Saturday , May 11 2024
Bild: Claudio Bresciani / TT

መጻኢ ሃገራዊ ቁጠባ ሽወደን ኣብ ዓበይቲ ብድሆታት ከምዝተቐርቀረ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ለዉጢ ካብ ንቡር ኩነታት ዝተተንከፈ ሃገራዊ ቁጠባ ሽወደን መጻኢኡ ኣብ ዘጠራጥር ኩነታት ከዝወደቐ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝወጹ ዘሎዉ ጸብጻባት ኣፍሊጦም ክብል ኣገልግሎት ፈነወ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ንሚኒስትሪ ፋይናንስ ሽወደን ብምጥቃስ ዝተፈነወ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር፣ ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ኮቪድ ፈጢርዎ ዘሎ ኩነታት ዝተሃሰዩ ትካላትን ወሃብቲ ስራሕን፣ ብዝወስድዎ ዘሎዉ ምጉዳል ሰራሕተኛታትን ምዕጻዉ ትካላትን፣ ቁጽሪ ካብ ስርሖም ዝመዛበሉ ዘሎዉ፣ ሰባት ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ይዉስኽ ብምህላዉ ኣብ ቁጠባ ሃገር ዓቢ ብድሆ ተፈጢሩ ከምዘሎ ይሕበር፣ መንግስቲ ዋላ እኳ ተደጋጋሚን ቀጻልን ምትዕርራይ ባጀት ናይ ህጹጹ እዋን እንተገበረ፣ ምስቲ ዝኽሰት ዘሎ ጸገም ክመጣጠን ኣይካኣለን ዘሎ ዝብል ገምጋም ተቓወምትን ቁጠባዊ ክኢላታትን ከምዘሎ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com