Sunday , May 5 2024

ፊንላንድ፥ ክሊማን ኣድማታትን በዳሂ ኲነታት ይፈጥሩ

Foto: Stian Lysberg Solum / NTB

በዳሂ ኩነታት ኣየርን ኣድማታት ህዝባዊ መጓዓዝያን ተደሚሮም፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ደቡባዊ ክፋላት ፊንላንድ ንዝርከቡ ተጓዓዝቲ ሽግር ምፍጣሮም ዋይኤል ጸብጺባ። ኣብ YLE ተመራማሪ ሜትሮሎጂ ኤልያስ ፓካነን መራሕቲ መካይን ብዛዕባ ምስጋድ ትራፊክን ኩነታት ጽርግያን ሓድሽ ሓበሬታ ክከታተሉ ኣተባቢዑ ትማል ሰሉስ ኣተሓሳሲቡ እዩ፡፡ ብኣንፈት ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዝመጽእ ኲነታት ኣየር ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ከባቢታት ካብ 5–15 ሴንቲ ሜተር ዝርጒዱ ውርጪ ከውርድ ከም ዝኽእል ትንበያታት ኣለዉ ። ሰባት ኣብ ጽርግያታት ክትጥንቀቑ ከም ዝግባእ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ’ሎ። ብፍላይ ኣብቲ ዝለዓለ ትራፊክ ዝረኣየሉ ሰዓት ሸሞንተ ንግሆ ምስጋድ ክኽሰት ይኽእል እዩ” ክብል ፓክነን ርእይቶኡ ሂቡ’ሎ። ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ክፋላት እታ ሃገር ብርቱዕ ውርጪ ክወድቕ ምዃኑ ድማ ግምቱ ኣቐሚጡ’ሎ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ጽላታት ህዝብን ድሕነትን (JHL) ሎሚ ኣብ ሄልሲንኪ፡ ታምፐረን ቱርኩን ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝዘርግ ናይ ክልተ መዓልታት ፖለቲካዊ ኣድማ ይጅምር ኣሎ። ኣብተን ከተማታት ኣገልግሎት ሜትሮን ትራምን ክቕጽል እኳ እንተኾነ፡ ኣገልግሎት ኣውቶቡሳት ግና ሰፊሕ ምዝንባዕ ከጋጥሞ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ታምፐረ ዝርከብ ኦፕሬተር ማእከል ምሕደራ ትራፊክ ሳሚ ራይሃ ትምሊ ንዋይኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣድማ ርኡይ ምስጋድ መካይን ከስዕብ ትጽቢት ከምዘይብሉ ገሊጹ’ሎ። “ድሮ ናይ መጓዓዝያ ኣድማታት ኣጋጢሙና’ዩ፡ እንተኾነ ግና ሰፊሕ ጽቕጥቕጥ’ውን ኣየስዓበን። ብርግጽ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ክኽሰት ግምት እኳ እንተነበረ፡ ካብቲ ልሙድ ዝሕልፍ ምዝንባላት ክህሉ እዩ ዝብል ግምት የብለይን” ክብል ነቲ ናይ ህዝቢ ፈነወ ኩባንያ ኣረጋጊጹ’ሎ። ፓካነን ብተወሳኺ መጠን ሙቐት እንተወሓደ ክሳብ መወዳእታ ሰሙን ትሕቲ ዜሮ ክጸንሕ ምዃኑ ኣቃሊዑ። ተወሳኺ በረድ እውን ክመጽእ ትጽቢት ይግበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com