Saturday , May 4 2024

ኖርወይ፥ ሓንቲ መንእሰይ ብመንደራጋሕ በረድ ተቐቲላ

Photo: Maltesen, Copenhagen / Wikimedia Commons

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፥ ምስ ከልባ ንዙረት ወጺኣ ዘይተመልሰት ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ ትሮምሶ ወጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ፊንቪክዳለን ድሕሪ ዘጋጠመ ውሕጅ ሞይታ ከም ዝተረኽበት ፖሊስ ኣረጋጊጾም። ኣትላስ ዝስሙ ከልባ እውን በቶም ኣብ እምባታት በረድ ኲዕታ ዘካይዱ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ሞይቱ ተረኺቡ’ሎ። ስድራቤት ጓል 26 ዓመት ካያ ብራትሊ ጉንደርሰን ትማሊ ምሸት ካብቲ ጉዕዞ ክትምለስ ብዘይምኽኣላ ደሃያ ከምዝጠፍአት ሓቢሮም ነይሮም። ፖሊስ ኣብ ደሴት ክቫሎያ ኣብ ዝርከብ ፊንቪክዳለን መኪንኣ ድሕሪ ምርካቦም፡ እለሻ ከም እተተሓሓዝዎን ኣብ ትሕቲ በረድ ተቐቢራ ከም ዝረኸብዋን ገሊጾም ኣለዉ። ማንታ ሓፍቲ ጉንደርሰን እውን ኣብ 2020 ኣብ ሩባ ሳላንግሰልቫ ጥሒላ ብምሟታ እዚ መርድእ ነታ ካብ ባርዱ ዝመጸት ስድራቤት ኣዝዩ ከቢድ ምንባሩ ተገሊጹ። “እዛ ስድራ ካብ ዝሓለፈ መርድእ ገና ሓዘና ከይወድአት ዳግማይ ትራጀዲ ኣጋጢምዋ ኣሎ” ክብል ኣፈኛ እታ ስድራቤት ንመንግስታዊ ፈነወ ኤን.ኣር.ኬ ገሊጹ። ከንቲባ ከተማ ባርዱ ቶራልፍ ሄይምዳል፡ እቲ ሕብረተሰብ ነታ ስድራቤትን ፈተውታን ንምሕጋዝ ናይ ቅልውላው ጉጅለ ከምዘቖመ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com