባውያንን ደረፍትን “ሕብረት ፈነወ ኤውሮጳ” ንእስራኤል ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ዝካየድ ውድድር ደርፊ “ዩሮቪዥን” ክትግለል ዝጽውዕ ደብዳበ ክታሞም ኣንቢሮም። እቲ መደብ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ከተማ ማልሞ ዝመጽእ ግንቦት ክካየድ መደብ ተታሒዙ’ሎ። ኣቐዲሞም ኣብ ዩሮቪዥን ብምውድዳር ኦኣብዪ ዝና ዝረኸቡ ከም እኒ ኤሪክ ሳዓደን ማሌና ኤርንማንን ዝኣመሰሉ ሽወደናውያን ዝርከብዎም ስነ-ጥበባውያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንሩስያን ቤላሩስን ካብቲ ውድድር ክእለያ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብልሽውና ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ሽወደን ኣብ ዓመታዊ ደረጃ ኣህጒራዊ ርድኢት ተሓታትነት ብልሽውና ዝጸንሓ ደረጃ ትሕት ምባሉ ተገሊጹ። እቲ መዐቀኒ ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ዝረአ ዘሎ ብልሽውና መንግስታዊ ጽላት ሓፈሻዊ ዝርዝር ዝህብ እዩ። ሽወደን ካብ 100 82 ነጥቢ ብምምዝጋባ ካብ ሃገራት ኖርዲክ ካልኣይ ዝተሓተ ደረጃ ሒዛ’ላ። ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም ክነጻጸር ከሎ ግን ሽወደን ሕጂ’ውን ኣብ ልዑል ደረጃ እትርከብ ሃገር እያ። ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 31 ጥሪ 2024

Read More »

ምስ ጽሩብ እምኒ ዝተኣሳሰር ሓደጋታት ጥዕና ሰራሕተኛታት ክምርመር ጻውዒት ቀሪቡ

ን ምድርቤት ክሽነን ዓይኒ ምድሪን ኣዝዩ ዝምረጽ ጽሩብ እምነ በረድ፡ ኣብ ቦታታት ስራሕ ከስዕቦ ዝኽእል ስግኣታት ድሕነት ክምርመር “ማሕበራትን ክኢላታትን ጥዕና ሽወደን” ይጽውዑ’ለዉ። እዚ ጽሩብ ኣእማን፥ ኣብ ስራሕ ምንጻፍ ምድሪቤትን ካልእ ክፋላት ክሸነን ምስ ዝነጥፉ ኣውስትራልያውያን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተረጋጊጹ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ሽወደን ምስዚ ስራሕ ዝተኣሳሰር ናይ ሲሊኮሲስ ተርእዮ ኣይተረኽበን። “ሰባት ምሕማሞም ዝበጻሕናዮ ጸብጻብ እኳ እንተዘይብልና፡ እዚ ጨሪሱ ስግኣት ኣይኮነን ኣብ …

Read More »

ፊንላንድ፥ ትምዩን ኣቕራሽ ዩሮ ወሰኽ የርኢ

ኣብ ዓመት 2023፡ ኣብ ዕዳጋ ዝዝውር ትምዩን ኣቕራሽ ዩሮ ወሰኽ ከምዘርኣየ፡ ዛጊት ሰብመዚ 653 ትምዩን ኣቕራሽ ኣብ ዕዳጋ ከምዘለዉ ምልላዮምን ተሓቢሩ። እዚ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረኽበ 469 ትምዩን ዩሮ ሒደት ወሰኽ ከም እተራእየ ዘመልክት ኮይኑ፥ ትምዩን ገንዘብ ንምእላይ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ቀጻኢ ንቕሓት ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ተባሂሉ’ሎ። መብዛሕትኦም እቶም ዝተረኽቡ ናይ ሓሶት ኖት ናይ 20 ዩሮ ኮይኖም፡ ብድምር 364 …

Read More »

ጀርመን ካልእ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣድማ ዓርቢ ክትዕዘብ እያ።

ጀርመናዊ ማሕበር ቨርዲ፡ ነቲ ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ዝዓበየ ቁጠባ ጀርመን ብኣሉታ ዝጸሉ ኣድማ ህዝባዊ መጓዓዝያ ውሽጢ ዓዲ ክካየድ ዝሓለፈ ዓርቢ ጸዊዑ። ኣብ ኩለን ፌደራላዊ ኣውራጃታት ልዝብ ደሞዝ ውጽኢት ዘይብሉ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ ኣብ ልዕሊ ኣስራሕቲ ዝያዳ ጸቕጢ ዝግበረሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ ክትብል ምክትል ፌደራላዊ ኣደ-መንበር ቨርዲ ክርስቲን ቤህለ ትማሊ ሶኑይ ኣብ በርሊን ገሊጻ። ልዕሊ 90 ሽሕ ሰራሕተኛታት፥132 ኣውቶቡሳት፣ ትራምን ኣገልግሎት ገለርያን …

Read More »

ፖሊስ ማልም “ኣኽላባት ክቐትሉ ዝደልዩ ሰባት ኣለዉ”

ኣብ ማልሞ ኣኽላባት ንምጉዳእ ዝግበር ፈተነታት ይቕጽል ኣሎ። ዘወርቲ ኣኽበርቲ ጸጥታ ትማሊ ሰኑይ ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ በሊሕ ቁራጽ ሓጺን እተስጎዶ ባኒ ምርካቦም ድሕሪ ምግላጽ ንዙረት ምስ ከልቦም ዝወጹ ሰባት ከኣ ንቑሓት ክኾኑን ኣጠንቂቖም ኣለዉ። “እዚ ብምግባር ንኣኽላባት ክጎድኡ ወይ ክቐትሉ ዝፍትኑ ሰባት ኣለዉ” ክብል ወሃቢ ቃል ፕረስ ፖሊስ ማልሞ ኒልስ ኖርሊንግ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com