Tuesday , May 7 2024

ሚኒስተር ክሊማ ሽወደን ካብ ድምጺ ዘይምትእምማን ድሒና

Credit: Christine Olsson/TT

ካብ ዜናታት ክሊማ ከይወጻእና ኣባል ሊበራላዊ ሰልፊ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ክሊማን ኣከባብን ሮሚና ፑርሞክታሪ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ሎሚ ኣብ ባይቶ ሽወደን ካብ ዝተዋህበ ናይ ዘይምትእምማን ድምጺ ድሒና ወጺኣ’ላ። እቲ ብሰልፍታት ማእከልን ሓምለዋይን ዝቐረበን ብጸጋማዊ ሰልፊ ዝተደገፈን እማመ፡ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ካብ ድምጺ ምስተቖጠቡ፥ ሰለስቲኦም ሰልፍታት መንግስቲን ዲሞክራስያውያን ከኣ ኣንጻር ድምጺ ድሕሪ ምሃቦምን ብቐሊሉ ተነጺጉ’ሎ። ሰለስቲአን ተቓወምቲ ውድባት፡ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ሓጺር ግዜ ዝሓንጸጾ ሸቶ ፈነወ በካሊ ጋዝ ክትስሕት ኣበርክቶ ክትገብር ትኽእል እያ ብምባል ኣብታ ሚኒስተር እምነት ከምዘይብሎም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com