Saturday , May 4 2024

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ብርቱዕ ንፋስ ይረአ’ሎ።

Credit: Henrik Montgomery/TT

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሽወደን ብርቱዕ ንፋስ ይሸብብ ምህላዉ፡ ኣብ ያምትላንድ ኣብ ዝርከብ ስቴከንዮክ ድማ ፍጥነት እቲ ንፋስ ናብ ኣውሎ ንፋስ ደርጃ ምዕራጒ ተገሊጹ። ብሰሪ እዚ ብርቱዕ መሸንቦባ ኣግራብ ኣብ ልዕሊ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ጽርግያታትን ብምውዳቖም፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኽቋረጽ፥ ብርክት ዝበላ ኣባይቲ ኸኣ ብዘይ ጸዓት ኤሌክትሪክ ክጸንሓ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። እቲ ኢንጉን ተባሂሉ ዝተሰየመ ህቦብላ፡ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ብኖርወይ ኣቢሉ እዩ ዝመጽእ ዘሎ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ብተመሳሳሊ ዜና ካብ ውዕይ ዝበለ ክሊማ ዘለወን ሃገራት መጺኦም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ሰራሕተኛታት ምስ ዝሑል ክሊማ ሽወደን ንምውህሃድ ዝተፈላለየ ሜላታት ይጥቀሙ ምህላዎም ተመልኪቱ። ላክሽማን ካሱን ዝሓለፈ ሕዳር እዮም ካብ ሲሪላንካ ናብ ሽወደን ኣትዮም፡፡ ጎድና ጎድኒ ቀንዲ ስርሖም ከኣ ኣብ ዕደላ መግቢ ይነጥፉ ኣለዉ። እተን ዝቖጸራኦም ትካላት ዕደላ መግቢ ከም ረጒድ ጃኬትን ዝናብ ዝከላኸል ጎማ ዝበሉ ኣልባሳት ከም ዝህባኦም ይገልጽ። ርግጽ’ዩ እቲ ክዳውንቲ ኩሉ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ክንድቲ ዝድለ ሙቐት ዝህብ ከም ዘይኮነ ግና ይዛረቡ። “ናብ ሽወደን ካብ ዝኣቱ ብዙሕ ብዘይምግባረይ እዚ ኲነታት ኣየር ክብድ ይብለኒ እዩ” ይብል ላክሽማን ብዛዕባ እቲ ቀዝሒ ዛሕሊ ክረምቲ ድሕሪ ምልዓል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com