Sunday , April 28 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ባና ትስፉው መዓልታት ይረኣዮ ምህላዉ ተገሊጹ።

በዓልመዚ ሕዝባዊ ጥዕና ብመስረት ኣብዚ እዋን ዝርኤ ዘሎ ዝርግሔ ለበዳን ብዝሒ ሞት ግዳያት ኮቪድ-19 ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምንቁልቛሉ ገሊጹ። ነዚ ኣመልኪቱ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ለበዳታት ኣንደርስ ቴግኔል ምስ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ህልዎ ኩነታት ሽወደን ኣብ ምቁጽጻር ለበዳ ኮቪድ- 19 ትስፉው ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ሽወደን ለበዳ ኮሮና ኣዝዩ ምንካዩን ቊጽሪ ሓደስቲ ተለበድቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጸቢቑ ምጒዳሉን ድማ ገሊጹ። …

Read More »

ሞራል መንግስቲን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ሰማይ ይዓርግ።

ብመሰረት ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ሞራል መንግስቲን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ሰማይ ከም ዝዓረገ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ጠቒሳ። ኣብ ወርሓ መጋቢት ዝነበረ 51 % ርእሰ ተኣማንነት ሕጂ ናብ 71% ክብ ኢሉ ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ’ሎ። መንግስቲ ብወገኑ ሞራሉ ካብ 32% ሚእታዊት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ 53 % ክብ ምባሉ ድማ ተጠቒሱ። በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ክኽተሎ ብዝጸንሐ መስመር ብፍላይ ድማ ብጒጅለ መጽናዕቲታቱ ክውቀስ እዩ ወሪሑ። …

Read More »

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ለበዳታት ቲግኔል ብሸለልትነት ሰባት ምጒሃዩ ገሊጹ።፡

ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዘሎ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ሰባት ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ከም ዘጒሃዮ ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ቲግኔል ገሊጹ። ካብ ቲልያ ክሮው ዝተረኽቡ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ ምስ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብምውድዳር ኣብዚ ግዜ ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ካብ ቤት ወጻኢ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ክብል SVD ጽሒፉ። ኣብዚ ሰሙን ውዕይ ዝበለ ኲነታት ኣየር ክሰፍን እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉን …

Read More »

በዓል መዚ ቁጽጽር ለበዳ፡ ኣብ መናበዪ ዓበይቲ ልዕሊ 1000 ናይ ምቁጽጻር መስርሕ ኣካይዱ።

በዓል መዚ ቁጽጽር ንልዕሊ 1000 ኣብ መላእ ምምሕዳራት ሽወደን ዝርከባ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምቁጽጻር ክገብር ሃቂኑ ከምዘሎ ሓላፊት በዓል መዚ ምቁጽጻር ጥዕናን መናበይ ቦታታን (Ivo)፡ ሶፍያ ፊልስትሮም፡ ሓቢራ። ዕላማ ናይዚ ቁጽጽር ጌጋታት ንምርካብ ዘይኮነ ነቲ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝጥቀምሉ ኣገባብ ኣሰራርሓ ንምምሕያሽ ዝዓለመ ምዃኑ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጥዊ ዋዕላ ፊልስትሮም ትሕብር። መስርሕ ምቁጽጻር ነቲ ዘሎ ኩነታት ዘመሓይሽ ክኸውን ተስፋ …

Read More »

ማሕበር ሰራሕተኛ፡ ኣብ መናበይ ዓበይቲ እኹል ናውቲ መከላኸሊ እንተዘይተቐሪቡ ስራሕ ከምዘቛርጽ የጠንቅቕ።

ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሑ ኣባላት ጸረ ቫይረስ ኮሮና እኹል ዝኾነ ናውቲ መከላኸሊ እንተዘይተቐሪብሎም ካብ ስራሕ ደው ከነብሎም ኢና ክብል ናይ ምምህዳራት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣጠንቂቑ። ከም መከላኸሊ ተባሂሉ ንሰራሕተኛታት ዝወሃብ መሸፈን ኣፍ (Gag) እኹል ኣይኮነን። ብውሕዱ ምሉእ ገጾም ዝሽፍን ማስኬራ ክቕረበሎም ከምዝግባእ ኣቦ ወንበር እቲ ማሕበር ቶብያስ ቦዲን ከምዝሓበረ TT ገሊጹ። እቲ ማሕበር፡ ዝሓሸ ናውቲ መከላኸሊ ምቕራብን ኣገዳስነቱን ዝምልከት ዛዕባ …

Read More »

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን 100 ሽሕ ሰባት መርመራ ቫይረስ ኮሮና ክካየደሎም እዩ።

ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ንለበዳ ቫይርስ ኮሮና ንምግታእ ሓድሽ ስትራተጂ ንምምዕባል ሓላፍነት ከምዝተዋህቦም ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ሎሚ ኣብቲ ሃሊንግሪንን ዮሃን ካርልሰን ዝተረኽብሉ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ። ሓደ ካብ ክንጥቀመሎም ዝጸናሕና ስትራተጂታት፡ ንሰባት ናይ ቫይረስ ኮሮና መርመራ (Random test) ምክያድ እዩ። ቁጽሪ ናይ ተመርመርቲ ካብ 50 ሽሕ ሰብ ናብ 100 ሽሕ ሰብ ክብ ንኸብሎ ድማ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሓላፍነት ከምተዋህቦ ሚኒስተር …

Read More »

ውሩይ ኩባንያ መሸጣ ክዳውንቲ MQ ከም ዝጠፈሸ ኣዊጁ።

ኩባንያ መሸጣ ክዳውንቲ MQ ወግዓዊ ናይ ጠፈሻ ጠለቡ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘቕረበ ሓቢሩ። ጠንቂ ናይዚ ድማ ኣብ ወርሒ መጋቢትን ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሚያዝያ ዘጋጠመ ዋሕዲ መጠን መሸጣ ዘስዓቦ ምዃኑ እቲ ትካል ገሊጹ። ድሕሪ ኩነታት ቫይረስ ኮሮን ውን መጠን መሸጣ ከንቆልቅል ከምዝኽእል እቲ ትካል ግምታቱ ሓቢሩ። ኩነታት ምሕደራ ስራሕ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝበኣሰ ብምውራዱ ስራሕ ከምዘይቅጽል ክገብሮ ክኢሉ ክብል ሓላፊ ምምሕዳር …

Read More »

መጻኢ ሃገራዊ ቁጠባ ሽወደን ኣብ ዓበይቲ ብድሆታት ከምዝተቐርቀረ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ለዉጢ ካብ ንቡር ኩነታት ዝተተንከፈ ሃገራዊ ቁጠባ ሽወደን መጻኢኡ ኣብ ዘጠራጥር ኩነታት ከዝወደቐ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝወጹ ዘሎዉ ጸብጻባት ኣፍሊጦም ክብል ኣገልግሎት ፈነወ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ንሚኒስትሪ ፋይናንስ ሽወደን ብምጥቃስ ዝተፈነወ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር፣ ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ኮቪድ ፈጢርዎ ዘሎ ኩነታት ዝተሃሰዩ ትካላትን ወሃብቲ ስራሕን፣ ብዝወስድዎ ዘሎዉ ምጉዳል ሰራሕተኛታትን ምዕጻዉ ትካላትን፣ ቁጽሪ ካብ ስርሖም ዝመዛበሉ …

Read More »

ጩራ ተስፋ……ጸረ ኮቪድ- 19 ክታበት ኣብ ዕዳጋታት ክቐርብ እዩ።

ኦክስፎርድ ዩርኒቨርሲቲ፡ ብመንገዲ ቫይረስ ኮሮና ኣቢላ፡ ሓንቲ ካብተን ብሉጻት ዩኒቨርሲታት ዓለምና ምዃና ከምእንደገና ንምርግጋጽ ትጽዕር። ተመራመርቲ ናይዚ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጸረ ኮሮና ክታበት ስሩም (ኣብ ደም እንስሳታት ዝርከብ ማያዊ ፈሳሲ) ከቕርቡ ምዃኖም ብምትእምማን ሓቢሮም። ኣብ ዝቕጽል ወርሒ መስከረም ዓቢ ሸፈነ ክታበት ክጅምር ተኽእሎታት ከምዘሎ ውን ይሕብሩ። ኦክስፎርድ ዩርኒቨርሲቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቲ ብማእከላይ ምብራቕ ኮሮና ቫይረስ (MERS-COV) ዝፍለጥ …

Read More »

ፕሮፌስር፡ ሃገራት ኤውሮፓብሰንኪ ኮቪድ-19 ዘጋጥም ሞት ናይ ኣረጋውያን ከምዝይምዝግብኦ ይሕብር።

ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዘጋጥም ናይ ሞት ተራዮታት ብዙሓት ሃገራት ዓለም ከም ዘይምዝግበኦን ስለዝኾነ ድማ ንቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ሓቀኛ ስእሊ ከምዘየርእያን ኣባል ዓለማዊ ህጹጽ መድሃኒታት ዝኾነ ሽወደናዊ ፕሮፌሰር ዮሃን ሽሪፕ ሓቢሩ።ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን መዓልታዊ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘቕርቦ ጸብጻብ ግዳያት ሕማም ኮቪድ-19 ነቶም ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሞቱ ሰባት ኣብ ቁጽሪ ብምእታው ከምዘቕርቦ እዩ ይፍለጥ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com