Saturday , May 11 2024
Foto Bertil Ericson / TT

ውሩይ ኩባንያ መሸጣ ክዳውንቲ MQ ከም ዝጠፈሸ ኣዊጁ።

ኩባንያ መሸጣ ክዳውንቲ MQ ወግዓዊ ናይ ጠፈሻ ጠለቡ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘቕረበ ሓቢሩ። ጠንቂ ናይዚ ድማ

ኣብ ወርሒ መጋቢትን ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሚያዝያ ዘጋጠመ ዋሕዲ መጠን መሸጣ ዘስዓቦ ምዃኑ እቲ ትካል

ገሊጹ። ድሕሪ ኩነታት ቫይረስ ኮሮን ውን መጠን መሸጣ ከንቆልቅል ከምዝኽእል እቲ ትካል ግምታቱ ሓቢሩ።

ኩነታት ምሕደራ ስራሕ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝበኣሰ ብምውራዱ ስራሕ ከምዘይቅጽል ክገብሮ ክኢሉ ክብል ሓላፊ

ምምሕዳር ትካል ሓቢሩ። ኩባንያ መሸጣ ክዳውንቲ MQ ስርሑ ንምቕጻል ዝከኣሎ ክጽዕር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መጨረሽታ ድማ ስራሕ ኣብ ክቕጽለሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ከምዝበጸሐ ኣካያዲ ኩባንያ፡ ኢንግፋር ላርሶን ኣረጋጊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com