Friday , May 17 2024

ዜና

መንኰርኰር ቻይና: ቲናወን-1 ንመጀመርታ ግዜ ስእልታት ማርስ ትልእኽ

ወኪል ጠፈር ቻይና መንኰርኰሩ ናብ ዘንጊ እታ “ቀያሕ ፕላኔት” እናተባህለት እትጽዋዕ ማርስ ድሕሪ ምጽጋዑ ስእሊታ እታ ፕላኔት ክትልእኽ ምጅማራ ኣፍሊጡ ክትብል ኣልጀዚራ ሓቢራ። እቲ ወኪል ጠፈር ኣብ መደበር ተሌቪዥን ቻይና CCTV ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ እታ ፕላኔት ኣብ ጸልማት ሰማይ ብርህ ኢላ ክትቀርብ ከም እትረአን ኣብ ገጽ እታ ፕላኔት ኲዕትዓት ቦታትት ብግልጺ ከም ዝረአን ተሓቢሩ። እዛ 5000 ኪሎ እትምዘን መንኰርኰር ታያንወን-1 …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ከፊላዊ ምዕጻው (delvis låsning) ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ

መንግስቲ ሽወደን፡ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ ከየጋጥም ስግኣት ከምዘለዎ ገሊጹ። ነዚ ስግኣት ምርኩስ ብምግባር፡ ከፊላዊ ምዕጻው ከተግብር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ከፊላዊ ናይ ምዕጻው መስርሕ፡ ንንግዳውያን መደበራት፡ ቤት ምግብታት፡ ኣደራሻትን ናይ ስፖርት ቦታታት ዝምልከት እዩ ክትብል፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። ገለ ክፋል ሽወደን ምዕጻው ውን ኣገዳሲ ክኸውን እዩ ክትብል እታ ሚኒስተር ወሲኻ …

Read More »

ኮንጐ– ብምግምጣል ጃልባ ብውሑዱ 60 ሰባት ይሞቱ

ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ጃልባ ብምግምጣላ ብውሑዱ 60 ሰባት ምሟቶም ንሰብመዚ እታ ሃገር ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ። ድሕሪዚ ኣብ ቀላይ ኮንጐ ዘጋጠመ ሓደጋ ዛጊት 300 ሰባት ካብ ምጥሓል ከም ዝደሓኑን 200 ዝኾኑ ደሃዮም ከም ዘይተፈልጠን ድማ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ተቐማጦ እታ ጃልባ ብምሸት እንተጓዕዘት ምስ ከውሒ ብምግጫዋ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ። ኣብ ዲ/ሪ/ኮንጐ ብሰንኪ ዋሕዲ መርበባት መንገዲ ሰባት ንንውሕ …

Read More »

ናይ ኢድ ሰላምታ፡ ስራሕ ኣብ መርካብ፡ ከም ቅድመ ኩነት ክኸውን እማመ ቀሪቡ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ትሬሌቦሪ፡ ዝርከብ ሰልፊ ስቬርያ ዴሞክራትና፡ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ስራሕ ክረክብ ዝደሊ ሰብ፡ ናይ ግድን ናይ ኢድ ሰላምታ ክለዋወጥ ዝግድድ እማመ ኣቕሪቡ። እዚ ማለት ድማ፡ ዝኾነ ሰብ ብሃይማኖታዊ ይኹን ብባህላዊ ምኽንያት፡ ናይ ኢድ ሰላምታ ዘይለዋወጥ ሰብ፡ ስራሕ ንኸይረክብ ዝሕብር እዩ። እዚ ሓድሽ እማመ፡ ምስቲ ብቕዋም’ታ ሃገር ዝሕሎ ምኽባር ሃይማኖታዊ መሰላት ዝጻረር ብምዃኑ ብብዙሓት ሰልፍታት ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ተገሊጹ።   …

Read More »

ኢሚግሬሽን. . . . ስምምዕ መሰል ህጻናት፡ ንኹሎም ህጻናት፡ ናይ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ንኽረኽቡ መሰል ዝህብ ኣይኮነን

ስምምዕ መሰል ህጻናት፡ ንኹሎም ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ህጻናት፡ መሰል መንበሪ ፍቓድ ንኽረኽቡ ዝውስን ኣይኮነን ክብል በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብሪሁ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ንጉዳይ ይግባያት ዝከታተል ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን፡ ንስምምዕ መሰል ህጻናት ምርኩስ ብምግባር፡ ንሓደ ካብ ሽወደን ንኽወጽእ ተዳልዩ ዝነበረ ወዲ 14 ቆልዓ፡ ካብ ምብራር ኣድሒኑ፡ መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃቡ ድሕሪ …

Read More »

