Sunday , May 12 2024
Andreas Hillergren / TT / kod 10600

ፕሮፌስር፡ ሃገራት ኤውሮፓብሰንኪ ኮቪድ-19 ዘጋጥም ሞት ናይ ኣረጋውያን ከምዝይምዝግብኦ ይሕብር።


ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዘጋጥም ናይ ሞት ተራዮታት ብዙሓት ሃገራት ዓለም ከም ዘይምዝግበኦን ስለዝኾነ ድማ ንቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ሓቀኛ ስእሊ ከምዘየርእያን ኣባል ዓለማዊ ህጹጽ መድሃኒታት ዝኾነ ሽወደናዊ ፕሮፌሰር ዮሃን ሽሪፕ ሓቢሩ።
ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን መዓልታዊ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘቕርቦ ጸብጻብ ግዳያት ሕማም ኮቪድ-19 ነቶም ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሞቱ ሰባት ኣብ ቁጽሪ ብምእታው ከምዘቕርቦ እዩ ይፍለጥ። መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮፓ ግን ነቲ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዘጋጥም ሞት ኣብ ቁጽሪ ከየእተዋ ጸብጻበን ዝሕብራ። ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሆላንድ፡ ጣልያንን እስፓኛን ከም ኣብነት ክጥቀሳ ይኽእላ ክብል ይምጉት። መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮፓ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሞቱ ገዲፈን ናይቶም ኣብ ሆስፒታላት ዝሞቱ ጥራይ ከምዘቕርባ ሬድዮ ኢኮት (Ekot) ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስቶክሆሎም ካብ ዘጋጠመ ሞት እቶም ሓደ ሲሶ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዘጋጠመ ሞት ምዃኑ ሬድዮ ኢኮት (Ekot)ብተወሳኺ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com