Sunday , May 12 2024

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን 100 ሽሕ ሰባት መርመራ ቫይረስ ኮሮና ክካየደሎም እዩ።

ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ንለበዳ ቫይርስ ኮሮና ንምግታእ ሓድሽ ስትራተጂ ንምምዕባል ሓላፍነት ከምዝተዋህቦም ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ሎሚ ኣብቲ ሃሊንግሪንን ዮሃን ካርልሰን ዝተረኽብሉ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ። ሓደ ካብ ክንጥቀመሎም ዝጸናሕና ስትራተጂታት፡ ንሰባት ናይ ቫይረስ ኮሮና መርመራ (Random test) ምክያድ እዩ። ቁጽሪ ናይ ተመርመርቲ ካብ 50 ሽሕ ሰብ ናብ 100 ሽሕ ሰብ ክብ ንኸብሎ ድማ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሓላፍነት ከምተዋህቦ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ደጊማ ትሕብር። እዚ ሓድሽ ስትራተጂ ነቶም ኣብ ኣገደስቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ዝሰርሑ ሰባት ዕላማ ዝገበረ እዩ።

ከም ኣብነት ኣብ ጥዕናዊ፡ ፖሊስ፡ ናይ ድሕነት ኣገልግሎትን ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሑ ዘጠቓልል እዩ። እዚ መርመራ ንህላውነት ናይ ቫይረስ ኣብ ሰውነት ደኣ እምበር ንድሕሪ ምልካፍ ዘጥርዮ ናይ ምቅዋም ዓቕሚ ንምምርማር ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ንኸምዚ ዓይነት ምርምር ዝኸውን ዓቕሚ የብልናን። ኣብ ቀረባ እዋን እዚ ዓይነት መርመራ ክህልወና ግን ተስፋ ንገብር ክብል ካርልሰን ኣብሪሁ። በዚ ኣገባብ ድማ ናይ ዝሓመሙ ሰባትን ኣለይቲ ሰራሕተኛታትን ዝበዝሐ ቅምሶታት (Sample) ምሓዝ ዘኽእልን ነቶም ኣብ ገዛ ዝጸንሑ ሰባት ድማ ድሕሪ መርመራ ናብ ስራሕ ክምለሱ ዝኽእልሉ መንገድታት ንምንዳይን ብተወሳኺ ድማ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይ ለበዳ ንምርኣይ ዘኽእል ምዃኑ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

እንዳ መናበይ ዓበይቲ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ብምህላዉ መንግስቲ ንድሕነት ኣረጋውያን ዝያዳ ጻዕሪ ክገብር ምዃኑ ሎቪን ኣረጋጊጹ። ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ነቲ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝግበር ጌጋታት ንምጽራይ ዘይኮነ ነቲ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ኣገባባት ንምምሕያሽን ውሕስነት ኣረጋውያን ንምምርግጋጽን ብቐረባ ክሰርሕ ምዃኑ ሃሊንግሪን ኣረጋጊጻ። ንለበዳ ቫይረስ ኣመልኪቱ ሎቪን፡ እቲ ናይ ለበዳ ቫይረስ ኩነታት ጌና ሓደገኛ ምህላዉን መዓልታዊ ብዙሓት ሰባት ይልከፉ ኣለዉ። ሞት ናይ ኣሽሓት ሰባት ንጽበ ኢለ ነይረ፡ ከምቲ ዝበልናዮ ድማ የጓንፈና ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com