Monday , May 20 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

ንኣረጋውያንን ተነቀፍቲ ንዝበሃሉ ክፋል ሕብረተሰብን ዝምልከት መምርሒታት ኮሮና፡ ተሰሪዞም

ልዕሊ 70 ዓመት ንዝዕድሜኦምን ተነቀፍቲ ንዝበሃሉ ክፋል ሕብረተ ሰብን ወጺኡ ዝነበረ ፍሉይ ናይ ኮሮና መምርሒታት ክስረዝ ምዃኑን ንሓፈሻዊ መምርሒታት ኮሮና ክኽተሉ ምዃኖምን ሚኒስተር ህዝባዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሎሚ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ናይ ምንጻል መምርሒታት ዘስዓቦ ኣሉታዊ ዝኾነ ስነ ኣእምራዊ ጸቕጢ ጎሊሑ ተራእዩና ክትብል ሃሊንግሪን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ …

Read More »

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ብዘይተደልየ ምኽንያት ናብ 4 ኤውሮፓውያን ሃገራት ንኸይግየሽ ይመክር

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ናብ ኢስቶንያ፡ ላትቪያ፡ ሊትወንያን ኣየርላንድን ብዘይተደልየ ምኽንያት ክሳብ 4 ሕዳር ዘሎ ግዜ ንኸይግየሽ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እዘን ሃገራት እዚኣተን፡ ንሽወደናውያን ገያሾ ዝምልከት ናይ ውሸባ መስርሕ ብዘይ ምቕያረን እዚ ውሳኔ ከም ተወስደ፡ ሓላፊት ጋዜጣዊ ኣገልግሎት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ ሳራ ብሪኒዳል፡ ገሊጻ። ናብ ዝኾነ ሃገር ክትገይሽ እንተድኣ ደሊኻ፡ ብዛዕባ ናይታ ሃገር ናይ መገሻ ቀይድታትን ቅጥዕታትን ክትፈልጥ …

Read More »

ኣብ ምምሕዳር ክሩኖባሪ (Kronoberg) ዝርከባ ሆስፒታላት፡ ጸቕጢ ኣጋጢምወን

ኣብ ክሩኖባሪ ዝርከባ ሆስፒታላት፡ ቪክኾን ሊዩንቢን ብሰንኪ ብዝሒ ቁጽሪ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት፡ ናይ ስራሕ ጸቕጢ ኣጋጢወን ከምዘሎ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ሆስፒታልና ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት፡ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ እንትርፎ እቶም ግዴታዊ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዘድልዮም ሰባት እቶም ደሓን ዝኾኑ ናብ ሆስፒታልና እንተዘይመጹ ይምረጽ  ክትብል ሓላፊት ጥዕና’ቲ ሆስፒታል ፡ማርያ ዌልትዝ፡ ገሊጻ። ክሳብ ሕጂ፡ መጠን መልከፍቲ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምምሕዳር …

Read More »

በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ኦፕሳላ፡ ዝተረረ መምርሒታት ኮሮና ኣዊጁ

በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ብጉዳይ ምስፍሕፋሕ  ለበዳ ኮሮን ብዝምልከት፡ ምስ ሓካይም ምክልኻል ለበዳ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ኦፕሳላ፡ ካብ ሎሚ ዕለት 20/10/2020 ጀሚሩ ዝተረረ መምርሒታት ኮሮና ከምዘመሓላለፈ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኦፕሳላ ዝነብር ሰብ፡ ብመንገዲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝገብሮ መገሻታት ከቋርጽ ከምዘለዎ፡ ምስ ዘይፈልጦም ሰባት ኣካላዊ ምትንኻፍ ክቑጠብን ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ከካይድ ወይ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ንምምሕዳራትን ፖለቲካውያን ኣካላትን፡ ተወሳኺ ስልጣን ዝህብ ግዝያዊ ሕጊ ንምእዋጅ ይዳሎ

መንግስቲ ሽወደን፡ ንምምሕዳራትን ካልኦት ፖለቲካውያን ኣካላትን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ዝሕግዙ ኣገባባት ንኸተኣታትዉ ዘኽእል ተወሳኺ ስልጣን ዝህብ ግዝያዊ ሕጊ ንምእዋጅ ይዳሎ ምህላዉ ጋዜጣ ዳጊንዝ ኒሂተር ሓቢሩ። እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ መጠን ብዝሒ ተሳፈርቲ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ምምጣን፡ ሰዓታት ስራሕ ምስትኽኻልን ብዝሒ ናብ ኣብያተ ንግዲ ዝበጽሑ ሰባት ምምጣን ዝኣመሰሉ ስልጣን ዝህብ እዩ። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ምስ ቅዋማዊ መሰል ብሕታውነት፡ ዝጻረር ንኸይከውን፡ ብጥንቃቐ …

