Friday , April 26 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 23 November 2020

Read More »

ኣብ ሪንክቢ ዝነብሩ ወለዲ፡ ኣብያተ ቤት ትምህርታት እኹል ጻዕሪ ከምዘየካይዳ ይዛረቡ

ደቆም፡ን ማሕለኻ ቋንቋ ሽወደን ብምብዳህ ናብ ላዕለዋይ ደርጃ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲን ክጽንበሩ ክኽእሉ ምእንቲ፡ ኣብያተ ቤት ትምህርታት፡ ተወሳኺ ጻዕሪ ክገብራ ኣብ ሪንክቢ ዝርከቡ ወለዲ ምስ ኣገልግሎት ዜና SVT ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ጸዊዖም። ደቅና ቋንቋ ሽወደን ክመሃሩ ዝያዳ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ ክትብል ሓንቲ ኣደ ገሊጻ። ብፍላይ ብማሕበራውን ቁጠባውን መዳያት፡ ኣብ ሰንኰፍ ኩነታት ዝርከባ ከባቢታት ነቲ ብድሆ ኣብ ምግጣም ሽግር ከም ዘለወን ድማ …

Read More »

ኩባንያ ኣስትራዘኒካ፡ ልዑል ኣድማዕነት ዘለዎ ክታበት ኮሮና ከምዘፍረየ ኣቃሊሑ

ሽውደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ ኣስትራዘኒካ፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ብምዃን  ዘማዕበሎ ክታበት ኮሮና፡ ኣድማዕነቱ ክሳብ 70% ኮይኑ ከም እተረኽበ ሓቢሩ’ሎ። ዋና ተመራማሪ እዚ ኩባንያ፡ ዶክተር ኣንድሩ ፖላርድ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዞም ተመራመርቲ በቲ ውጽኢት ሑጉሳት ምዃኖምን ሕሙማት፡ ፍርቂ፡ ጸኒሖም ድማ ምሉእ ዶዝ ጸረ ኮሮና እንተተዋሂቦም ኣድማዕነት ናይቲ መድሃኒት ናብ 90% ክብ ክብል ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብ …

Read More »

ኣብ ዝቕጽል ወርሒ፡ ሰለስተ ሃገራት ክታበት ኮሮና ክጅምራ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ይንገር

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዓዲ እንግሊዝን ጣልያንን፡ ኣብ ምጅማር ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ ክታበት ኮሮና ክጅምራ ከምዝኽእላ እንግሊዛዊት ጋዜጣ ጋርድያን ኣቃሊሓ። ብኻልእ ወገን፡ ዓዲ ጣልያን፡ ክታበት ኮሮና፡ ካብ ምጅማር ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ ኣብ ጥቕሚ ንኸተውዕል፡ ብኩባንያታት ፋይዘርን ቢዮንቴክን ዝፈረየ ክታበት፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክትሰማማዓሉ ምዃናን እንግሊዛዊ ጋዜጣ ዘ ቴሌግራፍ ገሊጹ። ክታበት ኮሮና፡ ካብ ታሕሳስ ክንጅምሮ ድሌት ኣለና ዝበለ፡ ሚኒስተር ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ፡ ማት …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ንሓዘንተኛታት ዝምልከት ፍሉይ ናይ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ መምርሒ ወሲኑ

መንግስቲ ሽወደን፡ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ኣቢላ ንመጠን ብዝሒ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ካብ 8 ሰባት ክበዝሕ ከምዘይብሉ ዝገልጽ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር። ቤተ ክርስትያን ሽወደን ብወገኑ፡ ንብዝሒ መዋቲ ክፋንዉ ዝእከቡ ሓዘንተኛታት፡ ንጥምቀትን መርዓትታትን ብዝምልከት፡ እቲ ብዝሒ ናብ 20 ሰባት ክብ ንኽብል ጠለብ ኣቕሪቡ ምንባሩ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን፡ ብመንገዲ ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ኣቢሉ፡ ንጉዳይ ሓዘንተኛታት …

