Sunday , May 12 2024

ማሕበር ሰራሕተኛ፡ ኣብ መናበይ ዓበይቲ እኹል ናውቲ መከላኸሊ እንተዘይተቐሪቡ ስራሕ ከምዘቛርጽ የጠንቅቕ።

ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሑ ኣባላት ጸረ ቫይረስ ኮሮና እኹል ዝኾነ ናውቲ መከላኸሊ እንተዘይተቐሪብሎም ካብ ስራሕ ደው ከነብሎም ኢና ክብል ናይ ምምህዳራት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣጠንቂቑ። ከም መከላኸሊ ተባሂሉ ንሰራሕተኛታት ዝወሃብ መሸፈን ኣፍ (Gag) እኹል ኣይኮነን። ብውሕዱ ምሉእ ገጾም ዝሽፍን ማስኬራ ክቕረበሎም ከምዝግባእ ኣቦ ወንበር እቲ ማሕበር ቶብያስ ቦዲን ከምዝሓበረ TT ገሊጹ። እቲ ማሕበር፡ ዝሓሸ ናውቲ መከላኸሊ ምቕራብን ኣገዳስነቱን ዝምልከት ዛዕባ ንልዕሊ 20 ሽሕ ኣገልግሎት ምንባይ ዝህቡ ኣካላት ሎሚ መደረ ኣስሚዑ።

ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ኣብ ግዜ ስራሕ ንሰራሕተኛታት መሸፈን ኣፍ ክጥቀሙ ከምዝኣዘዘን እዚ ድማ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሓንቲ ኣብ ስቶክሆሎም ካብ ዝርከባ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሑ ኣባላት ስርሖም ምስ ኣቋረጹ ዝተወስደ ውሳኔ ምንባሩ ይዝከር። ሓደ ስራሕተኛ ኣብ ለበዳ ዘለዎ ኣከባቢ ስርሑ እናሰረሐ ዝግባእ ናውቲ መከላኸሊ ክቐረበሉ እንተዘይክኢሉ፡ ብወገንና ንሰራሕተኛ ንምክልኻል፡ ስራሕ ደው ናይ ምባል መሰል (Skyddsstopp) ክንጥቀም ምዃንና ንሕብር ክብል ቦዲን ገሊጹ። ኣብ ሽወደን፡ ንሓደ ሰራሕተኛ ሂወቱ ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ ስራሕ እንተኣጋጢምዎ፡ ስርሑ ከቋርጽ ዘኽእል ሕጊ ከምዘሎን እዚ ሕጊ ድማ “Skyddsstopp” ከም ዝበሃል ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com