ስጳኛዊ ደራፋይ ራፕ፡ ፓብሎ ሃሰል፡ ተኣሲሩ

ውሩይ ስጳኛዊ ደራፋይ ራፕ ፓብሎ ሃሰል ካብቲ እተዓቚበሉ ዩኒቨርሲት ተታሒዙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ተገሊጹ። ፖሊስ ካታላን ናብ ዩኒቨርሲቲ ሌይዳ ብምእታው እዮም ነቲ ምስ ደገፍቱ ኣብኡ ዝነበረ ፓብሎ ቀዪዶሞ። ሃስል ን ግብረሽበራ ብምውዳሱን ንንግስነት እታ ሃገር ብምንሻዉን ብዝብል ክሲታት ናይ ትሽዓተ ወርሒ ማእሰርቲ ከም ዝጽበዮ ቢቢሲ ሓቢሩ። ንሱ ዝሓለፈ ሰሙን ንገዛእ ርእሱ ናብ ሕጊ ከቕርብ እኳ ሕቶ ቀሪብሉ እንተነበረ ነቲ …

Read More »

ዋና ጸሓፊ ኔቶ፡ ቅድሚ ግዜኡ ምእካሉ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝወጽእ ሓይሊ ኔቶ የለን

ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ቃል ዕጡቓት ኣፍጋኒስታን እንድሕሪ ኣህጒራዊ ሰራዊት ኣብቲ ዝተወሰነሉ ግዜ (ማለት መወዳእታ ግንቦት) ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ክወጽእ ዝደልዩ ኮይኖም ነቲ ኣብ 2020 ምስ ኣመሪካ ዝኣተዉዎ ውዕል ሰላም ከኽብሩ ይግብኦም ኢሉ። ንሱ ሰሙን ቅድሚ ጒባኤ ሚኒስተራት ምክልኻል ኔቶ እዩ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ብራስለስ ጋዜጣዊ ዋዕላ ጌሩ። ዝመጽእ ሰሙን ነቲ ብ 29 ለካቲት ዝተበጽሐ ስምምዕ …

Read More »

ውድብ ንግድ ዓለም ንመጀመርታ ግዜኡ ኣፍሪቃዊትን ጓለንስተይይን መራሒት እቲ ውድብ ክትከውን መሪጹ

ወከልቲ 164 ሃገራትን ኣባላትን ውድብ ንግድ ዓለም ብሰኑይ ን 66 ዝዕድሜኣ ናይጀርያዊት ክኢላ ስነቚጠባ ንጎዚ-ኤዌላ ዳይረክተር ጀነራል እቲ ውድብ ክትከውን ምምራጾም ተገሊጹ። ኦኮንጆ-ኤዌላ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ ዜናዊ ዋዕላ ስራሕ ንምጅማር ተሃንጥያ ምህላዋን ነቲ ውድብ ምስ ጠለባት 21 ክ/ዘመን ብዝሰማማዕ ኣገባብ ክትጽግኖ ድሌት ከም ዘለዋን ገሊጻ ክብል ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ንሳ–“ከም ኣፍሪቃዊትን ጓለንስተይቲን መጠን ኣባይ ኣሕዲርኲሞ ዘለዂም እምነት ኣዝየ እየ ዘማስወሉ። …

Read More »

ኣመሪካ ንቕትለት ቱርካውያን ብትሪ ትዂንን

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ኣብ ሰሜን ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ቱርካውያን ዝተፈጸመ ቅትለት ብትሪ ኰኒናቶ። ኣብዚ ሰሜናዊ ዒራቕ 13 ቱርካውያን ብዕጡቓት ኩርዲ ከም ዝተቐትሉ መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቱ። “ኣመሪካ ነዚ ኣብ ልዕሊ ቱርካውያን ዜጋታት ወሪዱ ዘሎ ሞት ኣጥቢቕ እያ ትዂንኖ” ክብል ኣፈኛ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ብ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። “ምስ ናይ ኔቶ መሻርኽትና ዝኾነት ቱርኪ ብምዃን …

Read More »

ኣብ 2020 ቁጠባ ጃፓን ብሰንኪ ኮሮና ብ 4% ኣንቈልቊሉ

ኣብ ራብዓይ ርብዒ ዓመት 2020 ቊጠባ ጃፓን ዕቤት እኳ እንተርኣየ ምስቲ ወሪድዋ ዝጸንሐ ከቢድ ሃስያ ስለ ዘይወዳደር ካብ ኣሉታዊ ዕቤት ከድሕና ከም ዘይከኣለ ቢቢሲ ሓቢሩ። ምስ ዓመተ 2019 ብምውድዳር ካብ ወርሓት ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ቊጠባ ጃፓን ብ 3% ዕቤት ከም ዘርኣየ እንተኾነ ግና ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረን 5.3% ዕቤት ዝተራእየሉን ርብዒ ዓመት እንክወዳደር ገዚፍ ምንቊልቋል ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com