Wednesday , May 8 2024

ህጻናት፡ ብናይ ነዊሕ ግዜ ምልክታት ኮሮና ከም ዝሳቐዩ፡ ሽወደናዊ መጽናዕቲ፡ ገሊጹ

ህጻናት፡ ቫይረስ ኮሮና ዘስዕቦ፡ ናይ ነዊሕ እዋን ጥዕናዊ ጸገማት ከማዕብሉ ከም ዝኽእሉ ኣብ ኮለጅ ካሮሊኒስክ መምህር ዝኾነ ፕቶፌሰር፡ ዮናስ ሉድዊግሰን፡ ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ።

እዞም ህጻናይ ድኻም ዘለዎም እዮም ዝበለ ሉድዊግሰን፡ ብሕጽረት ምስትንፋስን ልዑል ህርመት ልብን ሕጽረት ምዝካርን ከም ዝሳቐዩ ኣመልኪቱ። ንገለ ኣዋርሕ ዝጸንሕ፡ ቃንዛ ጐረሮ፡ ከም ዘሳቕዮም ድማ ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ዕድሜኦ ካብ  9 ክሳብ 15 ዓመት ዝኾኑ ሓሙሽተ ብናይ ነዊሕ እዋን ምልክታት ሕማም ኮሮና ዝሳቐዩ ህጻናት ድሕሪ ምምርማር፡ እዞም ዝተጠቕሱ ምልክታት ከም እተራእዮምን እዞም ምልክታት ምስ ናይ ሓሰማ ሰዓል ዝፍለጥ ሕማም ዝሓመሙ ህጻናት ዘርእይዎም ምልክታት ተመሳሰልቲ ምዃኖምን ድማ ገሊጹ።

እዞም ህጻናት ዝኾነ ዓይነት ሕዱር ሕማም ልቢ ይኹን ሽኮርያ ወይ ሕሉፍ ግዝፊ ዘለዎም ከምዘይኮኑ ዝሓበረ እቲ መጽናዕቲ፡ ምልክታት ሕማም፡ ካብ  6 ክሳብ 8 ኣዋርሕ ምጽንሑ ሓቢሩ።

ኣብ ሆስፒታል ህጻናት ሶልና፡ ዳይረክተር ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ዝኾነት፡  ሞሊን ሊንደር፡  ጥዕናዊ ኩነታት ናይቶም ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም  ዝርከቡ ንነዊሕ ግዜ ምልክታት ሕማም ኮሮና ዘርኣዩ 20 ህጻናት ከተጽንዕ ተዳልያ ምህላዋ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com