Friday , April 26 2024

ኩነታት ኣየር

ኣገልግሎት ክሊማ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ

ኣገልግሎት ክሊማ ሽወደን SMHI ኣብ ሰፊሕ ከባቢ ማእከላይን ደቡባውን ሽወደን በረድን ሓያል ንፋስን ክህሉ ምዃኑ ብምምልካት መጠንቀቕታ ኣውጺእ። እቲ ተመሓላሊፉ ዘሎ መጠንቀቕታ ብጫን ኣራንሺን እዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ክሳብ 30 ሴንቲ ሜተር ዝርጒዱ በረድ ክወርድ ትጽቢት ኣሎ። እቲ ኩነታት ኣየር ንጽርግያ ዘይምቹእ ክገብሮ ስለዝኽእል ፡ መራሕቲ መካይን ክጥንቀቑ ኣብ SMHI ክኢላ ሜትሮሎጂ ማግዳሌና ፎለስታድ ኣተሓሳሲባ’ላ

Read More »

ፊንላንድ፥ ክሊማን ኣድማታትን በዳሂ ኲነታት ይፈጥሩ

በዳሂ ኩነታት ኣየርን ኣድማታት ህዝባዊ መጓዓዝያን ተደሚሮም፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ደቡባዊ ክፋላት ፊንላንድ ንዝርከቡ ተጓዓዝቲ ሽግር ምፍጣሮም ዋይኤል ጸብጺባ። ኣብ YLE ተመራማሪ ሜትሮሎጂ ኤልያስ ፓካነን መራሕቲ መካይን ብዛዕባ ምስጋድ ትራፊክን ኩነታት ጽርግያን ሓድሽ ሓበሬታ ክከታተሉ ኣተባቢዑ ትማል ሰሉስ ኣተሓሳሲቡ እዩ፡፡ ብኣንፈት ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዝመጽእ ኲነታት ኣየር ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ከባቢታት ካብ 5–15 ሴንቲ ሜተር ዝርጒዱ ውርጪ ከውርድ ከም …

Read More »

ኖርወይ፥ ሓንቲ መንእሰይ ብመንደራጋሕ በረድ ተቐቲላ

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፥ ምስ ከልባ ንዙረት ወጺኣ ዘይተመልሰት ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ ትሮምሶ ወጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ፊንቪክዳለን ድሕሪ ዘጋጠመ ውሕጅ ሞይታ ከም ዝተረኽበት ፖሊስ ኣረጋጊጾም። ኣትላስ ዝስሙ ከልባ እውን በቶም ኣብ እምባታት በረድ ኲዕታ ዘካይዱ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ሞይቱ ተረኺቡ’ሎ። ስድራቤት ጓል 26 ዓመት ካያ ብራትሊ ጉንደርሰን ትማሊ ምሸት ካብቲ ጉዕዞ ክትምለስ ብዘይምኽኣላ ደሃያ ከምዝጠፍአት ሓቢሮም ነይሮም። ፖሊስ ኣብ …

Read More »

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ብርቱዕ ንፋስ ይረአ’ሎ።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሽወደን ብርቱዕ ንፋስ ይሸብብ ምህላዉ፡ ኣብ ያምትላንድ ኣብ ዝርከብ ስቴከንዮክ ድማ ፍጥነት እቲ ንፋስ ናብ ኣውሎ ንፋስ ደርጃ ምዕራጒ ተገሊጹ። ብሰሪ እዚ ብርቱዕ መሸንቦባ ኣግራብ ኣብ ልዕሊ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ጽርግያታትን ብምውዳቖም፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኽቋረጽ፥ ብርክት ዝበላ ኣባይቲ ኸኣ ብዘይ ጸዓት ኤሌክትሪክ ክጸንሓ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። እቲ ኢንጉን ተባሂሉ ዝተሰየመ ህቦብላ፡ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ብኖርወይ ኣቢሉ እዩ ዝመጽእ …

Read More »

ኣብ ሆርቢ ዕልቕልቕ ተኸሲቱ

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ስካን ኣብ እትርከብ ቁሸት ሆርቢ፡ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ዝተባህለሉ ዕልቕልቕ ዝናብ ተኸሲቱ። ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኩነታት ኣየር ሽወደን SMHI ንልዑል መጠን ማይ ብምልከት ዝወጸ ኣራንሾኒ ዝሕብሩ መጠንቀቕታ ንዝተረፈ መዓልቲ ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣብቲ ብዕልቕልቕ ዝተሃስየ ከባቢ ጽባሕ ዓርቢ ተወሳኺ ዝናብ ክዘንብ ትጽቢት ምህላዉ፥ በዚ ድማ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኩነታት ኣየር ሽወደን ዝለዓለ …

Read More »

