Sunday , May 12 2024

በዓል መዚ ቁጽጽር ለበዳ፡ ኣብ መናበዪ ዓበይቲ ልዕሊ 1000 ናይ ምቁጽጻር መስርሕ ኣካይዱ።

በዓል መዚ ቁጽጽር ንልዕሊ 1000 ኣብ መላእ ምምሕዳራት ሽወደን ዝርከባ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምቁጽጻር ክገብር ሃቂኑ ከምዘሎ ሓላፊት በዓል መዚ ምቁጽጻር ጥዕናን መናበይ ቦታታን (Ivo)፡ ሶፍያ ፊልስትሮም፡ ሓቢራ። ዕላማ ናይዚ ቁጽጽር ጌጋታት ንምርካብ ዘይኮነ ነቲ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝጥቀምሉ ኣገባብ ኣሰራርሓ ንምምሕያሽ ዝዓለመ ምዃኑ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጥዊ ዋዕላ ፊልስትሮም ትሕብር።

መስርሕ ምቁጽጻር ነቲ ዘሎ ኩነታት ዘመሓይሽ ክኸውን ተስፋ እናገበርና መሰረታዊ ናይ ጽሬት ኣገባባት ምክትታል ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ኣዘኻኺራ። ብሰንኪ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዘርአ ዘሎ ወሰኽ ለበዳ ቫይረስ፡ መንግስቲ፡ ኣንጻር ለበዳ ቫይረስ ሓዲሽ ስትራተጂ ኣውጺኡ ከምዘሎ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሓደ ሲሶ ናይቶማ ኣብ መላእ ሽወደን ዝሞቱ ዘለዉ ሰባት ካብ ኣረጋውያን ምዃኖምን ፍርቂ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ስቶክሆሎም ዝሞቱ ድማ ኣረጋውያን ምንባሮም ሓቢሩ ኔር። ዕላማ ናይቲ መስርሕ ንናይ ምንባይን ጽሬትን ኣገባባት ንምቁጽጻር ምዃኑ ሚኒስተር ህዝባዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com