Sunday , May 5 2024

ጀርመን ካልእ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣድማ ዓርቢ ክትዕዘብ እያ።

ጀርመናዊ ማሕበር ቨርዲ፡ ነቲ ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ዝዓበየ ቁጠባ ጀርመን ብኣሉታ ዝጸሉ ኣድማ ህዝባዊ መጓዓዝያ ውሽጢ ዓዲ ክካየድ ዝሓለፈ ዓርቢ ጸዊዑ። ኣብ ኩለን ፌደራላዊ ኣውራጃታት ልዝብ ደሞዝ ውጽኢት ዘይብሉ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ ኣብ ልዕሊ ኣስራሕቲ ዝያዳ ጸቕጢ ዝግበረሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ ክትብል ምክትል ፌደራላዊ ኣደ-መንበር ቨርዲ ክርስቲን ቤህለ ትማሊ ሶኑይ ኣብ በርሊን ገሊጻ። ልዕሊ 90 ሽሕ ሰራሕተኛታት፥132 ኣውቶቡሳት፣ ትራምን ኣገልግሎት ገለርያን ዘካይዳ ኩባንያታት ኣብቲ ኣድማ ምቁራጽ ስራሕ ክጽንበሩ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። እዚ ማለት ዝመጽእ ዓርቢ ብፍላይ ኣብ ሰዓታት ፍዳሰ ዳግማይ ርኡይ ሽግር ክኽሰት እዩ። እቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ደሞዝ ዝኾነ ምጒዳል ከይተገብረ ሰዓታት ስራሕ ናብ 35 ኣብ ሰሙን ክወርዱ ጠለብ ኣቕሪቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com