Thursday , May 9 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

ኣብ ዮተቦሪ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ትምህርቲ ንጥፈታታ ኣቋሪጻ

ኣብ ከተማ ዮተቦሪ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ብሰንኪ ኣብ መማህራንን ተማህሮን ዝተራእየ ሓድሽ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ትምህርታዊ ንጥፈታታ ከምዘቛረጸት ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ዮተቦሪ ሓቢሩ ክብል ጸብጻብ SVT Väst ኣቃሊሑ።   መብዛሕትኦም ግዳያት መልከፍቲ ዝኾኑ፡ እቶም ኣብ ምስትምሃር፡ ናይ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ዘድልዮም ሰባት፡ ዝነጥፉ መምህራንን ተማሃሮን ምዃኖም እቲ መደበር ተለቪዥን ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ጉዳይ ብጥዕሚ ተኣፋፍን ኣሰካፍን ብምዃኑ፡ እዚ ውሳኔ፡ …

Read More »

መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ስቶክሆሎም፡ ምውሳኽ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ይቕጽል ኣሎ ክብል በዓል መዚ ጥዕና’ዚ ምምሕዳር ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ኣስታት 660 ሓዲሽ መልከፍቲ ኮሮና ከምዘጋጠመ፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ  ዝሓለፈ ምሉእ ሰሙን ዝተመዝገበ ቁጽሪ፡ 638 ዝበዝሕ እዩ። ብተወሳኺ፡ ቅድሚ 4 መዓልታት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ምክትታል 4 ሰባት ጥራይ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ቁጽሪ ናብ 57 …

Read More »

ክርስትያኖ ሮናልዶ: ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፉ

ውሩይ ተጻዋታይ ኩዑሶ እግሪ ዓለምና ክርስትያኖ ሮናልዶ ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን መርመራ ኮሮና ኣካይዱ ኣወንታዊ ውጽኢት ከም ተረኽቦ: ፈደረሽን ኩዑሶ እግሪ ፖርቱጋል ሎሚ ሓቢሩ። ካብ ሎሚ ጀሚሩ: ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንትኡ ተፈልዩ ንዓሰርተ መዓልታት ክውሸብ ምዃኑ‘ቲ ፈደረሽን ሓቢሩ ኣሎ። ብድሕሪ‘ዚ ነቶም ዝተረፉ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል: መርመራ ተገይርሎም: አሉታዊ ውጽኢት ከም ተረኽቦመን ካብ ኮሮና ነጻ ምዃኖም ተረጋጊጹ።ክርስቲያኖ: ጽባሕ …

Read More »

ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ኣሰካፊ ዝኾነ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ይረአ ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ እንዳ መናበይ ኣረጋውይን፡ ምውሳኹ ተፈሊጡ። እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ተርእዮ፡ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ዝሕብር ሓያል ምልክት እዩ ክብል ኣማኻሪ መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ተማሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ድሕሪ ምግላጹ፡ ምንጪ’ቲ ቫይረስ ንምፍላጥ፡ ንሰራሕተኛታትን ሕሙማትን ተወሰኽቲ መርመራታት ክንገብር ይግባኣና። በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ብወገኑ፡ እዚ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝረአ …

Read More »

ዓሰርተ ሓደ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ፡ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም

ኣብ ዮኒቨርስቲ ኦምዮ፡ ዓሰርተ ሓደ ተማሃሮ፡ ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፉ ተረጋጊጹ። በዓል መዚ ጥዕና’ቲ ከባቢን ምምሕዳር’ቲ ዩኒቨርስቲን ብሓባር ነቲ ተራእዩ ዝነበረ ምስፍሕፋሕ ለበዳ፡ ኣብ ምቁጽጻር ልዑል ተራ ከምተጻወቱ ኣብ ቮርድሂግየን (Vårdhygien) ሕክምናዊ ሓላፊት ዝኾነት ማርያ ማርክሉንድ ኣረጋጊጻ። ንቀንዲ መበገሲ ቫይረስ ኮሮና ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ንምፍላጥ፡ ምትሕብባር ናይ ተማሃሮን መማህራንን ዓቢ ከምዝነበረ ብምውሳኽ ገሊጻ። መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ሕክምናዊ ዮኒቨርስቲ ኦምዮ፡ ምንጪ መልከፍቲ ንምፍላጥ …

Read More »

ሚኒስተር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ሽወደን ንተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ብትሪ ትነቅፍ

