Friday , May 17 2024

ዜና

ኣብ ግብጺ ጥንታዊ መጽሞቒ ቢራ ተረኸቡ

ሓደ ናይ ግብጽን-ኣመሪካን ጉጅለ ኣብ ኣቢዶስ ዝተባህለ ግብጻዊ ምድረበዳ ኣርኪዮሎጂ ጥንታዊ መጽሞቒ ቢራ ብኹዕታ ምርካቦም ተገሊጹ። ኣብዚ ጥንታዊ ሰፈራ 40 ዝኾኑ ጥረምረታት ተሓዋዊሶም ዝፈልሑሉን ቢራ ተጸሚቑ ዝዕሸገሎምን ኣሃዱታት ረኺቦም ኣለዉ። እዚ ጥንታዊ መጽሞቕ ቢራ ኣብ ዘመነ ንጉስ ናርመር ዝነበረ ከይኮነ ኣይተርፍን ምባሎም ላዕለዋይ ቈንስል ጥንታዊ ሓድጊታት ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ። ዛጊት ኣብ ዓለም ካብ እተረኽቡ መጽሞቕ ቢራታት እቲ ዝጠንተወ፡ምዃኑ እውን ተመልኪቱ። …

Read More »

መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ዝተረረ ቀይድታት ኮሮና የተኣታቱ

መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናብቲ ሃገር እናተመላለሱ ዝሰርሑ ውልቀሰባት፡ ዝተረረ ቀይድታት ኮሮና ኣጽኒዑ። እዞም ካብ ካልእ ሃገር ናብ ዴኒማርክ እናተመላለሱ ዝሰርሑ ውልቀሰባት፡ ንሓደ ሰሙን ተገልግል፡ ኣሉታዊ ውጽኢት ኮሮና ዝሓዘት ምስክር ወረቐት ሒዞም ይመላለሱ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ካብ ረቡዕ ዕለት 17/02/2021 ጀሚሩ ግን፡ ዕድመ ናይታ ምስክር ወረቐት፡ ንሰለስተ መዓልታት ጥራይ ዘገልግል ክኸውን ምዃኑ፡ መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ነቶም …

Read More »

ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ቆጸራ ክታበት ኮሮና፡ ብቴሌፎን ክሕዙ ከምዝኽእሉ ክግበር እዩ ተባሂሉ

ነቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ክታበት ኮሮና ምውጋእ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ ብመንገዲ ቴሌፎን ኣቢሎም ቆጸራ ክሕዙ ከምዝኽእሉ ክግበር፡ ኩለን ምምሕዳራት ሽወደን ተሰማሚዐናሉ ከምዘለዋ መደበር ሬድዮ ኢኮት ገሊጹ። ካልኣይ መድረኽ ክታበት፡ ነቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ኣቐዲሞም፡ ምስቶም ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ይኹን ኣብ ገዝኦም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረኽቡ ሽማግለታት፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ክታበት ኮሮና ዘይተወግኡ እዮም። እዞም …

Read More »

ስዑዳዊት ኣክቲቪስት ሰብኣዊ መሰላት ሉጃይን ኣልሓጥሉል መዛረቢ ዓለም ትኸውን

ጓል 31 ዓመት ስዑዳዊት ኣክቲቪስት ሰብኣዊ መሰላት ሉጃይን ኣልሓጥሉ ካብ 2018 ንደሓር ብመንግስቲ ስዑዲያ ተኣሲራ ድሕሪ ምጽናሕ ከም እተፈትሐት ስድራቤታ ብረቡዕ ገሊጾም። ሓጥሉል ኣብ 2013 እያ ስማ ክገንን ጀሚሩ። ንሳ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ደቀንስትዮ መክና ናይ ምምራሕ መሰለን ክኽበር ክትንቀሳቐስ ጀሚራ። ኣብ 2014 ኣብ ዶብ ስዑዲን ኢማራትን መኪና እናዘወረት ስለ እተረኽበት ናብ ማሕቡስ ወሪዳ 73 መዓልታት ምሕላፋን እዚ ተመኲሮ ድማ …

Read More »

ካሜሩን—3000 ብቦኮ ሓራም ዝተመዛበሉ ናይጀርያውያን ናብ መረበቶም ክምለሱ እዮም።

ካብቶም ብሰንኪ ግብረ ሽበራ ቦኮሓራም ካብ መረበቶም እተመዛሉ 103 ሽሕ ናይጀርያውያን እቶም 5 ሽሕ ናብ ዓዶም ክምለሱ ፍቓደኛታት ምዃኖም ካሜሮን ገሊጻ። ሰብመዚ ክልቲኣተን ሃገራት ማለት ናይጀርያን ካሜሮንን ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት ናይጀርያ እዞም ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ህይወት ክምለሱን ጸጥታኦም ንምውሓስን ተሰማሚዓ ኣላ። እቲ ምፍናው እዞም ተመዛበልቲ ኣብ 27 ለካቲት ክፍጸም ምዃኑ ካሜሩን ገሊጻ’ላ። እዞም ዝበዝሑ ካብ ዞባ ቦርኖ ከም እተመዛበሉ ዝንገረሎም …

