Tuesday , May 7 2024

ኣብ ሆርቢ ዕልቕልቕ ተኸሲቱ

Credit: Ebba Granath/Sveriges Radio

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ስካን ኣብ እትርከብ ቁሸት ሆርቢ፡ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ዝተባህለሉ ዕልቕልቕ ዝናብ ተኸሲቱ። ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኩነታት ኣየር ሽወደን SMHI ንልዑል መጠን ማይ ብምልከት ዝወጸ ኣራንሾኒ ዝሕብሩ መጠንቀቕታ ንዝተረፈ መዓልቲ ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣብቲ ብዕልቕልቕ ዝተሃስየ ከባቢ ጽባሕ ዓርቢ ተወሳኺ ዝናብ ክዘንብ ትጽቢት ምህላዉ፥ በዚ ድማ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኩነታት ኣየር ሽወደን ዝለዓለ መጠንቀቕታ ኩነታት ኣየር ከውጽእ ይኽእል እዩ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com