 ሚኒስተር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ሽወደን፡ ማቲልዳ ኢርንክራንስ፡ ነቲ ኣብ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ዝንገረሉ፡ ብተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ብትሪ ከምዝነቐፈቶን፡ ዘይሓላፍነታዊ ኢላ ከምዝሰመየቶን መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ኢርንክራንስ፡ ነቶም ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከቡ ኣስታት 400 ሽሕ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ተማሃሮ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ ብቑጽሪ ብዙሓት ዝኾኑ ተማሃሮ፡ ዘይሓላፍነታውያን እዮም ድሕሪ ምባላ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ስነ ስርዓት …

Read More »

ሆስፒታል ኖርታልያ፡ ብሰንኪ ምውሳኽ ለበዳ ኮሮና፡ ናይ ህጹጽ ኩነታት ጻውዒት ኣመሓላሊፉ

ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና፡ ብዙሓት ኣባላት ሆስፒታል ኖርታልያ፡ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ብምውሳዶምን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ መንጎ ኣባላትን ሕሙማትን  ብምብዝሑን፡ እቲ ሆስፒታል፡ ናይ ህጹጽ ኩነታት ጻውዒት ኣዊጁ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። ናይ ህጹጽ ኩነታት ጻውዒት ማለት፡ እቲ ሆስፒታል፡ ንህጹጽን ኣገዳስን ኩነታት ጥራይ ኣቶኲሩ፡ ንህጹጽ ዘይኮኑ መጥባሕታት ናብ ቀጻሊ ግዜ ከሰጋግሮም እዩ። ተግባራውነቱ ድማ ካብ ጽባሕ ዓርቢ ዝጅምር ምዃኑ’ቲ ሆስፒታል …

Read More »

ቫይረስ ኮሮና ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ፡ መስመር ረሳሕ ፈሳሲ፡ ምልክታት የርእዩ

ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና፡ ብዕጽፊ ምዕባዩን ኣብ ጽድያ ናብ ዝነበሮ ደረጃ ክብ ምባሉን ተመራመርቲ ኮለጅ ቴክኖሎጂ ሮያል ሓቢሮም ክብል ጋዜጣ ዳገንስ ኒሂተር ሓቢሩ። ብመሰረት ዝገበርናዮ መርመራ ኣብ ማሕበረሰብና፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ብናህሪ ይውስኽ እዩ ዘሎ፡ እዚ ድማ ብብዝሒ መርምራታት ኮሮና ዝተረኽበ ኣይኮነን ክትብል ተመራማሪት ዘይነብ ግሩል ገሊጻ። ተመራመርቲ ናይተን ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከባ ሰለስተ ትካላት መጻረይ ረሳሕ ፈሳሲ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ …

Read More »

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ሳምንታት፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት እናበዝሐ ምምጽኡ ተሓቢሩ

ኣብ ሆስፒታላት ሽወደን፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት፡ እናበዝሐ ምምጽኡ ተሓቢሩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት ካብ 12 ናብ 24 ክብ ምባሉ ተፈሊጡ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበርሎም ዝነበሩ 558 ሰባት፡ ኣብ ዕለት 11/09/2020 እቲ ቁጽሪ ናብ 12 ምጉዳሉ ይዝከር። እንተኾነ ካብዚ ዕለት ጀሚሩ፡ እቲ ቁጽሪ ቀስ እናበለ ብምውሳኹ ኣብ ዕለት 01/10/2020 …

Read More »

ኣባላት ስድራቤት ናይ ሓደ ብኮሮና ዝተለኽፈ ሕሙም፡ ኣብ ገዛ ንክውሸቡ፡ ሽወደን፡ ሓቢራ

ኣባላት ስድራቤት ናይ ሓደ ብኮሮና ዝተለኽፈ ሕሙም፡ ኣብ ገዛ ክውሸቡ ከምዝግባእ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ። ኣባላት ስድራቤት ሕሙም፡ ዘይተፈልጡ ተሰከምቲ ቫይረስ ክኾኑ ስለዝኽእሉ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ክሳብ ሓደ ሰሙን ዝኣክል ግዜ፡ ኣብ ገዛ ክውሸቡ ከምዝግባእ ኣንድሽ ቴግኒል ሓቢሩ ክብል TT ኣቃሊሑ። ኣባላት ስድራቤት’ቲ ሕሙም፡ እቶም ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ከይተረፉ፡ ኣብ መበል 5ይ መዓልቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com