Tuesday , May 7 2024

ኣብ ሽወደን ኣብ እዋን ክረምቲ መኪናኻ ክትውር እንታይ ምድላው የድልየካ?

Credit: Johanna Vikar/Trafikverket, Johan Nilsson

ኣብ ዞባ ኖርዲክ ንኻልኣይ መዓልቲ ብተኸታታሊ ዛሕሊ ትሕቲ 40ºC ብምውራዱ፡ ኣብ ሽወደን ኣብዚ ወርሒ ን 25 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ መጠን ዛሕሊ ተባሂሉ ክብረወሰን ሒዙ፡፡ ኣብ ላፕላንድ ሽወደን ኣብ እትርከብ ክቪክጆክ-ኣረንጃርካ፡ ዛሕሊ ነጋቲቭ 43.6 ºC ወሪዱ’ሎ። እዚ ድማ ድሕሪ 1999 ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብታ ሃገር ተራእየ ዝዘሓለ ኣሃዝ ምዃኑ ማዕከን ዜና ቲቲ ሽወደን ሓቢራ። ብኻልእ መዳይ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ደቀባት ሳሚ ዝነብሩላ ቁሸት ኒካሉኦክታ፡ ዛሕሊ ነጋቲቭ 41.6 ºC ኣመዝጊባ። እታ ዞባ ኣብ ላፕላንድ ዝርከብ ኮይኑ ካብ ሰሜናዊ ክፋል ኖርወይ ብሽወደንን ፊንላንድን ኣቢሉ ክሳብ ሩስያ ዝዝርጋሕ እዩ። ኣይዳ ዳህልስትሮም ካብ ትካል ሜትሮሎጂን ሃይድሮሎጂን ሽወደን፥ ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ሙቐት ለይቲ ነጋቲቭ 25–35 ºC ምብጽሑ “እቲ ቁሪ ንቕጽል ሰሙን ከምኡ ኢሉ ዝጸንሕ ከም ዝመስል” ቲቲ ጸብጺቡ’ሎ። እዚ ቀዝሒ በረድን መሸንቦባን ዝዓብለሎ ኲነታት ኣየር– ኣብ መላእ ዞባ ኖርዲክ ንዝነበረ መጓዓዝያ ሽግር ምፍጣሩ፡ ሓያሎ ድልድላት ክዕጸዉ፡ ገለ ኣገልግሎታት ባቡርን ጃልባን ድማ ደው ክብሉ ጌሩ እዩ። ኣብ ፊንላንድ፡ ኩነታት ኣየር ኣብ መላእ ሃገር ዝሑል ኮይኑ ክቕጽል ምዃኑን፡ ኣብ ሰሜን ድማ ሙቐት ክሳብ ነጋቲቭ 35 ºC ክወርድ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብርቱዕ ንፋስን በረድን ኣብ ሰሜናውን ምዕራባውን ክፋላት ደንማርክ ኣብ ዝሃረመሉ ዘሎ እዋን፡ ፖሊስ እታ ሃገር መራሕቲ መካይን ካብ ዘየድሊ መገሻታት ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ዝሓለፈ ረቡዕ ብሰንኪ እተኸስተ ብርቱዕ በረድን መሸንቦባን፡ ኣስታት ሓደ ሽሕ መካይን ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ኣብ ዝርከብ መንገዲ E22 ተጸቓቒጠን ክዕጸዋ ምኽንያት ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ሓላፊት ፕረስ ፌሊሻ ዳኒኤልሰን ዘወርቲ መካይን “ኣንጸባራቒ ልባስ ክማልኡ” ከምኡ’ውን መኪናኦም ኣብ ጥዑይ ኲነታት ምህላዋ እኳ ርግጸኛታት እንተኾኑ ኣብ ጽርግያ ከምኡ ዘይኮና መካይን ከጋጥማኦምን ኣብ ጒዕዞኦም ዕንቅፋት ክኾናኦም ከም ዝኽእል ብምካር አድሊ ስነኣእምሮኣዊ ምድላዉ ክገብሩ ከም ዝግባእን ለበዋኣ ኣመሓላሊፋ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com