Read More »

ጊኒ ድሕሪ 2016 ሕማምን ሞትን ኢቦላ የጋጥማ።

ኣብ ጊኒ ድሕሪ 2016 ዛጊት ኣርባዕተ ሰባት ብሕማም ኢቦላ ምሟቶም ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ብቐዳም ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ሬሚ ሌማህ ን ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረዝ ኣብ ዝሃቦ ቃል በዞም ዝሰዓቡ ሞት ዘለዎ ሻቕላ ገሊጹ’ሎ። ሓንቲ ካብዞም ግዳያት ኣብ ወርሓ ጥሪ ዝሓመመት ነርስ ምዃናን ኣብ ለካቲት ከም እተቐብረትን ሓላፊ ወኪል ጸጥታ ጥዕና እታ ሃገር ሳኮባ ኬይታ ን መራኸቢ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል …

Read More »

ገጣሚት ኣማንዳ ጎርማን መንእሰያት ክጽሕፉን ሓሳባቶም ክገልጹን ተተባብዕ።

ወዲ 17 ዓመት ዳርዬስ ጃክሰን ተሌቪዥን እናተዓዘበ ጓል 22 ዓመት ኣማንዳ ጎርማን ነታ እንድይቦ ጎቦ ዘርእስታ ኣብ ግጥማ ኣብ እዋን ምርካብ ስልጣን ጆ ባይደን ክትነባ ምስ ሰምዐ ብሓይሊ ቃላት እዛ ጸላም ኣመሪካዊት ኣመና ተዓዘመ። እዚ ኣብ ቪዥዋል ኣንድ ፐርፎርሚንግ ኣርትስ ስኩል ኣብ ግዝኣት ሴት ልዊስ ሚዙሪ ዝቕመጥ መንእሰይ ጃክሰን ” ታሪኻዊት” እዋን ምንባራ ይጠቅስ። እዛ ግጥሚ ጎርማን ብቴሌቪዥን ካብ እተመሓለላፍ …

Read More »

ሱዳን–ስእሊ ሚካኤል ኣንጀሎ ብዙሕ ስንባደ ይፈጥር።

እቲ ንሱዳን ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዝመርሐ መንግስቲ ኣልበሽር ብምፍራሱ ሱዳናውያን ዓብዪ ሓጎስ እኳ እንተተስምዖም እዚ ዴሞክራስያዊ ሰውራ ገለ በዳህቲ ክርክራት ይገጥሞ ምህላዉ ተገሊጹ። ካብዚ እቲ ቀንዲ እንታይ ዓይነት ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ሱዳን ይተኸል ዝብል ኮይኑ ዛጊት ብፍላይ ካብ ሃይማኖተኛታት እታ ሃገር ከቢድ ብድሆን ክትዕን ይገጥሞ ኣሎ። ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ደጋፊ ኣልበሽብር ምዃኑ ዝፍለጥ ኢማም ኣብ ሰላት ኣጁምዓ ኣብ ካርቱም ንሰገድቲ …

Read More »

ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ ምስ ትግራይ ምትእስሳር ኣሎኪ ብዝብል ማህረምቲን ምክልባትን ይበጽሓ።

ብብሕታ ኣብ ጋዜጠኝነት እትነጥፍ ሉሲ ካሳ ኣብታ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንበሪኣ እናሰርሐት ሰኑይ መዓልቲ ቤታ ከም እተዃሕኲሐ ትገልጽ። “ማዕጾ ምስ ከፈትኩዎ ሰለስተ ሰብኡት ብሓይሊ ደፊኦምኒ ንቤተይ ኣትዮም” ክትብል ሉሲ ን ቪኦኤ ገሊጻ። “መን ምዃኖም ወይ ካበይ ከም እተላእኩ ኣይገለጹን፥ ዝኾነ መለለዪ ወረቐት ወይ ናይ ቤት ፍርዲ ፍቓድ መፈተሺ እውን ኣየርኣዩንን..ብቕጽበት ቤተይ ምፍታሽ ጀሚሮም” ድማ ትብል። እዞም …

Read More »

ኣመሪካ ነቲ ዕጡቓት ሑቲ ምስ ግብረ ሽበራውያን ዝጥቕልል ፖሊሲ ክትቅይሮ እያ ተባሂሉ።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሃገሩ ነቲ ምንቅስቓስ ሑቲ ግብረሽበራዊ እዩ ዝብል ፖሊሲ ክትቅይሮ ምዃና ኣፍሊጡ። እዚ ፖሊሲ ካብ 16 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ኲሎም ጽፍሕታት ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ድማ ኢሉ። “እዚ ውሳነ ኣካል ናይቲ ኣብ የመን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣፍልጦ ናህ ምሃብ መስርሕ እዩ” ክብል እውን ብሊንከን ኣረጋጊጹ። እዚ ፖሊሲ ነቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com