Read More »

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ (Skåne) ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብዘሻቕል ኩነታት ይውስኽ

ኣብ ደቡብ ሽወደን ፡ ምምሕዳር ስኮነ፡ ግዳያት ሕማም ኮቪድ-19፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኹ ይኸዱ ምህላዎም ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና ስኮነ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ማእከላይ ገምጋም ናይ መዓልታዊ  ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተለኽፉ፡ ካብ 55 ክሳብ 89 ሰባት ምዃኑ ገሊጹ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ ኣብ ኩሎም ክሊ ዕድመታት ይረአ ምህላዉን፡ እንተኾነ እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 20-29 ዘለዉ መንእሰያት …

Read More »

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንቀይድታት መገሻ ዝምልከት ሓባራዊ መምዘኒ ክኽተላ ተሰማሚዑ

ኣባላት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት፡ በብዝመስለን ኣገባብ ናይ መገሻ ወይድታት ከተግብራ ምጽነሀን ይፍለጥ። እንተኾነ፡ እዞም ኣገባባት እዚኣቶም፡ ንመስመራት መንገዲ ኣየር፡ ዘየቕስን፡ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣባላት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት፡ ሎሚ ኣብ ሎክሰምቦርግ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ንቀይድታት መገሻ ዝምልከት ግዴታዊ ዘይኮነ ሓባራዊ መምዘኒታት ክኽተሉ ተሰማሚዖም ኣለዉ። እቲ ሓባራዊ መምዘኒታት ዝበሃል፡ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሓቀኛ ዝኾነ ብደረጃ ምምሕዳር ዝቐርብ ንለበዳ …

Read More »

ከተማ ኦፕሳላ፡ መስርሕ ከባብያዊ ቀይዲ ኣይክውሰነላን እዩ

ንጽባሕ ሰኑይ ዕለት 19/10/2020 ኣብ ከተማ ኡፕሳላ፡ ብመንገዲ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ክውሰን ተመዲቡ ዝነበረ ከባብያዊ ቀይዲታት፡ ከምዘይትግበር ሎሚ ኣብ መንጎ ሓላፊ ምክልኻል ለበዳ፡ ከተማ ኦብሳላ፡ ዮሃን ኖዌድ ን  ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተማሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ድሕሪ ዝተኻየደ ርክብ ከምዝተወሰነ ተሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ። በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ ኡፕሳላ፡ መስርሕ ከባብያዊ ቀይድታት ምትግባር እዋኑ ዝቐደመ እዩ ከምዝበለ …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ካብተን 21 ምምሕዳራት ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ 17 ምምሕዳራት ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ካብ ቤት ምኽሪ እዘን ምምሕዳራት ዝቐረቡ ጸብጻባት ሓቢሮም። መልከፍቲ ኮሮና፡ ብፍላይ ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን ተማሃሮ፡ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ኣባይቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝሰርሑ፡ ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ብብዝሒ ይረአ ከምዘሎ ጸብጻባት  ቤት ምኽሪ ምምሕዳራት ይሕብሩ። ከም ኣብነት፡ ኣብ ከተማ ኦብሳላ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ …

Read More »

ከተማ ኦብሳላ፡ መምርሒታት ከባብያዊ ቀይድታት፡ ዝትግበረላ ቀዳመይቲ ከተማ ክትከውን እያ

ኣብ ከተማ ኦብሳላ ዝረአ ዘሎ ናህሪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር፡ ካብ ስኑይ 19/10/2020 ጀሚራ፡ እታ ቀዳመይቲ ከባብያዊ ቀይድታት ዝትግበረላ ምምሕዳር ክትከውን ትጽቢት ኣሎ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ ኣብቲ ከተማ ዝርከቡ ሓካይም ምክልኻል ለበዳ ምስ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ሎሚ ረቡዕ ኣኼባ ከካይዱ ምዃኖም ተለቪዥን ሽወደን ሓቢሩ። ነቲ ካብ ዕለት 19/10/2020 ዝጅምር መምርሒታት ከባብያዊ ቀይድታት ንኽትግበሩ ዝውስን ኣካል፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com