Read More »

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንሓደስቲ ክታበት ኮሮና፡ ተፈላጥነት ንምሃብ ይሰርሕ

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ነቲ ኣብ መስርሕ ፈተነ ዕዉታት ኮይኖም ዘሎዉ ብትካላት መድሃኒት፡ ፋይዘርን ቢዮንተክን ከምኡ ዉን ሞደርና  ዘፍረዮም ክልተ ዓይነት ክታበት ተፈላጥነት ክህብ ኣብ ምድላዉ ከምዘሎ ተፈሊጡ። እቶም ክታበት፡ ኣብ መስርሕ ኣገልግሎት ሕክምና ኣባል ሃገራት ክዝርግሑ ከምዝኾኑ ኣደ መንበር እቲ ሕብረት፡ ኡርሽላ ቫን ዴለይን፡ ኣፍሊጣ።  ነዚ ኣመልኪቱ ኤውሮፓዊ ሕብረት ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ፡ በዓል መዚ ተቖጻጻሪ መድሃኒታት ኤዉሮጳ፡ ንጠቕላላ መስርሕ ናይቶም ክታበታት …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 20 November 2020

Read More »

ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ መሐንበሲ ማእከላትን ስፖርታዊ ኣደራሻትን ንኽዕጾ ወሲኑ

ኣብ ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምውጋድ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ናይ ዝተፈላለዩ ዞባታት ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ንኹሎም ኣብዚ ዞባ ብምምሕዳር ስቶክሆልም ዝዉነኑ ዘሎዉ መሐንበሲ ማእከላትን ስፖርታዊ ኣደራሻትን ክዕጸዉ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ተፈሊጡ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ መእለይ ኣረጋዉያን እቲ ምልባዕ ንምክልካል ተባሂሉ ምስቲ ብሃገር ደረጃ ተወሲኑ ዘሎ፣ ዉሳነ ብዝሳነ መገዲ፡ ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ዝጸንሕ ምብጻሕ ናብ …

Read More »

ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ጸላም ዓርቢ (Black Friday) ብኣግኡ ጀሚራ

ኣብ ሽወደን፡ ብስም ጸላም ዓርቢ (Black Friday) ዝፍለጥ እዋን፡ ዓመታዊ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር እትርከብ ዓርቢ ከምዝውዕል ይፍለጥ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንግዳውያን ትካላት፡ ዋጋታት ትሕዝቶአን ኣሕሲረን ዘቕርባሉ እዋን ኮይኑ ክሳብ ሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ እዩ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን፡ ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ገለ ንግዳውያን ትካላት፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚረን ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ወላ’ኳ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ንጽቕጥቅጥን …

Read More »

ህጻናት፡ ብናይ ነዊሕ ግዜ ምልክታት ኮሮና ከም ዝሳቐዩ፡ ሽወደናዊ መጽናዕቲ፡ ገሊጹ

ህጻናት፡ ቫይረስ ኮሮና ዘስዕቦ፡ ናይ ነዊሕ እዋን ጥዕናዊ ጸገማት ከማዕብሉ ከም ዝኽእሉ ኣብ ኮለጅ ካሮሊኒስክ መምህር ዝኾነ ፕቶፌሰር፡ ዮናስ ሉድዊግሰን፡ ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። እዞም ህጻናይ ድኻም ዘለዎም እዮም ዝበለ ሉድዊግሰን፡ ብሕጽረት ምስትንፋስን ልዑል ህርመት ልብን ሕጽረት ምዝካርን ከም ዝሳቐዩ ኣመልኪቱ። ንገለ ኣዋርሕ ዝጸንሕ፡ ቃንዛ ጐረሮ፡ ከም ዘሳቕዮም ድማ ወሲኹ ገሊጹ። እቲ መጽናዕቲ፡ ዕድሜኦ ካብ  9 ክሳብ 15 ዓመት ዝኾኑ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com