ህቦብላ ኢሻ ንሽወደን ኣጥቂዑ

ትካል ክሊማ ሽወደን ኣስታት ን ህቦብላ ኢሻ ምኽንያት ብምግባር 30 መጠንቀቕታታት ኩነታት ኣየር ኣውጺኡ፡፡ ህቦብላ ኢሻ ናብ ሽወደን ከቢድ ዝናብ፡ ህቦብላን ዕልቕልቕን ሒዙ ምምጽኡ እቲ ትካል ኣጠንቂቑ’ሎ። እዚ ህቦብላ ዘምጽኦ ዕልቕልቕ፣ ብርቱዕ ንፋስ፣ መሸንቦባን በረድን ዝበዝሖ ጽርግያታትን ድሮ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ንህዝባዊ መጓዓዝያ ጸገም ፈጢሩ’ሎ። እዚ ህቦብላ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር–ስኮርና–ብርክት ዝበለ ጒዕዞ ባቡርን ኣውቶቡሳትን ንኽስረዝ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። …

Read More »

ሚኒስተር ክሊማ ሽወደን ካብ ድምጺ ዘይምትእምማን ድሒና

ካብ ዜናታት ክሊማ ከይወጻእና ኣባል ሊበራላዊ ሰልፊ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ክሊማን ኣከባብን ሮሚና ፑርሞክታሪ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ሎሚ ኣብ ባይቶ ሽወደን ካብ ዝተዋህበ ናይ ዘይምትእምማን ድምጺ ድሒና ወጺኣ’ላ። እቲ ብሰልፍታት ማእከልን ሓምለዋይን ዝቐረበን ብጸጋማዊ ሰልፊ ዝተደገፈን እማመ፡ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ካብ ድምጺ ምስተቖጠቡ፥ ሰለስቲኦም ሰልፍታት መንግስቲን ዲሞክራስያውያን ከኣ ኣንጻር ድምጺ ድሕሪ ምሃቦምን ብቐሊሉ ተነጺጉ’ሎ። ሰለስቲአን ተቓወምቲ ውድባት፡ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ሓጺር …

Read More »

በረድን መሸንባቦን ኣብ ትራፊክ ጸገም ዘስዕብ

ብርቱዕ በረድን ብርቱዕ ንፋስን ኣብ ገለ ከባቢታት ማእከላይን ደቡብን ሽወደን ምዝንባዕ ትራፊክ የስዕብ ኣሎ። ሃገራዊ ማእከል ሜትሮሎጂ (SMHI) ኣብ ዮትላንድ ዝተራእየ ብርቱዕ በረድን መሸንቦባን ዝምልከት ሓያሎ መጠንቀቕታታት ኩነታት ኣየር ኣውጺኡ’ሎ። ካብን ናብን ደሴታት ባልቲክ ዝብገሳ ጀላቡ ንዝተረፈ ሰዓታት እዛ መዓልቲ ተሰሪዘን ኣለዋ።

Read More »

ኣብ ሽወደን ኣብ እዋን ክረምቲ መኪናኻ ክትውር እንታይ ምድላው የድልየካ?

ኣብ ዞባ ኖርዲክ ንኻልኣይ መዓልቲ ብተኸታታሊ ዛሕሊ ትሕቲ 40ºC ብምውራዱ፡ ኣብ ሽወደን ኣብዚ ወርሒ ን 25 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ መጠን ዛሕሊ ተባሂሉ ክብረወሰን ሒዙ፡፡ ኣብ ላፕላንድ ሽወደን ኣብ እትርከብ ክቪክጆክ-ኣረንጃርካ፡ ዛሕሊ ነጋቲቭ 43.6 ºC ወሪዱ’ሎ። እዚ ድማ ድሕሪ 1999 ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብታ ሃገር ተራእየ ዝዘሓለ ኣሃዝ ምዃኑ ማዕከን ዜና ቲቲ ሽወደን ሓቢራ። ብኻልእ መዳይ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን …

Read More »

ሽወደን ናብ “ከባብያዊ ሰላም “

ኣብዚ ሰሙን “ከባቢ ሰላም” ዝብል ሓረግ ኣብ ዓመታዊ ፎረም ሰላምን ልምዓትን ስቶክሆልም ፍሉይ ኣተኲሮ ተዋሂብዎ ምንባሩ ተገሊጹ። እዚ ፎረም ብ ምትሕግጋዝ ትካል መጽናዕቲ ኣህጒራዊ ሰላም ስቶክሆልም፡ ከምኡ’ውን ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ዝተኻየደ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ኣረዲኣ። ኣብዚ ሎሚ እዋን “ድሕነት” ኣዝዩ ሰፊሕ ኣምር ምዃኑ ዳይረክተር ትካል መጽናዕቲ ኣህጒራዊ ሰላም ስቶክሆልም ዳን ስሚዝ ገሊጹ’ሎ። “እዚ ናይ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ህዝቢ’ውን ጒዳይ እዩ” ክብል ዳን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com